INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ለበዋ ንህዝብን መናእሰይን መቐለ

ምስ መንበረ ሰላማ ጠጠው ንበል!

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ማትያስ ልኡኽን ሓገዝን ሒዞም ፅባሕ ንጉሖ መቐለ ክኣትዉ እዮም:: ምስኦም ድማ ንገበነኛታት ጀኖሳይድ ትግራይ ዝኾኑ ኣባላት ሲኖዶስ ሽዋ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለየ ኣካላት ዝተዋፃፅኡ ውልቀሰባት ክመፁ እዮም::

ልኡኽቶ እዙ ጉጅለ እውን
1. ጉባኤ ጳጳሳት ትግራይ ከፍርስ
2. መንበረ ሰላማ ከፍርስ
3. እቱ ተሓሲቡ ዘሎ ስሜተ ጵጵስና ከትርፍ
2. ንዙይ ንምትግባር ድማ ጳጳሳት ትግራይ ብሕብረት ዘይኮነስ ከፋፊሎም ብብርኪ ሃገረ ስብከት በብውልቂ ምስ ሲኖዶስ ዝርርብ ንምግባር ዝዓለመ እዩ::

እኒ ጴጥሮስን ኣብርሃምን ሓዊሱ እቶም ቀንዲ ንፅንተት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ዝኣወጁ፣ ዝመርሑ፣ ገንዘብ ዘተኣኻኸቡ፣ ክሳብ ቅድመ ግንባርን ኣስመራን ተዋፊሮም ዘፈፀሙ፣ ኣመራርሓን ኣባላትን ሲኖዶስ ሽዋ ግን ንዙይ ዝመፅእ ዘሎ ጉጅለ ልኢኾም ንሳቶም ንመቐለ ኣይመፁን::

ካብኣቶም ውሽጢ ኣቡነ ፊሊጶስ ዝብሃል ቀንዲ ገበነኛ ፅንተት፤ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስተ ስላሰ ንዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ መምህራንን ሊቃውንተ ቤተክርስትያንን ምስ ሰራሕተኛታት ቢሮን ብሙሉኦም ዘባረረ፣ ዘሳደደ፣ ዝእሰረ ዕሉል ገበነኛ ውልቀሰብን ካልኦት ኣባላትን ሲኖዶስ ሽዋ ግን ምስ ቅዱስ ኣቦና ብጉሓቱ መቐለ ክኣትዉ እዮም::

ብሓፈሻ እዙ ልኡኽ ሲኖዶስ ሽዋ ብጀኖሳይድ ትግራይ ዝጠልቀየ ዝሕተት ገበነኛ ስለዝኾነን፤ ንተልእኾ መንበረ ሰላማ ከዐንቅፍ ዝመፅእ ዘሎ ብምዃኑን፤ ኣብ መቐለ ኣብ ዝኣተዉዎ ቦታ ኹሉ፤ ንዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ዝፈፀሙወን ገበናት ፅንተት ኣመልኪቱ ብህዝብን መናእሰይን መቐለ ክሕተቱ ይግባእ! ምስ'ዙ ጉጅለ ጋዜጠኛታት እውን ይመፁ ስለዘለዉ ህዝቢ ትግራይ ናይ ተቓውሞ ድምፁ ከስምዕ ይግባእ!

--------

1. ከም መራሕቲ ሃይማኖት እንተይኮነስ ከም ፖለቲከኛታት፤ ኣብይ ኣሕመድን ሳህለወርቅ ዘውዴን ሕዳር 2013 ኣብ ኣዳራሽ ስብከተ ወንጌል ጠቅላሊ ቤተክህነት ኣብ ዝመርሑዎ ኣኼባ፤ ጳጳሳት ኣባላት እዙ ሲኖዶስ፤ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝካየድ ወራር ፅንተት ኣመልኪቶም፤ «…ከመከላከያ ሰራዊት ጎን እቆማለሁ» «መከላከያ እያካሄደ ያለው ሕግ የማስከበር ዘመቻ ትክክል ነው…» ክብሉ ብሙሉእ ድምፂ ዘሕለፉዎ ውሳነ፤

2. ኣባላት እዙ ሲኖዶስ ዝኾኑ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጳጳሳት ኢትዮጵያ፤ ንምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ገንዘብ ሓግዙ ኢሎም ብመሰረት ዝገበርዎ መፀዋዕታን ጎስጓስን፤ ሕድሕድ ኣብያተክርስቲያናት ንፅንተት ትግራይ ሙሉእ ደገፍ ክውፍያ ዝገበሩዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ንኽፀንት ኣብ ኣደባባያት ዓለም ወፂኦም ንተግባር ወራር ኣብይ ኣሕመድ ብምድጋፍ ዝመርሑዎ ገዘፍቲ ሰልፍታት፤

