INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባቢኣን ከመይ አሎ?

(ካብ ኣሕፈሮም)

∗ ኩነታት ትግራይን ምጥያሽ ጊዚያዊ ምምሕድዳርን

∗ ኩነታት ኣምሓራን ብልፅግና ኣምሓራን

∗ ኩነታት ኦሮምያን ብልፅግና ኦሮሚያን

1. ኩነታት ትግራይን ምጥያሽ ጊዚያዊ ምምሕድዳርን

ተጋሩ ብዛዕባ ጊዚያዊ ምምሕድዳር ምጥያሽ ጥራሕ እናዘተናን ኣብ'ዙ ኣጀንዳ እዙይ ጥራሕ ተፀሚድናን፤ ብዙሓት ግዘ ዘይህቡ ጉዳያትን ረብሓታትን ትግራይ ንጎኒ ዕሽሽ ኢልናዮም ንርከብ፡፡

∗ ባዕዳዊ ሓይልታት ሐዚ እውን ካብ ትግራይ ኣይወፁን

∗ ኣብ ምዕራብ፣ ክፋል ሰሜን ምዕራብ፣ መሬት ኢሮብን ካልኦት ከባብታትን ዝርከብ ህዝብና ሐዚ እውን ብፀላእቲ እናተበሳበሰ እናተገፍዐ ይርከብ

∗ ዝተፈናቐለ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ክጣየሽ ኣይከኣለን

∗ ትግራዋይ መንነቶም ገበን ኮይኑ ካብ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር፣ ካብ ሃገራዊ ደሕንነት፣ ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ፖለቲካዊ ኣመራርሓታትን፤ ብኣልማሚት ተሓፊሶም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ሕሱም ቀይዲ ተዳጕኖም ዝማስኑ ዝግፍዑ ዝቕተሉ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፖለቲካዊ እሱራት ተጋሩ ኣይተፈትሑን

∗ ሰብኣዊ ሓገዝ ብጠብጠብ ገይርካ ህዝብና እኹል ምግብን መድሓኒትን ብዘይምርካቡ፤ ብጥምየትን ስእነት ጥዕናን ዝሳቐን ዝመውትን ትግራዋይ ሚልዮናት እዩ

∗ ገበን ኵናት ጆኖሳይድ ዝተፈፀመልና ህዝቢ እናሃለና፤ ማሕበረሰብ ዓለም ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን መርመርቲ ኣጣዪሹ ይፃረ ዝበሎ መርገፂኡ፤ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዕሽሽ ክበሃል እንተሎ፤ ንሕና ኣጀንዳና ኣብ ጊዚያዊ ወምበር ክንገብር ተገይሩ ንዘናጋዕ ኣለና

∗ «ባጀት ዝልቀቕ ጊዚያዊ ምምሕድዳር ክጣየሽ እንተሎ እዩ» ኢልካ፤ ተፃዲፍካ እትገብሮ መንነትካ ሸይጥካ፤ ወይ ህዝቢ ብሰንኪ ምጥያሽ ምዝንጋዕ ጠሚና ኢሉ ብጊዚያዊ ምምሕድዳር ተኣምር ከምዝፍጠር ኣምሲልካ፤ ነንሕድሕድና ክንፈላለን ክንጓነፅን ብዝዓለመ ክንኸይድ ገፊሕ ዘመተ ይካየድ ኣሎ

∗ ንግድን ናፃ ምንቅስቓስ ህዝብን ገና ብዕሊ ኣይተኸፈተን

∗ ክለዓል ዝተብሃለ ክስታት ተጋሩ ኮነ ኣዋጅ ግብረራዕዲ ህወሓት ኣብ ክንዲ ክልዓል መትሐጃ ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ

∗ ብሓፈሻ ተፋሒሱ ዝፍፀም ዘሎ ሸርሒ ዕፅዋን ክባን ዘናውሕ መስርሕ ኮይኑ፤ ኣብ ክንዲ ብድርድር ብፅዕንቶ ክተፍፅም፣ ፖለቲካዊ ዲያሎግ ክርሳዕ፣ ብብዓልና ብዘይ ናይ ደገ ሞንገኛታት ክንውድኦ ብዝብል ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዝነበሮ ቃልስን ድርድርን መኺኑ፤ ረብሓን ህልውናን ህዝብና ውሕስ ከይኸውን ዝገብር ከይዲ እዩ ዝርአ ዘሎ፡፡

ንምዃኑ ከይዲ እዙ ንኹሉ መቐየዲ ምኽንያትን ኣጀንዳን ኮይኑ ዘሎ ጊዚያዊ ምምሕድዳር ትግራይ እንታይ እዩ?

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያን ናይሮቢን፤ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ካብ ዝተበፅሐ ስምምዕ፤ ኣብ ትግራይ ጊዚያዊ ምምሕድዳር ንኽጣየሽ፤ ክጣየሽ እንተሎ ድማ ክልቲኦም ተፈራረምቲ ብዝተረዳድእሉ ክኸውን ዝብል እዩ::

ናይ'ዙ መቐፀልታ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣህመድ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ሞንጎ ንሰላም ዝተፈራረሙ ሓይልታት ምትእምማን ንምጥንኻር ብዝብል ርክብ ዘተ ተገይሩ፡፡ ብዙ ርክብ እውን ግልጋሎት ባንኪ ተጠናኺሩ ክጅምር፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብፃዕቒ ኣብ ትግራይ ምንቋጥ ገዲፉ ናብ ካሊእ ከባቢታት ክወፍር ዝመሳሰሉ ኣዎንታዊ ስጉምቲታት ተጀማሚሩ፡፡

ብዘይካ ኣብ'ቶም ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ሓይልታት ዘለዉ ከባቢታት ትግራይ፤ ኣብዝሓ መሓውራት ዞባን ወረዳታትን ትግራይ ነናብ ቦተኦም ክኣትዉ ብተግባር ተፈፂሙ እንተኾነ እኳ ስራሕ ኣይጀመሩን፡፡ ዘይጀመሩሉ ምኽንያት ድማ ብብልፅግና ንጊዚኡ ተመዲቦም ዝነበሩ መመሓዳደርቲ ኣብ ምርኽኻብ ስለዝተጓተተ እዩ ዝብል እዩ፡፡

ጊዚያዊ ምምሕድዳር (ስግግር መንግስቲ ኣይኮነን) ኣብ ምጥያሽ ግልፅነትን ኣሳታፍን ምእንታን ክኸውን፤ ጊዚያዊ ምምሕድዳር ብኸመይን እንታይ ለውጢ ይገበር ኣብ ዝብል፤ ተፈራረምቲ እቱ ስምምዕ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይን ዘትዮም ኣብ ምርድዳእ በፂሖም፡፡ ብመሰረት ኣብ ሞንጎ እዞም ተፈራረምቲ ዝተበፅሐ ምርድዳእ፤ መንግስቲ ትግራይ ንቱ መስርሕ ክመርሖ ግድነት ኣለዎ፡፡

ብዙ መሰረት ሓሳብ ዘተኣኻኽብ፣ ንዙ ከይዲ ዘማዓራሪ ኮሚቴ የድሊ እዩ ዝብል ምርድዳእ፤ ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስተበፅሐ፤ መራሒ መንግስቲ ትግራይን ኣቦወምበር ህወሓትን ዝኾነ ዶ/ር ደብረፅዮን ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ኮሚቴ መዚዙ፡፡ ብውልቀሰብ ይኹን ከምኣካል፤ ኣባላት እዙ ኮሚቴ ኣብ ቃልሲ መኸተ ዘርኣዩዎ ንጥፈት፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ክብሪ ዘለዎምን፣ ነፃ ኮይኖም ቅዋም ክወስዱ ዝኽእሉ እዮም ኢሉ ዝኣመነሎም መዚዙ፡:

ልኡኽቶ እዙ ኮሚቴ ድማ፤ መስርሕ ምጥያሽ ጊዚያዊ ምምሕድዳር ዝበለፀ ኮይኑ ዝፍፀመሉ ኣንፈትን ኣወዳድባን ተማኺሮምን ካብ ህዝቢ ሪኢቶ እታዎት ኣኪቦምን ንዝምልከቶ ኣካል ምቕራብን፤ እንታይ ለውጢ ገይርና ጊዚያዊ ምምሕድዳር ነጣይሽ ዝብል ናይ ለውጢ ሓሳብ ምምንጫውን እዩ፡፡ እንታይ እንተተገይሩ ብዝሐሸ ንህዝብና ተረባሒ ክንገብሮ ንኽእል ኢሉ ሓሳባት ክእክብን ክዝትይን ምእንታን፤ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ ትግራይ ብቐጥታ እናረኸበን ብነፃ ሓሳባቶም ክገልፁ ምግባርን እዩ፡፡ ዛጊድ ድማ ብዙሕን ጠቓምን ሪኢቶታት ኣተኣኻኺቡ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፤ ኣብ ሓፂር ጊዜ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ዲያስፖራን ነፃ መድረኻት ተጋሩ ኸፊቱ ዘኹርዕ ስራሕ ሰሪሑ ስለዘሎ፡፡

