INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ዘዝቐደመ አይኽፋእ!

ቕድሚ ኹሉ ነዛ ሎሚ ካብ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ (Foreign Relations Committee) ናብ senate ተሰጋጊራ ዘላ S 3199 ከምኡውን አብ መንገዲ ዘላ HR 6600 ንኽዕወታ ቀትርን ለይትን ዝፀዓርኩምን ዝተቓለስኩምን ተጋሩን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን አንኳዕ ደስ በለኩም ደስ በለና::

እዘን ክልተ ሕግታት አመፃፅአን እካ ብክለተ ቻምበራት ( senate & house) እንተኾነ ሽቶአን ተመሳስሊ እዩ: እንተፀዲቐን ፀላእቲ ህዝብና ናብ ሕጊ ዝቐርቡለን ንሎሚውን ነቲ ሓገዝ ከይበፅሕ ዝገብርዎ ዘለዉ ተወሳኺ ወንጀል ዘሕትት መስርሕ ዘጠቓልል ብምዃኑ ብዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ከም ሓደ ፅቡቕ ዝብሃል ዓወት ዝቑፀር እዩ::

ነዘን ክልተ ረቂቕ ውሳኔታት ክሓልፋ ዳያስፖራ ትግራይ ብትዊት፤ ብስልኪ፤ ብኢሜል፤ ብፐትሽን ፤ ብሰላማዊ ሰልፊ ፤ ብአካል ብምርኻብን ዝተገበረ ፃዕሪ ይበል ዘብል እዩ: ብፍላይ ግደ መናእሰይ ዝንአድ እዩ ነይሩ ሕዚውን ይቕፅል አሎ::

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ( አብይን ሰዓብቱን) ነዘን ሓሳባት ናብ ውሳነ ከይበቕዓ ብዙሕ ገንዘብን ሰብን አዋፊሮም ተቓሊሶም ንሎሚ ጥራሕ ዝባኖም ተመሊሶም አለው: ሓሪቖምውን አለው::

ዘዝቐደመ ዝረኸብናየን ዓዋታት ዓቂብና ዝያዳ ክንቃለ አለና::

ፀላእትና ብውሽጢ ዓዲ "ሰላም ፈጢርና አለና " "ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ተጎዲኡ አሎ ሓገዝ ብዘይ ገለ እንቅፋት ክበፅሕ ክንገብር ኢና " ዝብሉ ልሙድ ሓሶታት ደርዲሮም ካብ ሕብረተስብ-ዓለም ናእዳ ምስረኸቡ ብድሕሪት ግና ሰራዊቶም አንቀሳቒሶም ካብ ኩናት ምፅሓር አዲ አይወዓሉን:: መንግስትን ህዝቢን ትግራይውን አቐዲሞም ዝአመትዎ እዩ: ካብ ሞት ዝፈረደሎም ፋሽስታዊያን መድሓኒት ከምዘይረክቡ ፍሉጥ እዩ::

ስለዚ ዝያዳ ምቅላስ ዝጠልቡና ምኽንያታት እንታይ እዮም?

1. ህዝብና ካብ ዕፅዋን ፀበባን ሓራ ዝወፅእ ዝኽእል ብቕልፅሙ ጥራሕ ስለዝኾነ አብ ጎኒ ህዝብና ጠጠው ኢልና ክንቃለስ ስለዝግበአና እዩ:: እቲ ዕፅዋ ክፍንፃሕ እንተኾይኑ ንሕናውን ከም ደጀን ብፅሒትና ዝለዓለ ስለዝኾነ እዩ::ካብ ምሕዛንን ምቑርምራምን ወፂእና ሞራል ህዝብና ዘጠናኽር ምንቅስቓስ ክንገብር ይግባእ: አለም-ለኸ ሰላማዊ ሰልፊ ዕውት ክኸውን ወፂእኻ ድምፂኻ ካብ ምስማዕ ጀሚሩ ክሳዕ ብኹሎም መራኸቢ መርበባት ወፍሪና ምጥንኻር ማለትና እዩ::

2. ፀላእትና ዘለዎም ቁፅርን ገንዘብን ተጠቒሞም ነተን ውሳነታት HR6600 ኾነ S1399 ከየበርዕይወን ዝነበረ ፃዕርና ተጠናኺሩ ክቕፅል አለዎ፤ እዛ ናይ ሎሚ ውሳነ ካብ ሓደ ኮሚቴ ናብ ሙሉእ ሰኔት ተሰጋጊራ እምበር ገና እቲ ወሳኒ ምዕራፍ አይሓለፈትን: HR 6600 ውን ገና ዕልባት አይረኸበትን: ዘየድሊ ሓደሽቲ መመሓየሺ ሓሳባት አምፂኦም ድኽምቲ ከይትኸውን ነቶም አብ ዶፕሎማሲ ጠሚቶም ዝነጥፉ ዘለው ተጋሩ : ቀትርን ለይትን ተመርሚሮም ፂሒፎም ዝህቡና ዘለው ሓበሬታት እናተኸታተልና ክነተግብር ይግባእ::

3. ሎሚውን አበቢኸባቢና ዘለዋ ኮሚኒታት ፤ ማሕበራትን፤

ውዳበታትን ክነጠንኽረን አለና:: ውዳበ ሓይሊ እዩ እናበልና ብግሪ ነንበይና ምጉያይ ብዙሕ ርሕቐት አይወስደናን: አብ ዝምቸዋና ውዳበታት አቲና ብምሕጋዝ ዝተበላሸው ብምዕራይ ኢና ዘድሚ ስራሕ ክንሰርሕ ንኽእል: ነዘን ብዙሓት ውዳበታት ናይ ውሽጠን ነፃነት ሓሊየን ናይ ሓባር መድረኻት ፈጢረን ዝተዋደደ ስራሕ ክሰርሓ ይግባእ::

ብሓፈሻ አብ ውሽጢ አዲ ዘሎ ዕፅዋ ክኽፈትን መከራ ህዝብና ክሓፅርን እንተኾይኑ ደጀን ኮይንና ዘድሊ ዋጋ ክንከፍል ግቡእ እዩ:: ክሳዕ ሎሚ ዝተገበረ ቃልሲ ዝነአድ እኳ እንተኾነ ዝተቓለስናሎም ሽግራት ህዝብና ግና አይተፈትሑን : ዝረኸብናየን ዓወታት ተስፋና ከለምልማ ይኽእላ ይኾና እምበር ሙሉእ ዓወት ከይረኸብና ክንርብርብ አይግባእን:: ደረጃ ተሳትፎናውን ገና አይተዓረየን:: አሎ ዝበሃል ዘሎ ቑፅሪ ዳያስፖራ ትግራይን ብግብሪ ዝሳተፍ ዘሎ ዝመጣጠን አይኮነን:: ስለዚ ሰብናን ዓቕምናን አብምትእኽኻብ ክንነጥፍ አለና ::

ትግራይ ትስእር አላ!