INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

ውሳነታት ኮንፈረንስ ህዝቢ ትግራይ - ኣልፋን ኦሜጋን ዘይተርፍ ዓወትና እዮም!!

ላዕለዎት መራሕትን ሓለፍትን መንግስቲ ትግራይ ፣ ከም ወትሩ ምስ ቀንዲ ተዋሳኣይን ዋሕስ ህዝባዊ ኲናትን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተዳለዉ ዓበይቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ኣብ ህልዊ ኩነታት ፣ ዘለው ምዕባለታት ዝረኣዩ ባዕላዊ ፀገማትን ወድዓዊ ሽግራትን ምስ ፍልፍሎምን መፍትሒኦምን ብዕምቆት ዝዘተይሎም ዛዕባታት ፣ ብመሰረቱ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጉዳያት ክጠቓለሉ ዝኽእሉ እዮም ፡፡ ማለት እውን ምሕያል ፖለቲካዊ ሓድነት ፣ ምስጥጣም መንግስታዉን ህዝባዉን ኣወዳድባታት፣ ዉሽጣዊ ሰላምን ፀጥታን ውሑስ ምግባር፣ ክብርታት ዓርሰ ምርኮሳን ዓርሰ እምነትን ኣስጢምካ ሒዝካ ዝካየድ ዘሎ ምትሕግጋዝ ብምድንፋዕን መኸተ ዝፀውር ኢኮኖሚ ምህናፅን ኣብ ዝበሉ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት ኢህን ምሂን ተበሃሂሎም ምርድዳእ ድሕሪ ምብፃሕ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ኲናት ብዓወት ንምዝዛም ኩለ መዳያዊ ዓቕምን ተኽእሎን ብምዉዳድ መኸተኦም ንምዕዋት ዓበይቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፎም ኣለው፡፡

ኣብ ዝተኻየዱ ኩሎም መድረኻት ህዝባዊ ኮንፈረንሳት ናይ ህዝብና ድልየት ፣ ዘለዎ ዘየማትእ ንፁር ቁዋም ፣ ተወከልቱ ኣብ ዘመሓላለፍዎም ውሳነታት ፣ ዓበይቲ ትርጉም ዘለዎም ክልተ ቁም ነገራት ተንፀባሪቖም እዮም ፡፡ ንሳቶም እውን ቀዳማይ ነገር ዝኾነ ፀገም ከምኡ እውን የማነ ፀጋም ዝላጋዕ "ብዕራይ ወለደ" መርዛም በለካ ለኸዐካን መፀለምታን፣ ካብ ዕላምኡ ፈፂሙ ፈተኽ ዘየብሎ ህዝቢ ትግራይ ፣ ሐዚ እውን ኣብ ጎኒ ዝመረፆ መንግስቲ ትግራይ ኮይኑ ህዝባዊ ኲናት ንምዕዋት ኣብ ቃልሲ ከም ዘሎን ዝተረፈ ንምምላእ ድማ ድልዊ ምዃኑ ዘረጋገፀሉ እዩ ፡፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ህዝብና ክፍትሕሉ ዝግብኦም ጉዳያትን ሽግራትን ብዘይሰጋእ መጋእ ንዝኣምኖም መራሕቱን መንግስቱን ብግልፂ ምልዓሉ እዩ ፡፡ ብህዝብና ዝተኣማመን መንግስቲ ትግራይ እውን ዓቕሚ ብዘፍቀደ ብሓፂርን ነዊሕን ጊዜ ዝፍትሑ ጉዳያት መምዩ ከም ወትሩ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ከም ዝፈትሖም ምስ ህዝቡ ምርድዳእ ገይሩ እዩ፡፡

እዞም ተወከልቲ ህዝቢ ናይቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዘለናሉ ዝተሓላለኸን ተዃሳሓይን ናይ ሞትን ሕየትን ንኡስ መድረኽ፤ ብህይወት ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ዝውስን ፣ ብምዃኑ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከምቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ናይ ቃልስን ኩለመዳያዊ ዓወታትን ዓመታት ማይን ፀባን ኮይኖም ንወረርቲ ዝመከቱ፣ ሎሚ እውን ፣ መማረፂ ዘይብሉ እንኮ መፍትሒ ምሽጥር ዓወትና ዝኾነ ውሽጣዊ ሓድነት ምጥንኻር ምዃኑ ኣስሚረምሉ ኣለው ፡፡ ብኣንፃሩ ነዚ ዝሽርሽሩ ካብ ውሽጥን ደገን ዝንዝሑ በለካ ለኸዐካ ፣ ወረታትን ፀለመታትን፣ ህዝብና ተወዲቡን ብውልቀን ንክምክቶም መሪሕ ተርኦም ንምፅዋትን ወሲኖም ኣለው ፡፡

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ማሕበረ - ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ዘጋድድ ፣ ህዝባዊ ኲናት ዘተዓናቕፍ ዝኾነ ዓይነት ኣረኣእያን ተግባርን ፣ ብቐንዱ ቅድም ክብል ተወዲበን ዝነበራ ህዝባዊን ሞያውን ማሕበራት ብምጥንኻር ነቲ መድረኽ ዘገልግሉ ሓደሽቲ ውዳበታት ብምውዳብ መንግስቲ ትግራይ፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ መሓውራቱ ንምፅራይን ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ተሳትፎ ምልኣተ ህዝቢ ብምርግጋፅ እጃሞም ከወፍዩ ወሲኖም ኣለው ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ይኹን ሎሚ ዘጋጠምዎ ውሽጣውን ባዕዳውን ወራራት ዝመከተ ፣ ከምኡ እውን ካልኦት ሰራሕ ሰብን ተፈጥሮኣውን ፣ ፀገማትን ብድሆታትን ብቕልፅሙ ፈንፂሑ ብምውፃእ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ሕዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓደጋ ህልዉና እውን ብቃልሱ ንምብዳህ ቅድሚ ኩሉ ሕድሕድ ደቂ ትግራይ ቁሸቱን ጣብይኡን፣ ቁሸት እምቢታ ገይሩ ፣ ባንዳታት ተውር ዘይብልሉ ኩነታት ምፍጣር ፤ ብሓፈሻ ሕድሕድ ደቂ ትግራይ ዝነብረሉን ዝሰርሓሉን ቦታ ሰላም ዝዓሰሎን ፣ ፀጥታኡ ውሑስ ብምግባርን እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ፣ ዘተኣማምን ዋሕስ ሰላምናን ፀጥታናን ምዃኑ ብተግባር ዘረጋገፀ ህዝብና፣ ነዚ ዓቂቡ ዝጎደለ መሊኡ ፣ ሰላምን ፀጥታን ከባቢኡን ቀንዲ ዋርድያ ባዕሉ ኮይኑ ከም ዝሰርሕ፣ ተወከልቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዝወሰንዎ ውሳነ መላእ ህዝብና ተግባራዊ ከም ዝገብሮ ኣየጠራጥርን ፡፡

ብኣውርኡ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ ነቲ መኸተና ዝሽከም ማሕበረ-ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ዓቕሙ ብዝፈቐደሉ ንኽረባረብ ኣብ ውሳነ እቲ ኮንፈረንስ ተገሊፁ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብ ከተማታት ትግራይ ተጀሚሩን ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ዘመዝግብ ዘሎ ምፍራይ ተኽሊ ገደና ፣ ከምኡ እውን ሓረስታይ ትግራይ ዋላ ውሱን እንተኾነ ብመስኖ ዘፍርዮ ዘሎ ምህርቲ ፣ ንኸሰስን ብሉፅ ተሞክሮ ንምስፋሕ ክረባረብ ይግባእ ፡፡ ብዘላቕነት ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ ዝውሰን ብሓፈሻ ኣብ ዓርሰምርካሳናን ዉሽጣዊ ፀጋታትናን ፀንቂቕና ምጥቓም ፣ ብፍላይ ድማ ኣዝመራ ወቅቲ 2014 ን 2015 ን፣ ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ምድላውን ሕዚ ክውገን ዝግባእ ኩሉ ስራሕቲ ቀትርን ለይትን ተረባሪብና ማእቶትና ከነደንፍዕ ይግበኣና፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ ብህዝቢ ትግራይ ተመሪፁ ህዝባዊ ኲናት ንክመርሕ ታሪኽ ዝዓደሎ መንግስቲ ትግራይ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ 19 ኣዋርሕ ዝገበሮ ዘይተሓለለ ፃዕርን ዝሃቦ ኣመራርሓን ፣ ብቐንዱ ህዝብን ጅግና ሰራዊት ትግራይን ዝሰርሕዎ መስተንክራዊ ቅያ ዝርኣዩን ዝጭበጡን ፖለቲካዊ፣ ወታደራውን ዲፕሎማስያውን ዓወታት ዘመዝገበ፣ ምእንተ ህዝቦም ክብሉ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ብሓፈሻ ምሩፃት መራሕትን ተቓለስትን ደቂ ትግራይ ብቐንዱ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ግቡእ ኣመራርሓ ብምሃብ፣ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ኲናት ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ ኣብፂሕዎ ከምዘሎን ሎሚ እውን ኣልፋን ኦሜጋን ንዘይተርፍ ኩለመዳያዊ ዓወታትና ዝኾኑ ውሳነታት ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዓትዒቱ ሒዙ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ድልውነትን ግቡእ ኣመራርሓ ዘውህብ ብቕዓትን ተኽእሎን ከም ዘለዎ ተወከልቲ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ምስክርነቶም ሂቦምሉ እዮም፡፡

ብምዃኑ መንግስቲ ትግራይ ሎሚ እውን ከም ወትሩ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ኣዕሲሉ ፣ ሕድሪ ኩሎም ስውኣት ከየዕበረ ፣ መሪሕ ኮይኑ ብኹሉ ዓቕሙ ክረባረብ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝብና ብሓፈሻ ፣ ብፍላይ መራሕትን ኣባላትን ህዝባውን ሞያውን ማሕበራት፣ ተመራመርቲ፣ ምሁራን፣ ሰብ ሞያ ስነ-ጥበብ፣ ሞያተኛታትን ጋዜጠኛታትን ዘፈር ኮሚኒኬሽንን ሚድያን ትግራይ ፣ ውሳነታት ኮንፈረንስ ህዝብና ንምዕዋት ብጊዜ የለን መንፈስ ከይተሓለልኩም ከም እትረባረቡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ይተኣማመኑ እዮም ፡፡

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና !

ትግራይ ትስዕር!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

09 ግንቦት 2014 ዓ.ም

መቐለ