INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ንኣማኢት ዓመታት ዝቐፀለ ፀሊም ታሪኽ ፅንተት ተጋሩ

ንኣማኢት ዓመታት ዝቐፀለ ፀሊም ታሪኽ ፅንተት ተጋሩ ዝወረሰ ወለዶ ኣካል ዝኾነ ትግራዋይ፤ «ኣባና ይኣክል!» ኢሉ ብመስዋእቲ ኣሓት ኣሕዋቱ ተረኺቡ ብዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ኣቢሉ ኩሉ ንህዝብና ዘርብሕን ዘሳግርን ፍታሓት ፀንቂቑ ኣብ ምንዳይን ንቕድሚቱ ኣርሒቑ ኣብ ምእማትን ክነጥፍ ይግባእ::

ኮይኑ ግና ኣብ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ፤ ኣብ ቅድሚ ፀላእቱ ኣብ ኣደባባይ ጥራሕ ዝባኑ ወፂኡ ዝራጋሕ ኣብ ኣለሻ ጎዶሎታት ጌጋታትን በለካ ለኽዐካን፤ ኣብ ፀርፊ ጠቐነ ስማስም ፀለመ ተኽንን ፅልኢትን ዝጠሓለ ሰብ ይርአ ኣሎ! ገሊኦም ነጠፍቲ ህግደፍ 03ን ብልፅግናን ከምኡ እውን ብኢንሳ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተኸፈተ No-man ኣካውንት እንተኾኑ እኳ ገሊኦም ግና ዝፍለጡ ተጋሩ እዮም::

ጋሻ ውሕጅ ኣገሪሁ ይኹን እናርአኻዮ ብስንፍናኻ ንስድራኻን ጥሪትካን እንተበሊዑ፤ ንቐፃሊ መለበሚ ይኾነካ፤ ግና ብፅባሒቱን ብድሕሪኡን ኣደራሪጉ እንተዘሚቱካ እቱ ውሕጅ ጋሻ ስለዘይኮነ፤ «ሰብኸ ድየ ኢልካ ንነፍስኻ ሕተት» ይብሉ ነይሮም ወለድና!

ከም ህዝቢ ትግራይ መስቀላዊ መንገዲ ካብ እንሰግሮ ሓምሻይ ዓመትና፤ ሐዚ እማ ኣብ ዘየማትእ ማንታ መንገዲ ኢና ዘለና፤ መንገዲ ናፅነት ወይ ቀፃሊ ፅንተት! ንቐፃሊ ከም ትግራይን ከም ህዝቢ ትግራይን ከመይ ከም እንነብር ብኹሉ ኣንፈት ተበላሕቲና፤ ዝዕረ ኣዐሪናን ኣነፂርናን ብሓባር እንውስነሉ ተሪርን ዝያዳ ፈታንን ምዕራፍ ውሽጢ ኢና ዘለና! ንህዝብና ዘርብሕን ዘሳግርን እንተኾይኑ፤ ኣብ ሃላላ ኣይኮነን ኣብ ዝሃለወ ይሃልው ዋላ ንጣብ ማይ ይኹን ዓቑርና ኢና ቀላይ ክንገብሮ! ብዝሓለፈ ልቢ ዓዕቢና ይኹን ብልውህነትና ዝኸሰርናዮ ይኣክል!

«የአገር ውስጥ የሕግ ማስከበር ጉዳይ ነው» እናበሉ፤ ኩሉ ዓፃፅዮም ካብ ዘፅንቱና ዝነበረ ፀልማት ብቕልፅምና ገሊህና፤ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ትግራይን ኢትዮጵያን ማዕረ ኮፍ ኢልና ብዝኣሰርናዮ መሸንቅቖ ዝኾነ ስምምዕ መሰረት፤ ዝግብአና እናረጋገፅና ህዝብና እናርባሕና ክንስጉም ኣለና:: እዙ ክንገብር ድማ ዋላ ገበነኛታት ኵናት ይኹኑ፤ ንህዝብና ዘርብሕን ባህግና ዘዕውትን ክሳብ ዝኾነ ምስ ፀላእትና ኮፍ ኢልና ክነዘራረብን ክንፋረዶምን ኢና::

ንእስራኤል ከም ሃገር ጠጠው ካብ ዘበሉዋ ሓደ ሞሸ ዳያን ካብ ዝዝከረሉ ተሪር ዘረብኡ «If you want to make peace, you do not talk to your friends. You talk to your enemies» «ሰላም ክትገብር እንተደሊኻ ምስ ፈተውትኻ እንተይኾነ ምስ ፀላእትኻ ትዛረብ» ዝበሎን ዝተግበሮን ነይሩ::

ቅድሚ ሞሸ ድማ ኣልበርት ኣንስታይን እውን «Peace cannot be kept by force. It can only be achieved by understanding» «ሰላም ውሕስ ክኸውን ዝኽእል ብሓይሊ እንተይኾነ ብምርድዳእ ጥራሕ እዩ» ኢሉ ነይሩ:: ቅድሚ እዙ ወራር ፅንተት ኣትሒዙ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ መሰሉን ባህጉን ዝረጋገፀሉ ሰላም ቅሳነትን ራህዋን እዩ::

ጉዳይ ገዛና ዝዕመም ንትግራይ ከም ትግራይ ነፃ ገይርና ብክልተ እግራ ጠጠው ኣቢልና ኣብ ውሽጢ ገዛና እዩ! ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዘይምዑርይ ስርዓትን መሓውርን ብኸይዲ ብምትዕርራይ፤ ጉጉይን ዘይዕርኑብን ኣካይዳታትን ኣፈፃፅማታትን ብስርዓትን ኣሰራርሓን ብምፅፋፍ ብኣና ብተጋሩ እምበር፤ ኣብ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ብምውዛእ ብጥርዓን ነንሕድሕድና ብፀርፊ ጠቐነን ስማስምን ተኽንን ፅልኢትን ኣይኮነን!

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh