INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ወፍሪ መኸተ-3 ካብ ዲያስፖራ

Go to Source

ከም ህዝቢ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ኣጀንዳና ሓደን ሓደን እዩ! ሃለዋትን ደሕንነትን፣ ሰላምን ምርግጋፅ ሙሉእ መሰል ዓርሰ ውሳነን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ሽኻሉ ዝገበረ!

ሞትና ሞት ናፅነት ከምዝኾነ ኣንዳዕዲዑ ዝተቐመጠ ኣንፈት ህዝብና እዩ! እቱ ብዓል ዋና እዙ ወያነ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፤ መፃኢ ዕድሉ ባዕሉ ብሪፈረንደም ዝውስኖ ከምዝኾነ፤ ዳርጋ ኩሎም መራሕቲ ትግራይ ኣረጊፆም ብዕሊ ኣረጋጊፆም እዮም! ናብ’ዙይ ንምብቃዕን ንምትግባርን ድማ፤ ናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ከባቢያውን ዓለምለኻውን ከይድን ኩነታትን፣ ስርዓትን ብልሕን ይጠልብ!

ብእንዓሞ ምዕባለ ኩነታት ከይድን ግዘን መሊኡ ክሳብ ዝረጋገፅ ድማ፤ ብዙሓት መደባት ኣለዉና! ብቅደምሰዓብ ክንዓሞም ድማ ብዙሓት ማሕለኻታትን ሓምዞቕዞቓትን ፈንፂሕና ክንሰግር ዘኽእል፤ ዝተዋደደ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ይሓትት! እዙይ ድማ ኣብ ባይታ ብእንስርቶ ዘለናን ብእንሃንፆ ኩሉ ዓቕምን ቅርፅን እዩ ጋህዲ ዝኸውን! እምበር ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ከም ዓ3 ስለዝፈከርና ኣጀንዳታት እናፍሓስና ስለዝሓየኽና፤ ጥር እትብል እትትግበር ነገር የላን!

ገለ ገሌኹም ኣጀንዳ ክትፍሕሱ ንምንታይ ከምእትህውትቱ፤ ወይ ድማ በብማዕልቱ ኣብ ዝጭጭሐልና ዘሎ ሓንኳሊ ኣጀንዳታት ንምንታይ ከምእትጥሕሉ ይገርመኒ ኣሎ!

ናይ ገሌኹም ኣብ ፅዋ ጨለን 'ሕልፊ ተሓለቕቲ ናፅነት' ዝኾንኩም ፈጠርትን መስፋሕፋሕትን ኣጀንዳ፤ ድሌትኩም ምርዳእ ኣብዩኒ! ብሓደ ወገን ሞትና ሞት ናፅነት ግበሩዎ እናበልካ፤ ብካልእ ወገን ድማ፤ ደጀንነት ከይዲ ናፅነት ንምዕንቃፍ፤ ኣንፃር ወፍሪ መኸተ ምዃን እንታይ ማለት እዩ!

ከም ህዝቢ ናብ'ቱ እነተስፍዎን ዝተበገስናሉን ብራኸ ክንበፅሕ ዘኽእለና ኩሉ ክትግበር እንተኾይኑ፤ ነንውልቅና ሰብ-ተግባር ንኹን! ኣብ ተግባር ንንጠፍ! ምዕንቃፍ እንተይኾነ፣ ኣብ ወፍሪ መኸተ-3 ካብ ዲያስፖራ ብደጀንነት ዝጥለብ ኩሉ ንዕመም ነዐውት! ኣብ ከይዲ ድማ ንኣፈፃፅምኡ ብሓባር ንሓትት!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም