INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ንምንታይ ገይሽና? ንምንታይኸ ተመሊስና?

ካሳ ሃይለማርያም (facebook) 25-12-2021

ካብ መዓሙቕ ጎዳጉዲ ውሕጅን ኣፃድፍን ስሒቡ ንዘውፅአካ መራሒ መንገዲ፤ ከመይ ገይርኻ ኢኻ ኣብ ስጡሕ ጎልጎል መንገዲ ከይስሕት እትጠራጠሮ!? ጋዶ ከይኸውን!

ንምንታይ ገይሽና? ንምንታይኸ ተመሊስና? ዝብሉ ሕቶታት ካብ ብዙሓት እሰምዕ ኣለኹ::

ንምንታይ ከምዝገሽና እማ ስራሕና ኣንዳዕዲዑ ተዛሪቡ ኣሎ! ወሰንትን ኣገደስትን እንዓሞም ዕማማት ነይሮምና! ዓንዲ ሕቐ ወተሃደራውን ኢኮኖሚያውን ዓቕሚ ፀላኢ ንምቕርሳም!

ክሳብ ሕምብርቲ ሽዋ ኣቲና ድማ ንቱ ስሩዕ ሰራዊቱ ደዃዕዃዕ ኣቢልና ናብ እኽብካብ ሲቭልን ለብለብን ሰራዊት ቀይርናዮ! ኢኮኖሚ እዛ ሃገር እማ እንታይ ክፅወ! ከምዘይምለስ ተረሚሱ! ኢንቨስትመንት ወፃኢ ጥራሕ እንተይኮነስ ዲፕሎማሰኛታት ኩሉ ሃዲሞም! ብንግዲ ኮነ ብቀረብ ዕዳጋ ጥራሓ ቀርያ! ገንዘባ ባይታ ዘቢጡ ስእነት ስራሕ ዓብለቕለቕ ኣቢሉዋ:: ሓገዝ ኮነ ልቓሕ ወፃኢ ተዓፅዩ ካብ ንግዲ ዓለም ድማ ትንፀል ኣላ!

ኣብ ልዕሊ እዚ ኹሉ ድማ፤ ክሳብ ሽዋ፤ እሞ ድማ ኣብቱ ቀንዲ መሬት ኣምሓራ፤ ንኣዋርሕ ወፊርና ንሕና መን ምዃና ኣርኢናዮም! ካልኦት እውን ንቱ ከንቱ እም ኣልቦ ናይ ዘመናት ፈኸረኦም ክሪኡዎም ኣቃሊዕናዮም! ንማሕበረሰብ ዓለም ድማ ኣስደሚምናዮም! ኣራዊት ኤርትራ እውን ንኣዋርሕ ብራዕዲ ንኽሽበብን ንክዕርነብን ገይርናዮ!

እዚታት ዓሚምና ምስ ዛዘምና፤ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ተደማሚፅናን ተናቢብናን ኢና፤ ኩሉ ዝደለናዮ ገይርናን ሒዝናን፤ ምስኩሉ ሰብናን ኣፅዋርናን ናብ መረበትና ዝተመለስና! ዝኣኽለና ገይርና ዝኸኣልናዮ ኣማሊእና ዕማምና ስለዝዛዘምና ክንምለስ ስለዘለና ተመሊስና! ቀፃሊኸ ናበይ? ብናትናን ናትናን ሰዓትን ቦታት ጥራሕን ጥራሕን ይውሰን! ስለዙይ ኣብ መራሕቲ መንገድና ንተኣማመን! ንሕና ትግራይ ኢና!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም

Read More