INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ብዛዕባ ህዝብኻን ዓድኻን ምጭናቕ

Source facebook: https://www.facebook.com/100001509543685/posts/5112730348787233/

ብዛዕባ ህዝብኻን ዓድኻን ምጭናቕ ምሽቓል ካብ ተገዳስነትን፤ ኣካል ጉዳይ ህዝብኻን ዓድኻን ካብ ምዃን ይብገስ:: ኮይኑ ግና ፀላእቲ ኮነ ኢሎም ከፅንቱኻ የብፅሑልካ ንዘለዉ ዕፅዋን ፅምዋን ግፍዕን መከራን፤ ከመይ ገይርኻ ተሰጣጢምካ ብፅንዓት ሰይርኻዮ ከምእትወፅእ ትነጥፍ ትተዓፃፀፍ እምበር፤ ኣብ ሞንጎ ብርቱዕን መሪርን ጉዕዞ ብርክኻ ከምዝጠለመካ ሸብረኽ ኣይብሃሉዎን!

ገለ ነጠፍቲ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝኾኑ ደቂዓድና፤ ንዙ መሪርን ከቢድን ፈተና፤ ኣብ ክንድኣፍ ብፅንዓትን ትረትን ተሰጣጢምና እንሰግሮ፤ ዘይናይ ትግራዋይ መንነት፤ ተስፋ ቆሪፆም ንባዕሎም ሰኩኖም ከሰኩኑኻ ጋዕገልጠም ዝብሉሉ መድረኽ ሕምስምስ ይገብሩዎ ኣለዉ! ፅቡቕነቱ፤ እቱ ኣብ ሜዳ ትግራይ ዘሎ ፅንዓትን ትረትን ብቕዓትን ድልውነትን እዩ ዋሕስ ሓርነትና!

ከምቱ ናይ ጉሓትና፤ በብማዕልቱ ድምፂ ህዝብና ኮይንና ንፀላእትና እንምክተሉ መድረኽ ክንዲ እንገብሮስ፤ ንታ ዘላትና ዓቕምና ፀንቂቕና ኣብ ዘናቑሩና ኣጀንዳታት ተፀሚድና፤ ነንሕድሕድና ሒግ እንብሃለሉ በሊሕ ጭንጫ ዝበዝሖ ኣፃድፍ ገይርናዮ! ሒግ ዘብለና ዘሎ ንህዝቢ ትግራይ ዘፍፅግ ሓሳብ ኣጀንዳ እንተዝኸውን ድማ ፀጋ ነይሩ!

መንግስትናን ሰራዊትናን ብሙሉእ ዓቕሞም ንዙ ብፀላእትና ዝበፅሐና ዘሎ ዕፅዋን ፅምዋን ግፍዕን መከራን ሰይሮም ንምውፃእ፤ ብኹሉመዳይ ይነጥፉ ከምዘለዉ እዩ ዝፈልጦን ዝርድኦን! ኩሎም ኣብ ጠረጴዛ ዝተቐረቡ መማረፂ መፍትሕታት ብዕቱብ በብግዚኡን ብርኩን እናተፈተሹ፤ ምስ ውሽጣዊ ዓቕምናን ግዳማዊ ከባብያውን ዓለምለኻውን ኩነታት ኣተኣሳሲሮምን ኣዛሚዶምን፤ ኪሳራና ብዝንክይ ኣፈፃፅማ እናነጠፉሉ ከምዝኾነ እዩ!

እዛ ዘለናላ ዓለም ከም ህዝቢ ትግራይ ብግቡእ ብተግባር ሪኢናያ ይመስለኒ፤ የመና ሓባጥ ጎባጥ ኩርኳሕን ፀድፍን ዝበዝሓ፤ መኽሰባ ጥራሕ ትናዲ ዓለም ከምዝኾነት! ብፍላይ ድማ ወተሃደራውን ኢኮኖሚያውን ዓቕምኻ ትሑት እንተኾይኑ፤ ኣብ ከባቢኻ እተሕድሮ ፅልዋ ኮነ ፅዕንቶ ከድሚ ዘይኽእል እንተኾይኑ፤ እዛ ዓለም የመና ደንዳኒት እያ! ተጎብዐካ እያ! ንትግራይን ዩክሬንን ምርእኣይ እኹል እዩ!

