ለበዋ ፣ ንምሁራት ፣ ንፀሓፍቲ
እዚ ቢቢሲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምጥፋእ ኣስከሬንን መረዳእታ ገበናት ዘርኢ ምፅራይን ከንብብ ከለኹ ትማሊ ምስ መሓዙት ዘዕለልኹዎ ተዘኪሩኒ። ብዛዕባ ስነዳ!!
እሞ ነዛ ለበዋ ክፅሕፍ ተገዲደ።
ኣብ ትግራይ ልዕሊ 276 ናይ ጅምላ መርሸንቲ ዝተኻየደሎም ቦታታት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ። ልዕሊ 120,000 ዝተደፈራ ደቂ ኣንስትዮ ፣ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዝተፈናቐለ ህዝቢ እውን ከምኡ።
ኣብዞም ገበናት ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ድማ በዚ ሎሚ መብዛሕቲኦም ሓራ ዝወፅኡ እዮም።
እሞ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘለኹም ምሁራት ፣ ነዚ ግፍዒታት ዝረኣኹም ፣ ግዳያት በሰላ ዝኾንኹም ፣ ብሂወት ዝተረፍኹም ነቲ ዝነበረ ኩነታት እንተነኣሰ ዋላ ናብ ናይ 100 ገፅ ኣናእሽቲ መፃሕፍቲ ምልዋጥ ከመይ ኢሉ ተፀጊምና?
ግድን ምቾት ፣ ሙሉእ ግዘ ፣ ዓብዪ መፅሓፍን ኣየደልዮን። ውልቃዊ መዘኻኸሪ (Personal Account) ገይርኻ በዓልቲ 50 ገፅ ናይ ጁባ መፅሓፍ እውን ምፅሓፍ ይከኣል እዩ።
ኣብ ቦራ ሰለዋ ፣ ሳምረ ፣ መቐለ ፣ ማርያም ደንገላት ፣ ኣኽሱም ፣ ማሕበረ ዴጎ ፣ ቆላ ተምቤን ፣ ሓውዜን ፣ ደብረ ኣባይን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈፀሙ ግፍዒታት ንሓደ ክልተ ሰሙን ምስቲ ግዳይ ዝኾነ ሕ/ሰብ ኮፍ ኢልኻ ሓቲትኻ ምፅሓፍ ንምንታይ ኸቢዱና?
ወይስ እቲ ብፕሮጀክት መልክዕ ዝበሃል ዘሎ ናይ "መንግስቲ" መፅናዕቲ ኢና ንፅበ ዘለና? ካብ ታሪኽና ኣይንመሃርን?
ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብውልቀ ከይትፅሕፉ ዝብል ሕጊ/ምርድዳእ ክንደይ ከም ዘኽሰረ ፣ ክንደይ ከም ዝጠፍአ ንርደኦ ዲና? ካሊእስ ይትረፍ ናይቲ ቃልሲ ተረኽ ብጀነራላት ደርጊ ብልጫ ተወሲዱ ዓበይቲ መፅሓፍቲ ተፃሒፎም ኣለዉ። ብወገን ትግራይ ግን ኣብቲ ቃልሲ ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ሰባት ሓደ ብሓደ እዚኣ እትበሃል ፅሑፋዊ ኣበርክቶን ውልቀ ተዘክሮን ከየካፈሉ ይጠፍኡ ኣለዉ።
ክንዲ ዝተኽኣለ ተፃሒፉ ፣ ድሕሪኡ ተመራመርቲ ታሪኽ ኣገላቢጦም ፅሒፎም እዩ ታሪኽ ዝፀሪ።
እሞ ብፍላይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘለኹም/ዝነበርኹም ፣ ዓሚ ኣብ በረኻ ሓጊኹም ሎሚ ከተማ ዘለኹም ፣ በቢኸባቢኡ ዘለኹም መምህራንን ምፅሓፍ እትኽእሉን ፤ ዝረኣኹምዎ ፣ ግዳያት ሓቲትኹምን መረዳእታ ኣኪብኩምን ከክንዲ ዝኸኣልኹምዎ ፀሓፉ ፣ ሰንዱ።
ንወለዶታታት ዝንገር ግፍዒ እዩ በፂሑና ፤ ብኡ ልክዕ ንሰንዶ።
|