INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መፍትሒ (መልእኽቲ ንመንግስቲ ትግራይ)

1. ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቲ ናይ ገንዘብ ወረቀት(paper money) ሕፅረት ኣሎ ንዝብል ሓሳብ፣ ቅርሺ ከየድለየ ብኩፖን ወይ ድማ ቀመራዊ ውክልና ዋጋ "Digital Value Setting" ብምቕማጥ እቲ ህዝቢ ዘለዎ ንብረት "Value Sett" እናተገበረሉ ክለዋወጥ ምግባር ይከኣል እዩ። ቅርሺ ኾነ ኩፖን ዕላምኡ ውክልና ዋጋ እዩ። ኻሊእ ጥቕሚ የብሉን ወረቀት እዩ። ግዝያዊ ሴንትራል ዲጂታል ባንክን ማእኸል ዕዳጋን ኣብ ምፍጣር ዝተወሰነ ብድሆ ከምዝህልዎ ርዱእ ኾይኑ።

2. እቲ ዲያስፖራ ዝልእኾ ቅርሺ መንግስቲ ባዕሉ ሰባት ቆፂሩ ተዝቕበሎ፤ ነቶም ሰራሕተኛታት ደሞዝ ከኣ መጠነይና ፐርሰንት ቆሪፁ ይወስድ። እዙይ ስራሕ ይፈጥር፣ ገንዘብ ብግዜኡን ብሥነ ስርዓትን ይበፅሕ። እቲ ህዝብን ዝሕግዝ ዲያስፖራን ኸዓ ኣይጉድኡን። ሰፊሕ ማሕበረሰብ ጠምዩ ውሑዳት ሃፋትም ምፍጣር ታሪኻዊ ስሕተት እዩ።

3. መጠንን ብርኪን ፀገም ትግራዋይ ብምፍላይ፣ ነቲ ዝገደደ ዝሕገዘሉ መስርሕ ምዝርጋሕ ኣድላይ እዩ። 4. ነቲ የመና ዝጠመየን ዝተሸገረን ንምሕጋዝ፣ ንፁር፣ ናፃን ግልፅን ብዝኾነ መንገዲ መንግስቲ ሰፊሕ ናይ ቦንድ ወይ ተሌቶን ምንቅስቃስ ተዝገብር፤ ብዓይነት ይኹን ብገንዘብ ንምትሕግጋዝ። ኹሉ ከይተሰከፈን ከይሰግአን ዝሕግዘሉ ማለት እዩ።

5. ሓደሽቲ ኢኮነምያዊ ኣዋጃት ክእውጅ ከምዝኽእል እውን ክርዳእ ይግባእ። ኣብዚ ፀገም ወሰን ኣልቦ ነፃ ተወዳዳሪ ዕዳጋ ምግባር ግድን ኣይኮነን። መንግስቲ ኣብ ዕዳጋን ሃፍቲ ርእሰ ማላውያንን ኢድ ከእቱ ከምዝኽእል ንረዳእ።

6. "ድርድር ክፍጠር እዩ፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሕ እዩ" ዝብሉ ሓሳባት ፈጠራ መፍትሒ ፀገማትና የጉትሙ እዮም። ምምናዩ ፅቡቕ እዩ፤ ግና "ፅቡቕ ንሕሰብ፣ ንዝኸፍአ ድማ ንዳሎ"

7. ሓደሽቲ ዝብልዑ ተኽልታትን እንስሳትን ኣብ ምልማድ ብሰፊሑ ክስርሐሉ ምግባር።

8. ዲያስፖራ ድማ ጉስጓሰን ድፍእትን ዝሒሉ፤ ካብ ጭንቅን ፀገምን ህዝቢ ብላዕሊ ዜና ዓዎትን ብድዐን ከብዝሕ የብሉን። ጭፈራን ገንዘብ ምጥፋእን ቀኒሱ በቲ ገንዘብ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ድፍኢት ኣብ ምግባር ተነትኩር!

ዝኾነ ኾይኑ ንህይወትኻ ዘይራሕረሐ፤ ንናብራኻ ዝሓስብ ፀላኢ የለን!

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ትግራይ!