3. እዙ ወራር ፅንተት ተጠናኺሩ ንኽቕፅል፣ ሰብአዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንኸይኣቱ፣ «ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ቶኽሲ ጠጠው ኣብል ተደራደር ኣይትበልዎ፣ ጁንታ መፍረሲ ሃገር እዩ፣ እዙ ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ስለዝኾነ ኣሜሪካ ኣብ ሉአላውነት ሃገርና ኣይትእተዊ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ ዝብሃል ወረ ሓሶት ጁንታ እዩ… ወዘተ…» ብምባል፤ 13 ጳጳሳት እዙ ሲኖዶስ ናብ ዋይትሓውስን ስቴት ዲፓርትመንትን ኣሜሪካ ከይዶም ጥርዓን ምቕራቦም፤

4. ኣብ 2014 ዓ.ም ኣኼባ ሲኖዶስ ንዞም ፅንተት ትግራይ ደጊፎም ናብ ዋይትሓውስን ስቴት ዲፓርትመንትን ከይዶም ጥርዓን ንዘቕረቡ 13 ጳጳሳት፤ «የኢትዮጵያ የቁርጥ ቀን ልጆች! መልካም ምሳሌ» ዝብል ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋኅዶ ቤተክርስቲያን ዝለዓለ ደብዳቤን ሰርተፍኬትን ኣፍልጦ ምርካቦም፤

5. ብ2014 ካብ ጠቅላሊ ቤተክህነትን ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባን፣ ካብ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣብያተክርስትያናት፤ ዝተኣኻኸበ ገዚፍ ገንዘብ ብውሳነ እዙ ሲኖዶስ ወፃኢ ተገይሩ፤ ንቱ ብኵናት ፅንተትን ሙሉእ ዕፅዋን ዝበረሰን ብጥምየትን ሕማምን ይፀንት ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ገዲፎም፤ ካብ ደብረብርሃን ኣትሒዙ መላእ ኣምሓራን ክልል ዓፋርን ዝጠመተ፤ «ወራሪው ጁንታ ተጠራርጎ ስለወጣ፤ በወራሪው ጁንታ ሃብት ንብረቱ ለተዘረፈው ህይወቱን ላጣው ሕዝባችን እንድረስለት» ብዝብል መምርሒ እዙ ሲኖዶስ፤ ካብ ጳጳሳት፣ ሰባክያን መነኮሳትን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ዝተወፃፅአ ገዚፍ ጉጅለ ንሰሙናት ወፊሩ፤ ረድኤት እናሓገዙ ህዝቢ ክነፅናንዕ ብዝብል፤ ኣብ'ዘን ከባቢታት ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ እናካየዱዎ ዝቐነዩ ጎስጓስ፤

6. ንቶም ዓሰርተታት ኣሽሓት ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ ምዕራብ ትግራይ ብዝምልከት፤ ካብ ኢትዮጵያ ምኻድ ይትረፎም፤ እቱ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዘሎ ሃገረ ስብከት እኳ፤ ስዱድ ህዝብና ኣብ ዝተዓቀቦ ቦታ ኮይኑ ሰብኣዊ ረድኤት ክረክብ ክሕግዙዎን ከተሓባብሩን ኣይኮነን፤ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ንኸየካይድ እኳ ታቦት መሳቕልን ንዋየ ቅዱሳትን ከይረክብ ዝገበሩዎ፤

7. ሊቀ ጳጳስ ምዕራብ ትግራይ ምስ'ዙ ሲኖዶስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐሚጦም፤ ንሓንቲ ማዕልቲ እኳ ኣብ ሃገረ ስብከተይ ህዝበይ ይፀንት ኣሎ፣ ምእመናን ካህናት ምዕራብ ትግራይ ኣበይ ኣለዉ፤ መነኮሳት ዋልድባ ኣበይ ኣለዉ እንታይ ዓይነት ግፍዒ በደል ተፈፂሙዎም፤ ኣብያተክርስትያናት ምዕራብ ትግራይ ከመይ ኣለዋ፤ ኢሎም ብፅሑፍ ይኹን ብቃል ድምፆም ዘይምስምዖም ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ንሃገረ ስብከት ምዕራብ ትግራይ ንደባርቅ ጎንደር ኣረኪቦም ብኣምሓሩ መገልገልቲ ክትክኡ ምግባሮም፤

8. ኣባ ዕንባቆምን ኣምሓሩ መነኮሳትን ምስ ኮሚዩኒቲ ኣምሓሩ እስራኤል ብሓባር ኮይኖም ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ኣትሒዙ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ መነኮሳት ፓስፖርቶም ኣሕዲጎም፣ ሰብአዊ መሰሎም ቀንጢጦም፤ ቤተ ክርስቲያን ኣቲኻ ምቕዳስ ኣይኮነን ከም ምእመናን ኣብ ደጀሰላም ከይቐርቡን ስጋ ወደሙ ወልደ እግዚአብሔር ከይቕበሉን፣ ኪዳን ከየብፅሑ ምኽልኦም፤