ስለዙይ ምስቱ ዙሪያ ምላሽ ዘሎ ዕስለ ሓይልን ዓቕምን ፀላእትና ክወዳደር፤ ኢሉ እውን ፀብለልታ ሃልዩዎ ክምክቶምን ክሰብሮምን ዝኽእል ወተሃደራዊ ዓቕሚ ክነጥሪ ግድን ኢሉና ኣሎ! እዙይ ድማ ይውዓል ይሕደር ዝብሃል ኣይኮነን! እዙ ዓቕሚ እንተጥሪና እውን ኢና፤ ብውሑድ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪካን ተኣመንቲ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኮይንና ክንወፅእ እንኽእል! ሽዑ ብላምባዲና ኣላሺና ይበዝሕ!

ንዙይ እውን እዩ ድሕሪ ማልሳይ ሰሜን ሽዋ፤ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ተደማሚፅካ ንምኻድ ምስ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ጎና ጎኒ፤ መራሕቲ ትግራይ ሙሉእ ዓቕሞም ኣብዙ ህንፀት ወተሃደራውን ኩለማዳያውን ዓቕሚ ትግራይ ዝነጠፉን ዝነጥፉ ዘለዉን!

ንህዝብና ካብዙ ዓፀቦ እዙይ ንምንጋፍ፤ ሰላም ብሰላማዊ መንገዲ ኮነ ሰላም ብቕልፅምካ ንምርግጋፅ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መሪር ቃልሲ፤ እወ ከቢድ ዋጋ የኽፍለና ኣሎ! ሓርነትና ድማ ብዘይመሪር ዋጋ ክነረጋግፅ ከምዘይንኽእል ካብ ብጉሓቱ ስለዝኣመናሉ ኢና፤ ከም ህዝቢ፤ ቃልስና መሪር እዩ ዓወትና ድማ ናይ ግድን እዩ ኢልና ዝተበገስና! ኮይኑ ድማ እቱ እንኸፍሎ ኪሳራ ኣብ ምንካይን ዓቕምና ኣብ ምስሳንን በሊሕን ስሉጥን ተዓፃፃፋይ መሪሕነት ይሓትት!

ንዙ ሐዚ ዘለናሉ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዙሓት ሪኢቶታት ይቐርቡ ኣለዉ፤ ገሊኦም ካብ ሕፅረት ሓበሬታ ካብ ተገዳስነት ካብ ጭንቂ ዝተበገሱ እንትኾኑ፤ ገሊኦም ድማ ውልቀ ሪኢቶኦም ድልየቶም ትምኒቶም ወይ ዕማሞም ተተርኢሶምን ተሓንጊጦምን እዮም:: መብዛሕትኦም ሽኻሎም ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ምዃኑ ፀጋ እዩ!

ገሊኦም ግና ብርሑቕ ኮይኖም ንዙ ዘለናሉ ኩነታት ብጉጉይ ከም ደውታ ይሓስቡዎ! ገሊኦም ድማ ፤ «ምዕራባውያን ሓፈት ከይትብሉ» ኢሎም ከምዝኣዘዙናን ዝቖረኑናን ገይሮም የቕርቡዎ! ገሊኦም ድማ ፤ ንመንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ዝተፋላለዩ ኣካላት ገይሮም እንተቐምጡ ይርአ ኣሎ:: ገሊኦም ድማ እግሪ እግሪ ፅሑፋትን ፅዋን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እናስዓቡ ቃላት ክጨዱን ብሓሳብ ንዝተፈለዮም ወይ ንሶም ስለዘይተረድኦም ንቱ ካልእ ከፀልሙ፤ ካድረን ባንዳን ዝብል ስማስም ክልጥፉን ክታኸኑን መርብብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣሕሚዶምዎ!

እዙ ዘለናሉ ከይዲ ቃልሲ ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ደውታ እዩ ዘብሎ ኣካይዳ የብሉን:: ዓቕሚ ትግራይ ብኹሉመዳይ ንምትርናዕ፤ መራሕትናን ሰራዊትናን ካብ ታዕሊም ክሳብ ቅድመ ግንባር፤ ቀትርን ለይትን ብዘይዕረፍቲ ዝገብሩዎ ዘለዉ ህንፀትን ምትዕፅፃፍን፤ እሞ ድማ ምስቱ ዘለዉሉ ኩነታት ቀለብ መድሓኒት መጉዓዝያን ካልኦት ኣድለይቲ ሎጅስትክስን ውልቀ ጥዕናን፤ ብምንታይ መዐቀኒ እዩ ደውታ ከብሎ ዝኽእል! እሞ ኣነን ንኸማይ ዝመስልን ኣብ ማቻ ዘለና ብምንታይ ሞራልና እዩ፤ «ደው ኢልኩም ህዝብና ተወድኡዎ ኣለኹም» ክንብል! ቅሙጥስያ ሰማይ ቀረብኡ ድዮም ዝበሉ!

ገሊኦም ድማ ትማሊ ትማሊ ዲፕሎማሲ ትግራይ ሞይቱ ተቐቢሩ እዩ ዝብሉ ዝነብሩ፤ ሎሚ ድማ ንተን ኣብ ደምበ ፀላእትና ዝነበራ ዓድታት እንተይተረፈ ምቅርራብና ምስረአዩ ግልብጥ ኢሎም፤ «ተኣዘዝቲ ምዕራባውያን እኒ ኣሜሪካ ኮይኖም ህዝብና የወድኡዎ ኣለዉ» ክብሉ ይስማዕ ኣሎ! ኩሉ ባዕሎም ይብሉዎ፤ ኩሉ ወዮ ኮይኑ!

ኣነ ብዝፈልጦን ብዝተዓዘብኩዎ ርክባትን ኣንዳዕዲዐ ክምስክረሉ ዝኽእል፤ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ማንም ናይ ወፃኢ ሓይሊ ግዙእ ተኣዛዚ ከምዘይኮነ እዩ!

ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንህዝብናን ንዓድናን እንደልዮ ማእለያ ዘይብሉ ረብሓ እንተሃለወ፤ ካብ ህፁፅ ረድኤት ክሳብ እግሪ ምትካልን ሪፈረንደምን ዘድልዩና እንተኾነ እኳ፤ ሐዚ እግሪ ዝተክል ዘሎ ገለ ርክብ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን፤ ንስትራተጂካዊ ኣካይዳን ረብሓን ትግራይ ዘተርንዕ እምበር ዘሀግር ከምዘይኮነ እዩ!

ኣመራርሓ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ሓደን ሓደ ኣካልን ኮይኑ ዝውስኖ ውሳነ ኮነ ዝወስዶ ስጉምትታት፤ ብናይ ባዕሉ ሕንፁፅ ስልታውን ስትራተጂካውን ኣካይዳ ዝምራሕ እምበር፤ ናይ ማንም ወፃእተኛ ሓይሊ ኢድ ወይ ፅዕንቶ ከምዘይብሉ እዩ ዝርድአኒ!

ብዙ ኣካይዳን ኣፈፃፅማን እዙይ እውን ኢና፤ ናብቱ እነተስፍዎ ብራኸ ትግራይ እንስጉም! ሰላምና ክምለስ፣ ህዝብና ክቐስንን ራህዋ ክረክብን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ብቕልፅምና ዕፅዋ ክስበር ግድን እዩ! እዙይ ድማ እምነትን ተበግሶን ኩሉ መሪሕነት ተጋዳላይን ህዝብን ትግራይ እዩ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ!
ካሳ ሃይለማርያም
ትዊተር: https://twitter.com/kassahmariam
ቴሌግራም: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh

Read More