INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብ TigrayNL ልተጽሓፈ ኹሉ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዓለም ለኻዊ ቤ/ምኽሪ ንግዲ ትግራይ ፀዊዑ

ዋሺንግተን ዲሲ :14 ሕዳር 2014 ዓ/ም (TMH)
ዓለም ለኻዊ ቤ/ምኽሪ ንግዲ ትግራይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ትካላት ንግዲ ተጋሩ ዝተነበረ ዕፅዋን ጅምላዊ ማእሰርቲ ተጋሩን ክኹንኖን ጠጠው ከብሎም ፀዊዑ።

ዋሺንግተን ዲሲ :14 ሕዳር 2014 ዓ/ም (TMH)ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘’ሕጊ ምኽባር ብዝብል ሽፋን’’ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ እንዳፈፀመ ምፅንሑ ማሕበረሰብ ዓለም እናተዓዘበ ምፅንሑ ዘዘኻኻረ ዓለም ለኸ ቤ/ምኽሪ ንግዲ ትግራይ፣ እቲ ብመሪሕነት ኣብዪ ኣሕመድን ግዳማውያን ዘራያቱን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ማእለያ ዘይብሉ ዕንወት ምብፅሑ ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ:
ምጽናት ዓሌት ዕላማ ዝገበረ ሰፊሕ ኲናት፡
ጅምላዊ መቕተልቲ፣
ጅምላ ማእሰርቲን ስቅያትን፣
ፆታዊ መጥቃዕትን
ጥሜትን ከም መሳርሒ ኲናት ኣብ ጥቕሚ ዝውዓሉሉ
ንብረት መንግስትን ውልቀን ክዓንዉን
ክዝመቱን ብምግባር
ትግራይ ዳግም ናብ ዘይትለዓለሉ ብርኪ ንምብፃሕ
ኩሉ ፃዕርታት ኣብ ምግባር ከም ዘሎ ተሓቢሩ ኣሎ።

እኡ ኲናት ብ ኣጋ ከይዕገትን ዕንወታት ከይቕንስን፣ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሓዊሱ፣ ሚድያታትን ትካላት ሰብ ኣዊ መሰል ዓለም ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ምውሳድ ብግድሚ ዓይነን ምቁማት ምምራፀን ዝወለዶ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣዊ ቀውስታት፣ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ስነልቦናን ተጋሩ ዘሕደሮ ፅዕንቶ ንምግላፁ ኣዝዩ ከም ዝኸብድ ዝገለፀ እቲ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ወነንቲ ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲ ዝኾኑ ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባብ ኣብ መላኣ ሃገርን ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተወሰደ ስጉምቲ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንኖን ጠጠው ከብሎን ፀዊዑ ኣሎ።

እዚ ተጋሩ ንምፅናትን ብቑጠባ ይኹን ብሞራል ናይ ምድኻም ስራሕቲ ብነዊሕ ተኣሚቱሉ ዝስራሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝኾነ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዓቕሚ ዘለዎም ተጋሩ ንብረቶም ክውረስን ክዝመትን ብምግባር ጥራይ ዘይኮነስ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓሶም ክግደብን ክሽቑረሩን እንዳተገበረ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፍፉ ውሱናት ኣዋርሕ ጥራይ ዋንነት ተጋሩ ዘለዎም ልዕሊ 80,000 ዓበይትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ከም ዝተዓፀዉ ልዕሊ 520 ትካላት ንግዲ ፍቓድ ንግዶም ከም ዝተሰረዘ፣ ልዕሊ 2230 ትካላት ንግዲ ከም ዝተዓሸጉን ሰብዋን ኦም ድማ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራይ ከም ዝተ ኣሰሩን ተሸቑሪሮም ኣብ ገዛ ክዕፀዉ ከም ዝተገደዱን ገሊፆም ኣለዉ።

እዞም ካብ ትግራይ ወፃ ኢ ኣብ ውሕስና ስ ኢኖም ኣብ ከንቢድ ስቓይ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ትካላት ንግዶም ክዕፆን ንሳቶም ኣውን ብጅምላ ክእሰሩን ኣደዳ መግረፍትን መርሸንትን ክኾኑን እንዳገበረ ዝርከም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብማሕበረሰብ ዓለም ክኹነንን ካብቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ፋሽሽታዊ ተግባር ክቑጠብን ዓለም ለኻዊ ቤ/ምኽሪ ንግዲ ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

Read More