9. እዙ ሲኖዶስ ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ ክሳብ 2015 ግንቦት ርክበ ካህናት ንጥርዓን እዞም ተወለድቲ ትግራይ መነኮሳት እየሩሳሌም ምላሽ ክህብ ኣይኮነን ጥርዓኖም ክሰምዕ ምፅያፉ፤ ካብ'ዙይ ሓሊፉ ኣባ ዕንባቆም ምስ'ዙ ሲኖዶስ ኮይኑ 14 ኣምሓሩ መነኮሳት ናብ እየሩሳሌም ወሲዱ እንተብቅዕ፤ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ማትያስ ንዙ ኩነታት ኣመልኪቶም ንዘቕረቡዎ ሕቶ ድማ፤ «ንስኻ ንኣይ ኣይትእዝዘንን፤ ዝደለኹዎ ክገብር መሰል ኣለኒ» እንትብል ብደብዳበ ፀያፍ መልሲ ምሃቡን እዙ ሲኖዶስ እውን ተሓባባሪ ምዃኑን፤

10. እዞም ሲኖዶስ ሽዋ ናይ እማን ኣቦታት ሃይማኖት እንተኾይኖም፤ …ህዝቢ ትግራይ ኣለኻዶ ብህይወት ተሪፍካዶ ኢልካ ምጥያቕዶ ይቕድም፤ ወይስ መንበረ ሰላማ ኣብ ኣኽሱም መሊሱ ምትኻሉ ጭንቂ ኮይኑዎም ውዲታት ክፍሕሱ ኣለዎም? ምእመናን ዘይብሉ እምነት እንታይ እዮም ክገብርዎ?

11. ኣብ ኣኽሱም ፅዮን፣ ማርያም ደንገላትን ሙሉእ ትግራይን ንዝተጨፍጨፉ ምእመናን፣ ካሕናት ዲያቆናት፣ መነኮሳት ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት፣ ንዝተዓመፃ ኣዴታት ኣሓት መነኮሳት ደናግል፣ ድምፂ ኮይኖምዎም ዶ ወይስ ኣብ ሚዲያ ወፂኦም፤ «ከምኡ ዓይነት ዝተፈፀመ ግፍዒ የለን» ዶ ኣይበሉን፤

12. እዙ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝመረሮም ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ማትያስ ድምፆም ንማሕበረሰብ ዓለም እንተስምዑ፤ እዙ ሲኖዶስ ናብ ሚዲያ ወፂኡ፤ «... የፓትርያርኩ የግላቸው መግለጫ ነው እንጂ ሲኖዶሱን ኣይወክልም…» ዝበሉዎኸ፤

13. ተወለድቲ ትግራይ ስለዝኾኑ ጥራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጁንታ ተባሂሎም ብዙ ሲኖዶስ ተሃዲኖም ዝትኣሰሩ ዝተሳደዱ ሊቃውንተ ቤተክርስትያን፣ ኣብ መላእ ኣዲስ ኣበባ ኣድባራት ኣብ ዝተፈላለየ ግልጋሎት ኣብያተክርስትያናት ዝነበሩ ካብ ሰራሕተኛታት ፅሬትን ዋርድያን ክሳብ መነኮሳት ካህናት ዲያቆናት ደመወዞም ተኣጊዱ ዝተባረሩ ዝተኣሰሩኸ፤ ጠቅላሊ ቤተክህነት ምስ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ብቕሉዕ ዝፈፀሙዎ በደልኸ፤

14. ኣብ ገዳማት ትግራይ ብዝተዋደደ ወፍሪ ዝበፅሐ ዕንወት፣ ዝተወረረ ቅዱሳን መፃሕፍቲ፣ ንዋየ ቅዱሳን ቅርስን ንብረትን ኣብያተክርስታያናት፤ ብኣተሓባባርነት እዙ ሲኖዶስ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ሰፊሩ ዘሎን፤ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ወፂኡ ይሽየጥ ዘሎንኸ፤

15. ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስተ ስላሰ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ መምህራንን ሊቃውንተ ቤተክርስትያንን ምስ ሰራሕተኛታት ቢሮን ብሙሉኦም ብዙ ሲኖዶስ ሽዋ ካብ ስራሕ ምብራሮምኸ፤

ህዝቢ ትግራይ ከም'ቱ ውዲቶም መሊኡ ኣይፀነተን እምበር፤ እዙ ሲኖዶስ ሽዋ ምስ ኩሎም ልፍንታውያን ሓይልታት ተዋዲዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ግፍዕን በደልን ፀብፂብካ ኣይውዳእን፡፡ ንዙ ገበኖም ድማ ኣብ ኣደባባይ ክሕተቱ ኣለዎም!!

ኩሉ ተወላዲ ትግራይ በብእምነቱ ማሕበራዊ ሰረቱ ኣደልዲሉ፤ ምእንተ ህላውኡ ምስ መንበረ ሰላማ ጠጠው ክብል ኣለዎ!