INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መፍትሒኡ ብዝመፅዎ ምኻድ እዩ!

Read from source

ጫፍ ረጊፅኩም ትከራኸሩ ኣለኹም ጫፍ ሒዝና ድማ ክንከራኸረኩም ኢና።ምእንቲ ሓድነት ን ምክብባርን ክንብል ከምድሌትኩም ክትግዕሩ ክብሪ ቡዙሓት ክትትንክፉ ከለኹም እንዳፈለጥና ብዝተኸኣለ ና መጠን ስቅ መሪፅና ።

ገለ ለባማት ተጋሩ ናትና ሰብ ዘይነኽብር ሓቆፍቲ ዘይንኸውን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዘይነተኣናግድ ንምንታይ ንደፋፋእ ይብሉኻ እዚ ምኽሪ ለባማት እዩ።

ሕራይ ኢልካ ብሓሳቡ ምኽንያት ከይትደፍኦ ከይተርሕቆ ፡ብትግራዋይነቱ ኣኽቢርካ ሓሳብ ሃፍቲ እዩ ኢልካ ምስ ሽሕ ኣፈላላይ ብዝተኸኣለ መጠን ሓሳቡ ንኽተኽብረሉ ንዕኡ እውን ክተኽብሮ ትሙኩር፡ቡዙሕ ተዕግስቲ ትገብር።

እዚ ኣይሰረሐን፡
በቲ ኣንፃር ተሰሊፎም ዘለው ጭራሽ እዙይ ክርድኡልካ ኣይኽእሉን።ሰለማዊ ናይ ሓሳብ ሙግት ገዲፎም ምኽንያት ስቅታኻ እንዳፈለጡ አንፃር ህዝብኻን ክብሪ ህዝባዊ መንግስትኻን ዘነኣእስ ምስናይ ፀላእቲ ፕሮፖጋንዳ ዝኸይድ ገለገሊኡ መሳረሒ ፀላኢ ክሳብ ዝኸውን ጫፍ ሒዞም ብበዝሒ ክዓምሉ ይረኣ።

ስምዑማ !!
[ ንሶም ከምድሌቶም ክዛረቡ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ክኽበር ፡ንሕና ክንዛረብ ከለና ዓፈንቲ ፡ካድረታት፡ ደንቆሮታት ፡ተሸከምቲ ሻንጣ ንኾነሉ ]

ፍርዱ ንዓኹም ገዲፈ እዘን ሕቶታት ሓክሓትት ፦

ብስሩ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ምኽባር ዝበሃል ናትካ እንኽበርካ ናይካለኦት ሓሳብ ናብ ናይ ጎሓፍ መኣከቢ ናደብረኻ ድዩ ?

ናይ ሓሳብ ምትእንጋድ ዝበሃል ክብሪ ኻ ክሕሎ እንዳደለኻ ክብሪ ህዝብን መራሕትን ብዘይምጥን መልክዑ ክሳብ ዝኣኽለካ እንዳተዳፈርካ ድዩ ?

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኣወጀ ወራር ዘስዐቦ ጥሜት ፡ ሞት ፡ ሽግር መበገሲኡ እንዳተፈለጠ ፡ጭራሽ ንመንግስቲ ትግራይ ተሓታቲ ምግባር ፡እቲ ፀገም ከም መደያይብ ተጠቂምካ ብፍላይ ገለ ተቃወምቲ ናይ ህዝብና ደካማ ጎኑ ኣእላፍ ፀገማት እንዳዘርዘርካ ፖሎቲካዊ ከስቢ ንምርካብ እትገብሮ ፃዕሪ ከም ትግራዋይ ደምካ ሸይጥካ ከም ስዋ ምስታይዶ ኣይስመዐካን ??

ክዛዝም ፦
መራሕትና ሐዝውን ቤሌን ዓይንና እዮም።ተፎተየ ተፀለአ እዞም መራሕቲ ብህዝቢ ዝተወከሉ እዮም ።ንዚኦም ክብሪ ምትንካፍ ንህዝቢ ክብሪ ምትንካፍ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

[ ንዘለኣለም ኣብ ስልጣን ይንበሩ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ]

ህዝባውያን እዮም ።ህዝባውነቶም ድማ ብተግባር እምበር ኣብ ሚድያ ብምግዓር ኣይኮነን ኣርእዮምና።