INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ምሕሳብ መንገዲ ፍታሕ ፤ ምጭናቕ መንገዲ ስዕረት

ምሕሳብ መንገዲ ፍታሕ ፤ ምጭናቕ መንገዲ ስዕረት ስለዝኾና ህዝብና ከመይ ከምንሕግዝ ጥራሕ ንሕሰብ!

አዕሙቕካ ምሕሳብ ናብ መፍትህ እንትወስድ ልዕሊ ዓቐን ምሕሳብ ድማ ናብ ጭንቂ ይወስድ ዝብል ኽልሰ-ሓሰብ ብዙሓት ተመራመርቲ ስነሓሳብ ዝስማምዕሉ እዩ፡፡ ምጭናቕ ናበይ ከምዝወስድ ግና ብዙሕ ምዝርዛር አየድልን።

አበጋግሳይውን ናይዞም ቃላት ትርጉም ንምዝርዛር አይኮነን። አብ ኹናት ትግራይ ዘለና ተለዋዋጢ ስምዓታት ምስ ኽውንነት ንምትእስሳርን ምስ ህዝብናን ሰራዊትናን ዘለና ስነልቡናዊ ሓድነት ክጠናኸር ንምዝኽኻር እዩ።

TDF ክሳእ ሕዚ ፀላእቱ ዝሕምሽሽ ዘሎ ብምሽጥሩ ዘይተፈለጠ ተአምራዊ ስርሒት እምበር በቲ ኩልና እንፈልጦ ልሙድ ውግእ ወይ ወታደራዊ ግጥም አይኮነን::

ንምንታይሲ ምስ TDF (ሓይልታት ትግራይ) ገጢሙ ዘሎ ሓይሊ ብበዝሒ ሰራዊት ፤ ብበዝሒ መሳርሒ፤ ብአየር ፤ ብስንቂ ፤ብበዝሒ ህዝቢ፤ ብቑፅሪ ሃገራት አይመጣጠንን።

ምስ ዝኾነይኹን ዓለም ከይራኸብ ንኽልተ ዓመታት ዝተዓፀወ መንግስቲ ሒዙ፤ አብ ውሽጢ ስንቂ ከየቕርብ ብጥምየት ክረግፍ ንኽልተ ዓመታት አብ ዕፅዋ ምስ ዘሎ ህዝቢ ዝነብር: ስንቅን ዕጥቅን ካብ ፀላእቱ ጥራሕ መንዚዑ ክዕጠቕ ዝፅበ ተአምራዊ ሓይሊ እምበር ምስ ዝምጥኖ ሓይሊ ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ አይኮነን::

ስለዚ ትሕቲ ፈጣሪ ዝእመን ተአምራዊ ሓይሊ TDF እዩ ! ንሓይልታት ትግራይ ብዝኾነ ወታደርዊ መዕቀንታት ክትመዝኖ ምፍታን ጌጋ እዩ::

እሞ ሎሚ አብ ማዕዶ ኾይንና ናይ ሰራዊት ትግራይ አካይዳ ይኹን አታሕዛ መሬት፤ ንቕድሚት ምስዳር ይኹን ምንስሓብ ከጨንቐና አይግባእን: ክንፈርሕውን አይግባእን።

አካል ህዝቢ ትግራይ ስለዝኾና ከም ሰብ ክንሓስብ ስለዘለና እምበር: እዞም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይስ ትሕቲ ሰብን እንስሳ እዮም:: ንባዕሎም ክጠፍኡ ዝወሰኑ ሓይልታት ስለዝኾኑ ንባእሎም ጠፊኦም ንሰብ ክልክሙ ናይግድን እዩ:: ብዕሙቱ ዝጎይ ዘሎ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኾነ ገደል ክፀድፍ ፤ ወይ ምስ ጎቦ ተላቲሙ አዕጽምቱ ክምዝረግፍ ፍሉጥ እዩ::

ብግብሪ እንሪኦ ዘለና ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብመዓልቲ ብዓስርተ አሻሓት እናተሓምሸሹ ንህዝብና ብአማኢታት ክልክሙና ምዃኖም አብሕሉፍ እውን ሎሚውን ንሪኦ ዘለና እዩ:: ህዝብና አይጠፍን፤ አይስኮንን፤ አይሰዓርን ማለት መስዋእትን መቑሰልትን ፤ ምፍንቓልን አካላዊን ሰነልቡናዊን ፀገማት አይበፅሖን ማለት አይኮነን። ኹናት ጆኖሳይድ እንብሎ ዘለናውን ቅድሚ እዘን 60 መዓልታት እኳ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕዝቢ ትግራይ ብግፍኢ ተቐቲሉ ስለዝኾነ እዩ።

ዘለና መማረፂ ሞት ህዝብና ምንካይን ቐተልቲ ህዝብና ጠቕሊሎም ንከጠፍኡ ካባና ዘድሊ ናይ ሞራል፤ ገንዘብን ዲፕሎማሲን ሓገዝን ምግባር ጥራሕ እዩ:: እቲ ናይ ወታደር ንወታደር ሂብና ናይ ደጀን ስራሕትና በንኽእሎ ጥራሕ ተይኮነስ ከም ህዝቢ ትግራይ ካብ እንኽእሎ ንላዕሊ ምሕጋዝ እዩ እቲ ሰዓራይነት።

እሞ እቱ ዓሚ ጠፊኦም (ከሕሩጭ ተበቲኖም) ዝተብሃልሉ እዋን ከመይ ድዩ ሓሊፉ? ሎሚ TDF ካብ ሽዑ አብ አፀቢቑ ዝለዓለ ብርኪ ዘሎ ምዃኑ ንምፍላጥ ናይዝሓለፋ 60 መዓልታት ስርሒት/ውዕሎ ምርአይ እኹል ይመስለኒ::

ተአምረኛ ( ተአምራዊ magical) ዝበልናዮ ሰራዊት ትግራይ ሎሚን ፅባሕን እንታይ ሒዙ መሰስ ከምዝብል ምግማት እምበር ምፍላጥ አይከአልንሞ : እምነትና ንአምላኽን ንስራዊትን ትግራይ ሂብና ዝግበአና ስራሕቲ ብልሙድ ተይኮነስ ከም TDF ተአምር ክንሰርሕ አለና!

ትግራይ ትስዕር !

ህዝቢ ትግራይት ይዕወት!