INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብዛዕባ ማይ ባንዴራ ጥርዓን ምቅራብ ይምልከት

ገባር : ሙሁር : መንእሰይ ንዓዱን ንህዝቡን ክብል ኣብ በረኻ ይስዋእን ደሙ ይፈስስ ኣሎ ::

ኣብዚ ፀልማት እዋን መሬት ህዝቢ እሞ ድማ ንልዕሊ 120 ሽሕ ህዝቢ ግልጋሎት ማይ ዝህብን ንልዕሊ 60 ገባራት መፍረይቲ ፍራምረ ናብርኦም ዝመርሑሉ ልዕሊ 25 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝግመት ናይ ተፈጥሮ ማይን ልሙዕ መሬት ብሰብ ሃፍቲ ካብ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ምውራር ይርከቡ :: እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ ማይ ንምቕዳሕ ዘሳግር ድልድይ ምፍራሶም እዩ ::
ካብ ኣራዊት ሻዕብያ ብምንታይ ይፍለዩ ?

ን ምምሕዳር ክ/ከተማ ኲሓ ን ቤት ምኽሪ ክ/ከተማ ኲሓ
ዋኒኑ፡-ብዛዕባ ማይ ባንዴራ ጥርዓን ምቅራብ ይምልከት
ዕለት፡29/09/2014 ዓ.ም

ልዕል ኢሉ ከምዝተሓበረ ንሕና ነበርቲ ጣብያ ማይ ፀዶ ክፍለ ከተማ ኲሓ ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት ዘገልገለትናን እናገልገለትና ዘላን ማይ (ብተሎምዶ ማይ ባንደራ እናተብሃለት እትፅዋዕ) ካብ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ህዝቢ ብዘይፈልጦ መንገዲ እቲ ቦታ ንበዓል ሃፍቲ ተዓዲሉ እዩ ብዝብል ምኽንያት ብፍላይ ቅድሚ 85 ዓመት ዓበይቲ ዓዲ ኲሓን ከባቢኡን ምስ ጣልያን ብምትሕብባር ኣብቲ ቦታ ማይ መተሓላለፊ ትቦታት ምዝርጋሕ፣መከፋፈሊ(ፎሴት) ቦታትን መቅድሒ ቦታታትን ብምዝግጃው ንፅህንኡ ዝተሓለወ ማይ ዘሐሸ ኣገልግሎት ብዝህብ መልክዕ ዝተሰርሐት(ኢንቨስት ዝተገበረት)ምኻኑ እናተፈላጠ እቶም ዋና ዋና ማይ መተሓላለፊ ትቦታት ፣ ናይ ማይ መከፋፈልቲ(ፎሴት) ቦታትን ሓንቲ ሰለስተ መፍሰሲ ዘለዋ መቅድሒት ቦታን

ኣብቲ ውሽጢ ካምፒ ዝርከቡ ልዕሊ 40 ዓመት ዘቑፀሩ ዝተፍለላዩ ዓበይቲ ኣግራባት(ፅሕዲ፣ሸውሻዌ፣ቃለሚንጦስ፣ዓውሒ፣ሻፋ፣ጥቁር በርበረ፣ሊሞ፣ወዘተ) ዝሓዘ ቦታ ሓዊሱ ብግምት ልዕሊ 25(ዒስራን ሓሙሽተን) ሄክታር መሬት በቲ በዓል ሃፍቲ ካብ ምሕፃሩ ብተወሳኺ ሓደ ናብቲ መቕድሒ ቦታ ዘእቱ ዝነበረ መሰጋገሪ ድልድል እውን ተነቂሉ ህዝቢ ከም ቀደሙ ዘድልዮ ማይ ኣትዩ ከይቀድሕ ተገይሩ ይርከብ፡፡

ስለዚ ዝርዝር ሓሳብና፣ጥርዓናን ናይ 127(ሓደ ሚኢትን ዒስራን ሸውዓተን) ሰባት ፊርማን ምስ እዚ ደብዳቤ እዚ 13(ዓሰርተ ሰለስተ) ገፅ ሓባሪ ኣተሓሒዝና ዘቕረበረና ምኻና እናገለፅና ብኣድራሻ ዘፍለጥናኩም ኣካላት ግቡእን ግልፅን መልሲ ክትህቡና ብቕዳሕ ዘፍለጥናኩም ድማ ነቲ ጉዳይ ዕቱብ ክትትል ንክትገብርሉ ብትሕትና ንሓትት፡፡

ትግራይ ትስዕር

ፋይል፤
 ን ጥርዓን መቅረብቲ

ቕዳሕ፤
 ን ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ትግራይ
 ን ቤት ፅሕፈት ኢንቨስትመንት ትግራይ  ን ቤት ፅሕፍት ፀጥታ ዞባ መቐለ
 ን ቤት ፅሕፍት መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ

መቐለ
ንቤትፅሕፈት ፀጥታክ/ከተማኲሓ ኲሓ
Terenaam Mebrahtom