INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

ተስፋሕፋሕቲ ክልል ኣምሓራን ሊሂቃን ሓይሊታት ትምክሕትን ዝሳዎርዎን ዕሱባት ዕጡቓቶምን ኣዋፊሮም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ይነብሩ ኣብ ዝነበሩ ሰለማውያን ደቂ ትግራይ ብኣረሜንያዊን ባርባራዊን ኣገባብ ኣቃፂሎም ቀቲሎሞም እዮም።

እዚ ኣረሜንያዊ ቅትለት ስላማውያን ደቂ ትግራይ፣ እዞም ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካየድዎን የካይድዎን ዘለዉ ጀኖሳይድ እዩ።

ይኹን እምበር እዚ ተግባር ኣረሜንያዊን ባርበራዊን ግፍዒ ተስፋሕፋሕቲ ክልል ኣምሓራን ሊሂቃን ሓይሊታት ትምክሕትን ዝገበርዎ ጀኖሳይድ፣ ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ዝጀመሮ ቓልሲ ኣሐይሎም ብምቕፃል ዕድመ ኩሎም ወረርቲ ንከሕፅሩ ዝገብር እምበር ፍፂሙ ዘሰኩን ኣይኸውንን።

ሃለዋትን ድሕንነትናን ብቕልፅምና
ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ
መጋቢት 2014 ዓ/ም
Tigrai Television
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ

Read More