INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መሸንቅቖ!

ኣብ ዝሓለፈ ቅድሚ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ ምእዋጁ፤ «መሸንቅቖ» ኢልካና፤ «ተሓጉስና ደሓረ ግን እቱ ስምምዕ ዕጥቅና ዘፍትሕ ኮይኑ ጉሂና» ኢልኩም ቅሬታኹም ንዝገለፅኩም ኩሉኹም፤ እታ መሸንቅቖ ብዝተረድአኒ ክሕብረልኩም! ንዘተን ስምምዕን ናይሮቢ ኮነ ንቕድሚት ንዝግበሩ ኩሎም ዘተታት ስምምዓትን ኣፈፃፅማታትን ኣሳሪት ቀያዲት ሰረት እታ «መሸንቅቖ» ስለዝኾነት::

ተወከልቲ ትግራይ ናብ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ ንምብፃሕ፤ ንዓሰርተ ማዕልትታት ዘካየዱዎ ተሪር ክትዓት ኮነ ኣብ መወዳእታ እንትፍርሙ፤ ንህልውናን ረብሓን፣ ሰላምን ቅሳነትን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ማእኸል ገይሮም ኣብ ቅድሚት ሰሪዖም እዮም! ዘተ ሰላም ብእንካ-ሃባ ዝዛዘም እንተኾነ እኳ፤ ብፀብለልታ ረብሓ ትግራይ እዮም ፈሪሞም እብል::

ንኣብዝሓ ተወላድን ፈታውን ትግራይ ዘደንገፀ ኣንቀፅ 6 ብዛዕብ ዕጥቂ ምውራድ ዝብል እዩ:: ንምንታይ እዙ ዓንቀፅ ተዋሂቦም?ብኸመይከ እዙ ዓንቀፅ ባዕሉ ንባዕሉ ክቐትል ተገይሩ ተቐይዱ?... ንዝብል መሸንቅቖ ምርኣይ ኣድላዪ እዩ::

ኣብ ባዕሉ ኣብ ውሽጢ እዙ ኣንቀፅ 6 ሰፊሩ ዘሎ፤ ኣሳርን ቀያድን ክፋል እቱ ዓንቀፅ፤ «...ዕጥቂ ምፍታሕ ኣብ ባይታ ንዘሎ ፀጥታዊ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ብዘእተወ... taking into account the security situation on the ground…» ዝብል እዩ እቱ መሸንቅቖ!

ኣብ ውሽጥን ዙሪያ ምላሽን ትግራይ ኩሎም ፀላእትና እሾኽ ኮይኖም እናሃለዉ ኣይኮነን፤ ናብ ደንብኦም እንተተመሊሶም እውን፤ ፀጥታ ትግራይ ኩል ግዘ ኣብ ስግኣት እዩ! ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ዝፈፀመ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብኣውርኡ ምስ ሙሉእ ዕጥቁ እናሃለወ፤ ኣምሓራ ልዕሊ 200ሽሕ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ዕጡቕ ሒዙ፤ ዓፋር ልዕሊ 50ሽሕ ዕጡቕ ሒዙ፤ ኤርትራ ከም ሃገር ኣማኢት ኣሽሓት ገዚፍ ሰራዊትን ዕጡቕን ኣንፃርና ኣሰሊፋ፤ ... እዚኣቶም ኩሎም ስግኣት ፀጥታን ደሕንነትን ትግራይ እዮም::

እዚኣቶም ምስ ካልኦት ተሓባበርቶም ሃገራት ተደማሚሮም እዩ፤ ...ኣብ ባይታ ዘሎ ፀጥታዊ ኩነታት ትግራይ ንኹሉ ይውስን ዝተብሃለ! እዞም ልፍንታውያን ፀላእቲ ዙሪያምላሽን ኣብ ውሽጢ ትግራይን ተዓጢቖም እናሃለዉ፤ ትግራይ ብዘይዕጥቂ ትንበር ኣይተብሃለን ክሕሰብን ክብሃልን እውን ኣይኽእልን:: ትግራይ ንዙታት ክትምክት ዘኽእላ ተመጣጣኒ ዕጡቕ ሓይሊ ክትውንን ግድን ይብል!

