INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ምቻኣል_ሽኸት ምስ #ራእሲ_ልኡል_መንገሻ_ስዩም!

ቅዱስ ሚካኤል ሽኸት ጉንበት 12/1954 ዓ.ም ተመሪቑ፤
ምቻኣል ሽኸት ብኣቦና ራእሲ ልኡል መንገሻ እዩ ተሰሪሑ።

እዙይ ዘኽቲ ሽኸት ካብ ቐላቕል እንደርታ ዓመቱ ብልመፅእ ብሕምባሻ መሊኣ፤ ቤተሰብ ልጠያየቐ ዓብይ ክብረ በዓል እዩ። ህዝቢ ሽኸት ሎሚ ጉንበት 12/2014 ዓ.ም ተበታቲኑ ውልድይ ወላድይ ተፈላልዩ ምናዳ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ሰመራ ኣብ ፈታኒ ፀገም ኾይኑ የሕልፎሎ።

እምበኣይ እግረ መንገድና ሓፂር ታሪክ ዛ ከተማ ንጭሕግር!

ራእሲ ልኡል መንገሻ ስዩም (ወዲ ላሕምና) ድሕሪ ሕልፈት ወላዲኦም ራእሲ ስዩም (1953 ዓ.ም) እዮም #ልትግራይ ዓዶም #ከማሓድሩ ልመፁ ይብሉ ዓበይቲ ዓዲ ደቂ ሽኸት!

ኣቦና ብፁእ #ኣቡነ_ዮሃንስ (ነበር #ጳጳስ ትግራይ) ልገዳም መዝባዕ ይመላለሱ ብምንባሮም ኣብቱ ግዜ ራእሲ ልኡል መንገሻ ሒዞምዎም ይኸዱ፤ ደሓር ራእሲ መንገሻ #ጥሙት (መስተውዐሊ) ብምኳኖም ትትኸዱይ ትትምለሱይ ርስቲ ግዝኣቶም ምድሪ ሽኸትይ ከባቢኡይ ሪኦም፤ #ተዓዚቦም ብልኸዱ ተመሊሶም ከልምዕዋ ወሲኖም ልተግበሩዎ።

ራእሲ መንገሻ ፕላንዛ ከተማ ጥራይ ለይኾነስ ኣብ ሽኸት እዞም ልስዕቡ ናይ ልምዓት ስራሕቲለ ሰሪሖም እዮም።

1) መዝባዕ ምኻዶም ልተዓዘብዎ #ኣፀጋምነት_መንገዲ ሽኸት እዩ ነይሩ። መንገዲ ፅርግያ መኪና ብኽልተ መማረፂ ላብ ሽኸት ልወስድ ክሻዕ #ዶዶም (ግዝኣቶም) ሰሪሖም።

ሀ) ብዳንደራ፣ ሞነስ፣ ምላዛት፣ ዓረፋይ ምቻኣል ሽኸት
ለ) ብዳንደራ፣ ዞሮርሓ፣ ኣኸዛ፣ ገረብ ሙርጓ፣ ሂድሞ ሰሪሖም

2) ተፈጥሮ ሃፍቲ #ደን ቐላቕል ድድባ ደርገዓጀን ልመስርሒ ኖራ ብልብል #ብሃይሉ_ጓንጉል ልበርስ ልነበረ ብምርኣዮም ኣብ ስምዒት ኣትዮም ብዙሕ ተይደንጎዩ ብቕልጡፍ ክእገድ ኣብ ምግባር ለድሐንዎ ሃፍቲ ተፈጥሮ።

3) ዓመት ሙሉእ ልማይዳ ልፈስስ ልነበረ ገረብ ማይ ሽጓል (ማይ ኣባ ጉበን) ልማይዳ ኣጋሊሶም ብመስኖ ቀወምቲ ናይ ፍራምረ ተኽሊታት ክለምዕ ገይሮም እዮም።

ኣብ #ማይ_ሹጓላ ለልምዑዖ ተኽሊ፣ልነበረ ኣራንሺ፣ ቦኽረ ሎሚን፣ ሎሚን፣ ፖፖየ፣ ወይኒ ልገርም ነይሩ ክሻዕ ኸዚ ብናይና ዕድመ ጥቕሚ ይህብ ነይሩ።

4) ኣብቱ ግዜ ልነበሩ ዉሑዳት ገባራት ነበርቲ ፅግዓ ሽኸት ኣብ ከባቢኦም (ከባቢ ሽኸት) ካብ ገዳም #መዝባዕ ፤ ቤተክርስትያን ቅ/ማርያም ሂድሞ፣ ቕ/ጊዮርጊስ #ወጋየ ፃፀኢ ኣብ ቐረባኦም ክጥቀሙ ልምግባር ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ምቻኣል ሽኸት ኣስሪሖም እዮም።

5) ልቐፃሊ ዕብየት፣ ምዕባለ እቲ ከባቢ ብምሕሳብ ማስተር #ፕላን_ከተማ ሽኸት ሰሪሖም። ብዚ መሰረት ብዘመናዊ ፕላን ከተማ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ 500 ካሜ ምዕዳል ጀሚሮም ክትዓቢ ገይሮምዋ።

6) ሓደ ከተማ ከማልኦ ልግባእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምምላእ ተኾነለ ብዙሕ ፅዒሮም እዮም ካብኣቶምለ፦

