INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ መግለፂ ሓዘን ኣነፂሩ (መቐለ)

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝተፈፀመ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ኣትሪሩ ከምዝኹንን መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍረ ሚናጦስ ኣባ ሰለማ ካሳቴ ብርሃን ገሊፁ

መቐለ፡7 መጋቢት 2014 ዓ/ም(ድወት) እቲ ኮሌጅ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘይፍፀም ተግባር ከምዝተፈፀሙ ብምሕባር ገና ብዙሓት ዓለም ዘይፈለጠቶም ገበናት ከምዝተፈፀሙ እውን ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈፀመ ኣረሜናዊን ባርባራውን ተግባር ውፅኢት ኣንፃር ደቂ ሰባት ዝኾኑ ዘረባ ፅልኣት ምዃኖም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓዘን ኣነፂሩ።

እዚ ተግባር ኣንፃር ሰብኣውነት እዩ ዝበለ ኮሌጅ ቅዱስ ፍረ ሚናጦስ ኣባ ሰለማ ካሳቴ ብርሃን እዚ ጉዳይ ኣብ ሓፂር እውን መልክዕ ክሕዝ እንተዘይተገይሩ ንዓለም ዓብይ ሓደጋ ኮይኑ ከምዝቕፅል ኣገንዚቡ።

ነዚ ተግባር ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ሰጉምቲ ክወሰደሉ ዝፀወዐ እቲ ኮሌጅ ንስድራ ግዳያትን ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ፅንዓት ተመንዩ ኣሎ።