INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መቐለ ሐዚ ዘለቶ ኩነታት ብፅሑፍ ክስእለልኩም

ንጉሆ ከምቀደም ከይኮነስ ቁፅሩ ውሕድ ዘይበሃል ሰብ ክንቀሳቐስ ትርኢ:: ልሙድ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ይረአ እዩ:: ቀትሪ ግን ካብ ልሙድ ተርእዮ ንታሕቲ ምንቅስቓስ ይቕንስ እዩ:: ታክሲ ኣቲኻ እውን ክሳብ ትመልእ ፍርቂ ሰዓት ኮፍ ክትብል ትኽእል ኢኻ:: ከባቢ ኣጋምሸት ካብ ልሙድ ንላዕሊ ምንቅስቓስ ብፍላይ ድማ ኣብ ፀግዓፀግዒ እታ ኸተማ (ከባቢ ዓዲ ሓውሲ ከምኡውን ዓዲ ሓ) ይረአ:: ምዕሩግ ኣከዳድና ዝተኸደና ምልኩዓት ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ይረአያ:: ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ተኽለ ሰውነት ካብቲ ቀደም ዝነበረ ቅርፂ ብዙሕ ክበሃል ዝኽእል ለውጢ ኣሎ:: ቦርጫም ወዲ ከምቀደም የለን:: ተኽለሰውነት ደቂ ኣንስትዮ ብተለምዶ ካብ ዝፍለጥ ብዙሕ ለውጢ ምዕዛብ ይከኣል:: ኮላይ ኣከዳድና:: "ኣብ ፊልምታት ቱርኪ ዝረአያ ደቂ ኣንስትዮ ዝመስላ በዚሐን" ዝበለኒ ሓደ ዓርከይ ይዝክር:: ቅጥን ዝበላ ንምባል ይመስለኒ:: ዳርጋ ኩሉ ሰብ ቀጢኑ እዩ:: ከባቢ ኤላዝ ካፌ መቐለ ህይወት ዘሪኣ እትሪአሉ ከባቢ እዩ:: ቀደሙ እውን እቲ መስመር ዋና ከተማ ካብ ዝኸውን ፀኒሑ እንድዩ ግን ኣይከምሎምን::

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብዙሕ እዋን ሰብ ተኣኪቡ ምርኣይ ልሙድ እዩ:: ሓበሬታ ይለዋወጥ ምህላዉ ንምግማት ኣይከብድን:: ብፍላይ መስመር ደስታ ሆቴል ኩሉ ግዘ ኣጋምሸት ቁፅሩ ቀሊል ዘይበሃል ሰብ ይእከበሉ:: ዕዳጋ ሓበሬታ ሃይሃይታ እዩ:: ቀትርን ለይትን ብዙሕ ሰብ ተኣኪቡ ስልኩ ኣቀራሪቡ ሓበሬታ ይለዋወጥ:: ብXender:: ድሕሪ ኪናት መቐለ ኣዝዩ ዝበዝሐ ዝተኸፈት ቢዝነስ እንዳ ሓበሬታ እዩ:: Screenshot ከምኡውን ዜናታትYouTubeራት ይሽየጡ:: ድምፂ መጉልሂ ጌሮም እውን ዜናታት ይኸፍቱ:: በዚ ስራሕ እዚ ዙርያ ሮማናት ኣደባባይ ፍሉጥ ማእኸል እዩ:: ድምፂ ብመጉልሂ ስለዝኸፍትዎ እናኸድካ ከይፈተኻ ዜና ክትሰምዕ ይገብሩኻ::

ብዙሕ ሰብ ኣብ ሓደ ኣፍደገ ቤት ፅሕፈት ተኣኪቡ እንተሪእኹም ኢንተርኔት ኣሎ እዩ ማለት እዩ:: (ቀደምስ ማዘጋጃቤት እዩ ዝመስለና ኔሩ) ብዙሓት ምሁራት (ብፍላይ መምህራን ዩኒቨርሲቲታት ትግራይ) ኣብ ኣፍደገ ዓለምለኸ ትካላት መረዳእታ ትምህርቶም ሒዞም ተገቲሮም ምርኣይ ልሙድ እዩ::

ስራሕ ክቑፀሩ እናመልከቱ:: እዚኦም ተረፍ እቶም ብቆቦ ጌሮም ዶብ ዝሰገሩ እዮም:: እዞም ዓለምለኸ ትካላት (ብፍላይ UN) ዝርከቡሎም ድማ ከባቢ ዓዲ ሓውሲ ስለዝኾነ እቲ ኸባቢ ንጉሆ ንጉሆ ሰብ ይበዝሖ እዩ::

ምንቅስቓስ መኪና ከምቀደም ኣይኮነን:: ታክስታትን ኣውቶብሳትን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ፅዒነን ምርኣይ ልሙድ እዩ:: ታክሲ 18 ሰብ እያ ትፅዕን:: ኣብ ላዕሊ ድማ ተወሳኺ ክሳብ 8 ሰብ ይፅዕና:: ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝፀዓኑ ድማ ኣባላት ምክልኻል ሓልታት ትግራይ እዮም:: ክኸፍሉ ስለዘይክእሉ ብናፃ ኣብ ዝባን ታክሲ ይሳፈሩ:: ኣውቶብስ እትፅዕኖ በዝሒቁፅሩ ኣይፍለጥን:: ሰብ ኣብ ማዕፆ ተንጠልጢሉ ክሳብ ዝረአ ይፅዕንወን:: ባጃጅ ኣብ ጋቢና ከይተረፈ ክልተ ሰብ ብሓፈሻ 5 ሰብ ትፅዕን:: ብፍላይ ዓዲ ሓውሲን 18ን ብዙሓት ባጃጃት ከም ታክሲ ይሰርሓ:: ቁልቁለት ስለዝኾነ ድማ ብ"ፎሎ" እየን ዝወርዳ (ሞተር ከይወላዕኻ::) ናይ ዕሹግ ማይ መትሐዚ (ብተልምዶ ሃይላድ) ነዳዲ መትሐዚ ካብ ዝኸውን ፀኒሑ እዩ:: ንምንታይ ኣብ ኣብ ናይ ሃይላንድ ላስቲክ ከምዝሕዝዎ ሓቲተ "ኣብ ውሽጢ ታንከር እታ ባጃጅ እተኾይኑ ይነፍስ እዩ" ዝብል ምላሽ እየ ረኺበ:: ጋሪታትን ማሂንድራ ባጃጅን ናይ UNHCR ቴንዳ ዳስ ተሰሪሑለን ታክሲ ኮይነን እየን:: ብተለምዶ "ውይይት" ዝበሃላ