ሀ) ሓደ ጣብያ ጥዕና (ክሊኒክ) ስራሕ ኣጀሚሮም
ለ) ሓደ ቤት ትምህርቲ ኸፊቶም ኣጀሚሮም
ሐ) መንገድታት ፅርግያ ኣስሪሖም
መ) ፁሩይ ማይ ልመስተ ኣሞቻችዮም
ሰ) ፅሬት ከተማ ልክሕሎ መሕረዲ እንስሳ ወዘተ ??? (#ስጋ_ቦርዲ) እዚኣ ከረጋግፃ እየ ብደርጊ ከይትኾን።

ህዝቢ ሽኸትይ ከባቢኣይ ሙሉእ ብሙሉእ ገባር ሓረስታይ፤ ከፍቲ ብምርባሕ ልነብር፤ ኣርሆታይ ብምንባሩ ራእሲ ልኡል መንገሻ ልተፈላለየ ሰብ ሞያ ልነበሮም ካብ ደጉዓ፣ ቐላቕል ኣምፂኦም የስርሑ ነይሮም፦

#ፀሓፍቲ መስርያ ቤት (ቐሺ ኣብርሀ፣ ሃይሉ በዛብህ)
#ሽፈር ትራክተር (እሊ ሓጎስ ሽፈር)
#ቀደስቲ ቤተክርትያን (ቐሺ መስፍን፣ ቀኝ ጌታ ይምረሀ...)
#ሰብ_ሞያ_ልምዓት ዘመናዊ ሕርሻ (እሊ ኪሮስ ፃዕዱ)
#መማህራን (እሊ መምህር ገበረ ኣነንያ)
#ሓካይም ወዘተ ኣምፂኦም ኣገልግሎት ከተማ ጀሚሮም።

7) ማይዳ ሽኸት ብዙሕ ባዳ (ለይሕረስ) ብምንባሩ፤ እቱ ልሙዕነት መሬቱ ብምርኣይ ዓብዩ ብትራክተራት ልሕረስ ዘመናዊ ሕርሻ ልጀመሩ።

8) ደጃት ዳደ ዓዲ ከመሓድሩ ሹመት ክወሃቡ ራእሲ መንገሻ ፀዊዐምዎም ነይሮም፤ ከዕርፍ እየ ሹመት ኣይደልይ ብልበሉ ኻልኦት ኣመሓደርቲ ደቂ ዓዲ ሸይሞም ኸይዶም ይበሃል።

ዋና መልዐሊ ፅሑፈይ ፕላን ከተማ ሽኸት እዩ። ከተማ ሽኸት ኣብ 1954-55 ዓ.ም እያ ብፕላን ክትምራሕ ልጀመረት።

ብፍርሒ #ሕማም_ዓሶ ኣብ ፀግዓ ፀግዒ ልነበሩ ዉሑዳት ገባራት ሕክምና ብልጀመረ ልማይዳ ላወረዱ፤ ካብ ሂድሞ ተኾነለ ልከተማ ላኣተዉ ላደመቐት ኸይዳ።

ሽኸት ዋና ዕዳጋ ቆላ እንደርታ ምስ ምዃና ካብ ራያ፣ ወጀራት ብካላ ገይሮም፤ ካብ ደስኣ ልመፁ ወሰማ ሸጊሮም ብዋዒሉ ሸጊሮም፤ ካብ ደርገዓጀን ብጎሶ መዝባዕ፤ ካብ ድድባ ብገረብ ማይ ኣውዓላ ልወረዳ ብየኣንፈቱ ልመፃ ከፍቲ፤ ሹዶናት ኣውዑር፤ ኣግማል ማይዳ ሽኸት ምልእ ይብል ነይሩ ይብሉና ወለድና።

ፕላን እታ ከተማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ፅዑን እምኒ፣ ዓረፋይ፣ ገለዳ፣ ሓፋሶ፣ ዓዲ ወዶ ሕልሻ፣ ዓፀፃ ትትረአ ብጣዕሚ ለገርም ሞያ #ምህንድስና ራእሲ ልኡል መንገሻ ተድንቕ።

#ታሪክ ትግራይ ህንደይ ኢልኻ ክውዳእዋ ርስቲ ወለድናማ ሃምዛ ልሸጥኹምዋ ኣረክቡና ልብል መልእኽቲ ክውስኸላ።

ፕላን ከተማ ሽኸት ምናዳ ድሕሪ 1990 ዓ.ም #ምርዕርዕ ኣቢሎምዋ።

NB፦ ዙ ኸዚ ካብ #ጅቡቲ ሽኸት፣ መቐለ ለሎ መንገዲ መኪና ብራእሲ ልኡል መንገሻ ስዩም ክሻዕ ዶዶም (ሮሮም) ልተሰረሐ ምኳኑ ክፍለጥ ይግባእ። ናይ ፖታሽ መኣድን፤ ናይ ጂኦተርማል (ከርሰ መሬት ሙቐት) ተኾነለ ብዙሕ መፅናዕቲ ገይሮም ብዙሕ ርሕቐት ልተጓዓዙ መርአያ ልምዓት እዮም።

#እዝኒ_መሓዛ_ቐዳሙን " ካብ ታሪክ ሽኸትይ ከባቢኣይ።

ድምፂ 12 ሽሕ ህዝቢ ሽኸት ንኹን፤ #ዓለም ትርአዮም!

ካብ ቕርቕርቲ መዝባዕ ሓፋሶ!
12/09/2014 ዓ.ም