INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ምእንተ ሰላም ኩሉ ክኩሕኳሕ ዘለዎ

ምእንተ ሰላም ኩሉ ክኩሕኳሕ ዘለዎ ማዕፆ ካብ ምኩሕኳ ኣይነቡክርን! ኣንፃር ጀኖሳይ እነካይዶ ዘለና ኵናት መኸተ እውን እቱ ሓደ ማዕፆ ሰላም እዩ!

ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን እዩ! ፀላእትና ግና ድሌቶምን ተበግሶኦምን ምፅናት ዘርኢ ትግራይ እዩ! ስለዝኾነ እዩ ድማ ሰላም ከውርድ ዝኽእል ሓሳብ ክህልዎም ኣይኮነን፤ ኩሉ ማዕፆ ሰላም ዓፅዮም ድርድር እናበሉ ግዘ መከራን ፅንተትን ህዝቢ ትግራይ ከናውሑ ተኸታታሊ ሸርሕታት ዝፍሕሱ ዘለዉ::

ብፀረ መጥቃዕቲ ተጋይሾም ተዳዒኾም ኣይኮነሎምን እምበር፤ ናቶም ዘተ ሰላም ውዲቱ ክሳብ መቐለ ዝኣትዉ ግዘ ክዕድጉን game over ክብሉናን እዩ ነይሩ::

ንዙይ እውን እዩ ካብ ፍልፍላት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተረኸበ ሓበሬታ፤ «...ተፃብኦታት ጠጠው ዘብል ስምምዕ ክንገብር እንተኾይንና ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ የውርድ፤ ...ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንኽወፅእ ንባድመ ሓዊሱ ኩሉ ኤርትራ ይግብኣኒ እዩ እትብሎ መሬት ትግራይ ናይ ኤርትራ ከምዝኾነ ንሕና ፈቒድና ስለዘለና መንግስቲ ትግራይ እውን ይቀበል፤ ....ትግራይ ከምዘይትወራ ውሕስነት ፀጥታን ደሕንነትን ኤርትራ ይረጋገፅ...» ዝብሉ ደርፊ ዓሻ መሃይም ብድፍረት ዘስምዑ!

እዞም ፍልፍላት ወሲኾም ከምዝሓበሩዎ፤ ምእንተ ዘተ ሰላም ክቕፅል፤ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ተፃብኦ ጠጠው ዘብል ስምምዕ ብዘይቅድመ ኩነት ንኽፍርም፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወፅእ ክገብር፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ንትግራይ ክኣቱ ክገብር፤ ... ካብ ኣዛተይትን ተዓዘብትን ሓሊፉ፣ ካብ መራሒ ሴኔጋል ክሳብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ካብ መራሒ ኡጋንዳ ክሳብ ናይጀሪያ፣ ካብ መራሒ ኬንያ ክሳብ ኣቮሪኮስትን፣ ካልኦት መራሕቲ ዓለምለኸ ትካላትን ክድውልሉን ፀቕጢ ክገብሩሉን ፈተነ ተገይሩ እዩ::

ካልእ ተሪፉ ሓገዝ ትካል ገንዘብ ዓለም ክግበረልካ ኢሎም እውን ጠቢሮምዎ:: ኮይኑ ግና እቱ ዘተ ብወገን ኢትዮጵያ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ይምራሕ ስለዝነበረ፣ ፃውዒትን ፀቕጥን ማሕበረሰብ ኣለም ኣዎንታዊ ምላሽ ኣይረኸበን:: ትግራይን ኢትዮጵያን ድየን ንዘተ ሰላም ኮፍ ኢለን ዘለዋ ወይስ ትግራይን ኤርትራን ዘብል እዩ ነይሩ! መን ምስ መን ከምዝኾነ ተሓዋዊሱ ተሓማዚቑ! ማሕበረሰብ ዓለም እኮ ጥዕና ምስ ዝርሓቖም ሓውሲ ኣራዊታት ከምዝገጠምና ስለዘይተረድኦም እዩ፤ ብዘተ ዝኸውን መሲሉዎም ክጥብሩን ፀቕጢ ክገብሩን ዝቐነዩ::

ፅባሕ እንታይ ክወል ከምዝኽእል ንርኢ! ድሕሪ እዙ ኩሉ ፃዕሪ፤ ኣንፃር ሰላም ኮይኑ ብልፍንቲ ምፅናት ዘርኢ ዘካይድ ዘሎ መን ከምዝኾነ ንማሕበረሰብ ዓለም ንፁር ኮይኑ ኣሎ:: ስለዙይ ከም ህዝቢ ትግራይን ኩሉ ኣንፃር ጀኖሳይድ ዝኾነ ደላዪ ሰላምን፤ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም እንሓቶ፤ ኣንፃር ጀኖሳይድ ኣብ እነካይዶ ፍትሓዊ ኵናት ኣብ ጎንና ጠጠው ኢሎም፣ ብኹሉ ዓቕሞም ንክትሓባበሩናን፤ ገበነኛታት ኵናት መኪትና ንህዝቢ ክነድሕንን እዩ!

ትግራይ ትስዕርኣላ!
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh