INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መግለፂ ዘየውፀአ (መብርሂ ዘይሃበ) ውድብ ከይህሉ እስኪ ሓንሳብ check ግበሩ

መግለፂ ዘየውፀአ (መብርሂ ዘይሃበ) ውድብ ከይህሉ እስኪ ሓንሳብ check ግበሩለይ😊

ኣነ ድየ መግለፅን መብርህን ክህቡ ኣገዲደዮምስ ስርሖም እዩ ከምኡ ዝገብሮም ዘሎ . . . God knows ብዝበሃል ጥራሕ ዝሕለፍ ኣይኮነን። Rather, they know! . . . "ንፋለጥ'ሞ ንማለጥ" እዩ ነገሩ!

ብዝኾነ ትግራዋይ ጀሚርካ ኣይትግደፍ። ክሳብ መወዳእታ ተኸታተል። ኣይትተሃከ። ቅድሚ ሐዚ "ሰላማውያን ተቓለስቲ ኢና ኢለን" ክነንብል ከለና ካብ መሬት ኣልዒሉ (ኣይገብረኦን ካብ ዝብል ርድኢት ጥራሕ) "ሓሶት" ኢሉ ሓሊፉዎ። ኣጥቢቑ ዝከታተሎም ዝሰኣኑ ውድባት ድማ እታ "ነዚ ብረታዊ ቃልሲ ትድግፉዎ ዶ ወይስ ሰላማዊ ተቓለስቲ ኢኹም" እንትበሃሉ ሽቱኽ ሽቱኽ እናበሉ ሓሊፎማ - ኣብ ኩለን መድረኻት።

ኣነ ብወገነይ ኣብ ዙም ፣ ኣብ ክለብ ሃውስ ፣ ኣብ ስሩዕ ሚዲያ ሓቲተዮም ኣለይቲ መድረኽ እናተሓባበሩዎም (ኣጥቢቖም ስለ ዘይሕዙዎም) ነታ ሕቶ ከይመለሱ ዘይተብሃሉዎ ካልእ ኣኮላል እናተዛረቡ ሙልጭልጭ እናበሉ ሓሊፎማ (ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ መሪሕቲ ኩለን ውድባት)።

ካልእ ሓዱሽ ሕቶ (ሓዱሽ ምዕባለ) "መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ እንተዘይኮይኑ ንስኹም ከመይ ገይርኩም ንስኹም ከመይ ጌርኩም ሕጋዊ ውድብ ትኾኑ?" ንዝብል ሕቶ ብዘስሕቕ መንገዲ "ንሕና ብሕግን ፖለቲካዊ ኣፍልጦን ዘይኮነስ - ተፈጥሮኣዊ ናይ ምውዳብ መሰልና ተጠቒምና ናይ ምውዳብ መሰል ኣለና" ዝብል ቀልዲ እዮም መሊሶም። ሃይሉ ከበደ ነዚ ሕቶ እዚ ክምልስ ከሎ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰብ ካብ ክለብ ሃውስ ተኸታቲሉዎ እዩ። ካልኦት ሕቶታት ግን እቲ ኣላዪ መድረኽ ተሓባቢሩዎ ከይመለሰን ሓሊፉ - እቲ ኣላዪ መድረኽ (host) ድማ ንዓይ ብውሽጢ መስመር " . . . ካልእ ጊዜ ኣብ ዕፁው ኣኼባ ክምልሶ ክንገብር ኢና" ዝብል ትሕዝቶ ብዘለዎ ፅሑፍ ከእምነኒ ፈቲኑ። ቅጭ ስለ ዘምፀአለይ ኢይመለስኩሉን። ምኽንያቱ defend ስለ ዝገበረ (ስለ ዝተኸላኸለሉ)።

ሐዚ እውን ኣጥቢቕና ምሕታትን ክሳብ መወዳእታ ምዝላቕን ንልመድ። "በቲ እትብሉዎ ዘለኹም ኮ ንስኹም እውን ሕጋውያን ኣይኮንኩምን" ካብ ዝብል ንምህዳም "ፖለቲካዊ ውድብ ዘይኮንናስ ተፈጥሮኣዊ መሰልና ተጠቒምና ዝተኣኻኸብና ሰባት ኢና" ናብ ዝብል ዝወረደ ቅዋም እዮም ወሪዶም ዘለዉ። ህዝቢ ትግራይ ግን ብተፈጥሮኣዊ መሰሎም ዝተኣኻኸቡ ዘይኮነስ "ብዲሞክራስያውን ፖለቲካውን መሰል ብሕጊ ዝተጣየሻ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድባት እየን" ኢሉ እዩ ክብርን እዝንን ዝህበን ዘሎ። ስለዚ ቀልዶም ገዲፎም ሕቶታቶም ይመልሱ!

ካልእ መስሐቒ ነገር!

ውድብ ውናትን ባይቶናን "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወካሊ የብለይን" ዝብል መግለፂ ኣብ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም ሪኤ። እዚ እውን ቀልዲ እዩ።

ብውናት ክጅምር ናይ ውናት ተወካሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዘሎ ፉሉጥ እዩ። ነዚ መረጋገፂ ሰለስተ ነጥብታት እነሆ . . .

1. ብመረፃ ቦርድ ንዝቐረበሎም ሕቶ "ሰላማውያን ተቓለስቲ ኢና" ዝብል መልሲ ክህቡ ከለዉ ውናት ብተወካሊኡ ተወኪሉ እዩ መልሲ ሂቡ።

2. ሰለስቲኤን ውድባት "ጥምረት ፈጢርና" ኢለን ብስም "ፎረም ብሄራውያን ውድባት" ንመጀመርያ ጊዜ መግለፂ ከውፀኣ ከለዋ ውናት ኣዲስ ኣበባ ብዝነበረ ተወካሊኡ ኣቢሉ እዩ ኣብቲ መግለፂ ተሳቲፉ።

3. ኣብ ዝሓለፈ (ብፌስቡክ ከይተረፈ) ዝተፀወዐ ናይ ZOOM ኣኼባ ናይ ውናት ተወካሊ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቡ ነይሩ። ኣብቲ 1ይ ኣኼባ ብሰንኪ ናይ Internet ፀገም እኒ መሓሪ ካብ መቐለ ኣይኣተዉን ነይሮም። ኣብቲ ንካልኣይ ጊዜ ዝተኻየደ ናይ ZOOM ኣኼባ እውን ተወካሊ ውናት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተሳቲፎም እዮም። ደሓር ሕቡኡኒ ንምባል ዘይሙቹ ዓይንኻ ብጨው ሓፂብካ ክንድዚ ምሕሳው ንምንታይ ከም ዘድለየ ኣይርደአንን። ብርግፅ እቶም ተወከልቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንኬንያ ኣድራሻ ቀይሮም እንተኾይኖም ክነፃርዮ ኢና።

ናይ ባይቶና ዝምልከት እውን ከምቲ እንፈልጦ ክብሮም በርሀ ናይ ባይቶና ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ እየ እናበለ እዩ ኣብዚ መረባ ዝፅሕፍን ንሚድያታት እውን ጋዜጣዊ መብርህታት ዝህብን (ለመቕነ ተኣሲሩ ከም ዝተብሃለ ዝፍለጥ ኮይኑ)። ከምኡ እውን ዮሴፍ ሃ/ስላሴ (ሓላፊ ቁፅፅር ኮሚሽን ባይቶና) ኣዲስ ኣበባ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ብስሩ እቲ መግለፂኦም ዝብል ዘሎ ግን "ካብ መቀለ ወፃኢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ/ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ናይ ባይቶና ወኪል የለን" እዩ ዝብል። እሞ እኒ ክብሮም ናይ ባይቶና ኣመራርሓ እዮም ዝብል ዝነበረ ሓፋሽ ተበሊዑ በሉኒያ። ወይ ጉድ!

ካብዚ ወፃኢ ናብቲ ሐዚ ኣነ ንዝፀሓፍኩዎ መረዳእታ "ብፍጥነት" ዝሃቡዎ መግለፂ ክንመፅእ ከለና. . .

1. ኣነ ፀለመ ኣይኮንኩን ፅሒፈ። ንሶም እውን ንፀለመ ኣይኮኑን መልሲ ሂቦም። ፀለመ ደኣ ፀለመ እንድዩ። ንኽንደይ ፀለመ ኢልካ እዩ'ሞ መግለፂ ክወሃብ። እቲ መግለፂ ናይ ሕቡእ ምንቅስቓሶም ምፍሻል ዝወለዶ ድንጋፀ እዩ።

2. ንባሻ (ንሓደ ተራ ሰብ) ቁምነገር ቆፂሮም ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብብርኪ መግለፂ ዝህቡሉ ዕብዳን የለን። እቲ ጉዳይ ንፋለጥ'ሞ ንማለጥ እዩ። ከምዚ እንተኾይኑ ገና ቡዙሕ መግለፅታት ከፅሕፎም እየ (ቢሮን ወረቐትን ኣብዚሖም ይዓድጉ)።

3. ብስሩ ባ እንታይ እዩ ኣብ ፅሑፈይ ዝኹሉ ስሓቦ ጉተቶ? . . . ኣነ ኮ ሓዱሾ ነገር ኣይኮነን ፅሒፈ። ባዕሎም እቲ ውድባት ዶ ምስ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማትስ ንራኸብ ኣለና ይብሉ ኣይነበሩን ብግልፂ። ኣብ ኦቦሳኝጆ በፂሑ እንታይ ሑሕ ዘብል እኒሄዎ እዩ? . . . ምስ ካልእ እናተራኸቡ ምስ ኦቦሳንጆ ምርኻቦም ከም ትኣምር ዝተርኣየሉ ምኽንያት ኣይረአየንን።

ካልኣይ ኦቦሳንጆ ዘቕረበሎም ክልተ ቅድመ ኩነት እየ ፅሒፈ። "ንሶም ተቐቢሎሞ" ኣይበልኩም። እንተተቐቢሎሞ ግን ቀፃሊ ክህሉ ዝኽእል ዓርሰ ግምት (prediction) እየ ኣቐሚጠ። ካብዚ ወፃኢ እቶም ውድባት ንኦቦሳንጆ ዝነገሩዎ ድማ "መንግስቲ ትግራይ ተቐባልነት የብሉን። ንትግራይ ኣይውክልን።። ንዓና ስምዑ ኢሎሞ" ዝብል እዩ። እዚ እውን ሓዱሽ ነገር የብሉን። ብግልፂ ኣብ ኣደባባይ ዝዛረቡዎ ዘለዉ እዩ። ብስሩ ግን ነንብብ ዲና . . . እቲ ኩነታት ብዝግባእ ንርደኦ ኣለና ዲና? . . . ኣይመስለንን። ነንብብ እንተንኸውን እዝታት ከም ብሓዱሽ ከደንግፀና ኣይምተገበአን።

3. ኣብ ዝሃቡዎ መልሲ "ውድባት ምስ ኦቦሳንጆ ይኹን ምስ ካልእ ምርኻብ መሰሎም እዩ" ዝብል ኣለዎ። ኣነ መሰሎም ኣይኮነን ዝብል ኣይወፀንን። ከም ዝተራኸቡን ብኦቦሳንጆ ዝቐረበሎም ናይ ""እዚ ተቐበሉ - እዚ ግደፉ" ለበዋን እየ ብመልክዕ ሓበሬታ ኣውፂአ። ስለዚ መሰልና እዮም ብኣደባባይ እንተመፂኦም ኣነ ፀገም የብለይን። "ኣይተራኸብናን" ኢሎም ክሕስዉ ግን ኣይኽእሉን እዮም። ደጊመ ከረጋግፀልኩም - ተራኺቦም ጥራሕ ዘይኮነስ መራኸቢኦም እውን ደመቀ መኮንን እዩ።

4. እዚ ጉዳይ ኮ በዚ ጥራሕ ዘብቅዕ ኣይኮነን። እቲ ኩነታት ይኸፍእ ስለ ዘሎ እቶም ዶ/ር ደብረፂዮን ዘቐልቀሎም ደብዳበታትን "ንመንግስቲ ትግራይ ከይትቕበሉዎን ከይትሰምዑዎን" ዝብሉ ሕቡኣት ለበዋታት ኮ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ሰዓት ክወፁ እዮም። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ክፈልጥ ስለ ዘለዎ። ስለዚ ብንእሽተይ ኣይትደንግፁ። The more is yet to come!

ስለዚ ፖለቲካ ዝርደኦ ኣንባቢ ኣብቲ እንፀሓሓፎ ነገር ኣይኮነን ሓሸውየ ክብል ዘለዎ። ኣጥቢቑ እዩ ክሓትት ዘለዎ። "መሰልና እዩ ምናምን" ዘይኮነስ "ተራኺብኩም ዶ?" ኢሉ ይሕተት። ካብኡ እንታይ ከም ዘውግዑ ዝምልከት ንዐኦም ብዝሙቹ እዮም ከውግዑዎ እምበር እቲ ኣነ ዝፀሓፍኩዎ ክነግሩዎ ኣይፀበ - ካህናት ዘይኮኑስ ፖለቲከኛታት እዮም። ካብዚ ወፃኢ ግን ንዘይሓተትኩዎ ሕቶ መልሲ ክህቡ የብሎምን። ኣነ "መሰሎም እዩ ኣይኮነን" ናብ ዝብል ክርክር ኣይነኣተኹን። ንሱማ ምስ ካብይ ምስራሕ እውን መሰሎም ክኸውን ይኽእል።

ስለዚ ሐዚ እውን ነዚአን ኣጥቢቕኩም ሕተቱ

1. ሰላማውያን ተቓለስቲ ዲኹም ወይስ ንስለ ህልውና ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ትኣምኑሉ ኢኹም?

2. "ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሕቶ ትግራይ ኣብ ዝኾነ ይኹን ብርክን ሕግን ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣይፍታሕን" ዝበልኩም ውድባት ኣብይ ኣብ ዘጣየሾን ተፀዋዕነቱ ንፓርላማ ኢህዮጵያ ኣብ ዝኾነን ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ውድብ ኮይንካ ተመዝጊብካ ምስራሕ ደኣ እንታይ ይበሃል?

3. ሐዚ ብኣበሃህላኹም "መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ኣይኮነን" ንበል'ሞ ንስኹም ከ ሕጋዊ ዲኹም?

4. ንዓኹምን ንመንግስቲ ትግራይን ዘጣየሸ ሕጊ ትግራይን መንግስትን እንተፈሪሱ በየናይ ሕጊ ኢኹም ደው ኢልኩም እኒሄኹም (ኮን ዶ ኾን በቲ ናይ ኣብይ)? In short ናትኩም ሐዚ ዘለኩም ሕጋውነት ኣበየናይ ሕጊ ዝተመስረተ እዩ?

5. ውናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወካሊ የብልናን ትብሉ ዘለኹምሲ ምኽትል ውድብኩምን ሓላፊ ጉዳያት ወፃእን ኣባሪርኩሞ ድዩ ወይስ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ክንፍኹም ተፈላሊኹም ኢኹም? . . . ብስሩ ኸ ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ቦርድ ተመዝጊብካ እናተንቀሳቐስካ "ኣብ ሸዋ ምንም ከም ዘይብልካ" ፀፍ ጭልጥ ኢለካ ምዝራብ ካበይ ዝመፀ ሞራል እዩ?

6. ሕቶ ቁፅሪ 5 ነተን ካልኦት ውድባት እውን ትምልከት እያ። ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘኒሆ ኣመራርሐአን ብሓደ ድዩ እኒሆ ወይስ ተፈላልዩ እዩ? (ምኽንያቱ ፅባሕ እውን እተን ካልኦት ተወካሊ የብልናን ከይብላ)።

ብዝተረፈ ፖለቲካ ከምኡ እዩ ዝስራሕ። እቲ ዘይልሙድ ቀስ ብቐስ እዩ ዝልመድ። ሎሚ "ምስ ኦቦሳንጆ ተራኺበን" ስለ ዝበልኩ ቡዘሕ ሰብ ዋጭዋጭ ኢሉ። እሞ "መሰልና እዩ ኮ" ክብለኦ ከለዋ ስኽኽ ኢሉ ይዝሕል። ብኻልእ ኣባህላ ነቲ መጀመርያ ዝደንገፀሉ ደሓር ይለምዶ ማለት እዩ። "መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢለን ንወፃእተኛታት ይነግራ ኣለዋ" ክበሃል ከሎ ሰብ "ፀለመ ዶስ ታይ ዶስ" ኢሉ ገፍ ገፍ ኢሉ። ደሓር ብግልፂ መፂአን - ኣዳመይ መጀመርያ ዝደንገፀሉ ደሓር ለሚዱዎ ኮፍ። "ሓሳብና ተቐበሉ - መንግስቲ ትግራይ ሓቛፊ ይኹን" ዘይኮነስ "ስልጣን ኣካፍሉና" "እየን ዝብላ ዘለዋ እንተበልና "ፀለመ ዶስ ታይ ዶስ" - ደሓር ብግልፂ "ስልጣን እንካፈለሉ ሽግግር መንግስቲ ይመስረት" ኢለን ምስ መፃ ሓፋሽ መጀመርያ ኣይኸውንን ኢሉ ዝደንገፀሉ ደሓር ለሚዱዎ ሱቕ። This is how it goes ሓፋሸይ መዓረይ። ቀዲምና እንውቃዕ ሰባት ቀዲምና ስለ እንዛረብ ጥራሕ እዩ። እምበር ንሶም ነቲ ቀዲምና ዝተዛረብናዮ እዮም ንሓፋሽ massage ገይሮም (ፀኒሖም ኣዘሓሒሎም) ዝነግሩዎ።

መእሰሪኡ. .

ምድንጋፅን "ከመይ ኢሉ ይኸውን" ኢልካ ምግራምን ዘይኮነስ ዋላ እቲ ክኸውን ዘይመስል እውን ክሳብ መወዳእታ ምክትታልን ምሕታትን ንልመድ። መልሲ ከይረኸብና ካብ መንገዲ ኣይንመለስ። ኮነ ተባሂሉ ካብቲ ዋና መንገዲ (ዋና ሕቶ) ንኽነግልስ (ንኽንገድፎ) ኣብ ዝፍጠሩ ጓል መንገድታት ጊዜ ኣይነባኽን። I told you - ከምኡ እዩ ዝኽየድ ዘሎ። እንተደሊኹም ውሰዱዎ እንተደሊኹም ግደፉዎ!

እናኸድና . .

[ውድባት እውን መግለፅን መብርህን እናሃብኩም]