ስለዝኾነ ድማ ውሕስነት ፀጥታ ትግራይ ዝረጋገፅ፤ ብድልውነትን ጥንካረን ሰራዊት ትግራይ ጥራሕ እዩ! ብምዃኑ እውን ትግራይ እትፈትሖ ከቢድ ኮነ ፎኪስ ብረት ኣይህሉን! ዋጋ ህይወት ኣሽሓት ከፊልና ዘጥረናዮ ዕጥቂ ህዝቢ ትግራይ እዩ!

እኒ ብርሃኑ ጁላ ናይሮቢ ምስበፅሑ ኣቐዲሞም ዘቕረቡዎ ፅዋ ዓሻ፤ «...ሰብኣዊ ረድኤትን ማሕበረኢኮኖሚያዊ ግልጋሎታትን ምእንታን ክጅምር፤ ከበድቲ ኣፅዋርኩም ኣረክቡና፤ መቐለ ክንኣቱ ፍቐዱልና...» ዝብል ፀማም ሕቶ ነይሩ:: እታ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ዝፈረሙዋ መሸንቅቖ፤ ምእንተ ሓልኪ ፕሮፓጋንዳ ሸፋፊኖም፤ «ወያኔን ትጥቅ ልናስፈታ ነው» እናበሉ ንሰዓብቶም እናዓንደሩ ዝቐነዩ፤ ካብ መግለፂ ስምምዕ ሞዳሊቲታት ናይሮቢ ኣትሒዙ ንቕድሚት ኣብ ከይዲ እንታይ ከምዝብሉ ክንርኢ ዶ ንብል!

ንስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ ብዝባኑ ርኢና ውሻጥኡ እንተይፈተሽና፤ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ስምዒት ኣቲና ዝብሃልን ዘይብሃልን እናተደባረና ቀኒና:: ህድእ ክንብል ንዝቐረቡ ለበዋታት እውን ጫፍ ብዝወፀ ዘይትግራዋይ ፀርፍን መርገምን እናውሓዙ ቀንዮም::

ብዙ ናትና ደንበረር ድማ ፀላእትና ጓይላ ዓምቢሩሎም፤ ብኢንሳ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ብመሓውራት ህግደፍን ኣቢሎም ፅቡቕ ገይሮም ተቐባቢሎም ኣዐምቢሮምዎ:: ገለ ንህዝቦምን ንዓዶምን ዝግደሱ ነጠፍቲ ተጋሩ እንተይተረፈ ኣብዙ መፃወዲያ ፀላኢ ጥሒሎም ተራእዩ::

ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድ ንቕንያቱ ኣብ ዘካየዶም ኣኼባታቱ «...ብዘይ ቶኽሲ ጥይት፤ ተጋሩ ንኻልኣይ ግዘ ፈፂሞም ከምዘይልዓሉ እንገብረሉ ዕድል ረኺብና ኣለና... ጁንታ ናብ እንደልዮ መፃወዲያ ኣትዩ ኣሎ ... ድሕሪ እዙይ መውፅኢ የብሉን... » እናበለ ንሰዓብቱ እናዓሸወ እዩ ቀንዩ:: መን መሸንቅቖ ክሳድ ከምዝኣተዎ ኣብ ከይዲ ክንርኢ!

ብዝኾነ ድሌት ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራሕ እዩ! ምእንተ ሃለዋትና ሰላምን ቅሳነትን ኢና መሪር ዋጋ ዝኸፈልና! ከም ተጋሩ ማእኸልና ሃለዋት ሰላም ቅሳነትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ገይርና፤ ስልጡን ብዝኾን ኣካይዳን ኣገባብን ብሓሳብ እናተኻታዕና፤ ሃናፃይ ሓሳባትን መስርሕን እናማዕበልና፤ ኣብ ሓድነትና ግና ንርበብ እምበር ንፃት እውን ኣይንረብርብ! ትግራይ ትስዕር ኣላ!

ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh