INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መንገዲ ክኽፈት እዩ።

Source facebook https://www.facebook.com/100002331618201/posts/4930247507062921/

መንገዲ ክኽፈት እዩ።
ባንኪ ክኽፈት እዩ ።
መብራህቲ ክልቀቅ እዩ።
ስልኪ ክልቀቅ እዩ።
እዘን መሰረታዊ ነገራት ምስተኸፈታ አብታ እዋን ንሳ ትርጉም ዘይብለን ኾይነን ዝረኽበን አካል አለና ።
ንሱ እውን ሓረስታይ ትግራይ እዩ።
ዘርኢ መዳበርያ የብሉን ዝደልየን አብታ እዋን ንሳ ድማ መንገዲ ስልኪ ባንኪ መብራህቲ አይኮነን።
ዝደልይ ንሱ ዘርኢ መዳባርያ እዩ።
መዳባርያ ዘርኢ ከይዕድግ ቅርሺ የብሉን።
ስለዚ ቅርሺ...... ከመይ ብኸመይ ይረክብ .........????????

ሓረስታይ ክወፍር ናብ ማሕረሱ ቀለብ ዓመቱ ክሓፋስ ሀ ኢሉ ክጅምር 80 ማዓልቲ ተሪፈንኦ።
➤ዘርኢ ግን የብሉን።
➤መዳባርያ ግን የብሉን።
➤መዕደጊ ቅርሺ እውን የብሉን።

አነ እንታይ ክገብር ኢለ ሓሲበ ሓደ ሓሳብ መፂለይ። ናብ ተግባር ካብ ዘሽርፎ እውን 7 ማዓልቲ አቁፂረ አለኹ።

➤ብዘይ 2/3 ሓበሻ ቢራ ድቃስ ደቂሰ አይፈልጥን ። አብታ መቓብር ዳባሳሙኤል ግን 85 ማዓልቲ ብዘይ ቢራ ደቂሰ ነይሩ። ብዘይ 2/3 ቡን ደቂሰ ሓዲረ ውዒለ አይፈልጥን። አብታ መቃብር ዳባ ሳሙኤል ግን ብዘይ ቡን 85 ማዓልቲ ደቂሰ ውዒለ እየ። አብ ማዓልቲ 3 ግዜ ከይበለዕኹ ዘሕለፍኩዎ ግዜ የለን። አይነበረን። አብታ መቃብር ዳባሳሙኤል ግን ብሓንቲ ባኒ ብዘይ ሻሃይ ብማይ ገይረ እናበለዕኹ 85 ማዓልቲ ነቢረ እየ።

ሐዚ ግን ባንኪ ምስተኸፈተ መንገዲ ምስተኸፈተ ንሓረስታይ ትግራይ እንታይ ክሕግዞ እኽእል ኢለ ሓሲበ።
መዳባርያ እና ሙሩፅ ዘርኢ ክሕግዞ አለኒ ኢለ ዝብል ሓሳብ መፂኡለይ ወሲነለ ። ገንዘብ ካበይ ከምፅእ ኢለ ተጨኒቐ።

➤2/3 ቢራ❌➤80×2=160 ቢራ።
160 ×50= 8000 ብር።
➤2/3 ቡን ❌ ➤80 ×2=160 ቡን።
160 ×15 =2400 ብር።
አብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ንኣቦይ 10400 ብር ክልእኸሉ እየ። እዚኣ ዘይትዕፀፍ ቃል እያ።

ኩሉ አብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ አብ አዲስ አበባን ኢትዮጵያ ክልል ዘሎ ትግራዋይ እንተገይሩዋ ። ኩሉ ሓረስታይ ትግራዋይ ሓሪሱ ይኸርም አሎ ማለት እዩ ። ንወላዲኻ ጥራሕ አይምልከትን
➤ንአቦኻ ክኸውን ይኽእል
➤ንሓውካ ክኸውን ይኽእል
➤ንአኮኻ ክኸውን ይኽእል
➤ንሓውቦኻ ክኸውን ይኽእል
➤ንስብኣይ ሓፍትኻ ክኸውን ይኽእል
➤ንሰብኣይ ሓትነኻ ክኸውን ይኽእል።
➤ንጎረቤትካ ዘሎ ሓረስታይ ገባር ክኸውን ይኽእል።

ወርሒ ሰነ እዘን ቡን እና ቢራ ሓዲካ ከምዙ ሃማይ 10400 ብር እንተልኢኽካሉ ሽዑ ትግራይ ካብ 7 ዓመት ምንቃል አድሒንካያ ማለት እዩ።

ስለዚ.....2 ብን❌ 2 ቢራ ❌

➤ንሓረስታይ ትግራይ ቅርሺ ንቆጥበሉ !

Read More