ንዙ ኮሚቴ ኣብ ክንዲ እንታይ ይደልን እንታይ ሪኢቶ ንሃቦ ዝብልን፤ ተቐራሪቦም ብምስራሕ ዝኣምኑሉ ሃናፃይ ሪኢቶን እታወትን ኣብ ክንዲ ምሃብ፤ «ተላኣኣኽቲ ህወሓት» ኢልካ ስማስም ብምሃብ፤ ኣብ ምፅላም ዝተዋፈሩ ወገናት ይረኣዩ ኣለዉ፡፡ ብዙይ እውን እዙ ኮሚቴ ረኺብዎ ንዘሎ ተቐባልነትን ናእዳን ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ክሽርሽሩ ፅዒሮም፡፡ ኣብ ቃልሲ መኸተ ዝነበሮም ንጥፈት፣ ዓቕምን ህዝባዊ ተኣማንነትን ኣብ ግምት ኣእትዩ ንዙ ሓላፍነት ክዋፅኡ ይኽእሉ እዮም ብዝብል ምትእምማን ንዝተጣየሸ ኮሚቴ፤ ካብ መፈለምትኡ ውፅኢት ስርሖም ገና ብዕሊ እንተይተርኣየ ስማስም ምሃብ፤ ንቱ መስርሕ ንምዕንቃፍን ንከይዲ እቱ መስርሕ ንድሕሪት ንምምላስን ምፍታን እዩ ዝብል ቅዋም ኣለኒ፡፡

ጉዳይ ትግራይ ዝፍታሕን ህዝብና መሰሉን ረብሑን ዝረጋገፀሉ፤ ብምትፍናንን ምንቛርን ብፖለተካዊ ሓይልታትን ልሂቃንን ትግራይ እንተይኮነስ፤ ኣብ ሓባራዊ ኣጀንዳ ትግራይ ተቐራሪብካ ብምስራሕ ጥራሕ እዩ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ኣለኒ፡፡

ኣብ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ መን ሓላፍነት ይረክብ ንዝብል፤ እቱ ዝተጣየሸ ኮሚቴ መኺሩ ምስኣምፅአን ዝምልከቶም ኩሎም ኣብ ዝሳተፉሉ ኮንፍረስ ምርድዳእ ምስተበፅሐን፤ ብድሕሪኡ ንቱ ኮሚቴ ዘጣየሸ ዝምልከቶ ኣካል ኣፅዲቑ ተግባራዊ ዝኸውን እዩ፡፡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከም'ቱ ስሙ ጊዚያዊ እዩ፤ ጊዚያዊ ለውጢ እዩ ዝገብር፡፡

እቱ ዓብይን ሰፊሕን ለውጢ ዝግበር፤ እቱ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣጣይሽና ክረጋገፁ ዘለዎም ረብሓታት መሰልን ክብርታትን ትግራይ ኣኽቢርና፤ መዐገስን እኹል ምድላውን ገይርና፤ ስሩዕ ተሳትፎ ህዝቢ ዘለዎ ሰፊሕ ክትዓት ተኻዪዱ ብዝዕመም ህዝባዊ መረፃ ስለዝኾነ፤ ህድእ ኢልና ኩሉ ነገር ኣስተውዒልና ሐዚ ንዘሎ መድረኽ ንርአዮ፡፡

ደው ኢልና ምጥያሽ ጊዚያዊ ምሕደራ ክንፅበን ክንናቖርን፤ ንቱ ህዝባዊ ቃልሲ ደው ኣቢልናዮ፡፡ ከም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅድሜና ዝተፍሓሰ መፃወድያታት እናርአና ኣስተውዒልና እናፈተሽና ተናቢብና ንሰድር ንሰጉም፡፡ ሰላማዊ፣ ፍትሓውን ግቡእን ቃልስና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ነሳልጥ፡፡ ሓድነትና ካብ ዝዘርግ ኩነታት ንርሓቕ፤ ኮነ ኢሎም ንዝዘርጉና ድማ ዓገብ ግበሩ ኢልና ብትረት ንቃለሶም፡፡

2. ኩነታት ኣምሓራን ብልፅግና ኣምሓራን

መንግስቲ ኣምሓራ ካብ መፈለምትኡ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብቕንዕና ኣይተቐበሎን፡፡ ብቐጥታ እንተዘይተቓወሞ ብተግባር ወራሪ ሓይሉ ካብ ትግራይ ብዘይምውፃእን፤ ህወሓት ከይጠፍአ ንምንታይ መንግስቲ ኣብይ ኣህመድ ይፍርም ብዝብል፤ ብብዙሕ መንገድታት ንቱ ስምምዕ እናነፅጎ ፀኒሑ እዩ፡፡

«ህወሓትን ኣብይን ብሓባር ኮይኖም ኣንፃረይ ሸርሒ ይፍሕሱ ኣለው» ብምባል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ግምባር ፈጢሮም ስልጠናታትን ካልኦት ምድግጋፋትን ቀፂሎምሉ እዮም፡፡ ኣብ ቀረባ ድማ ናይ ፈራሕ ዝመስል መግለፅታት በፓርትን ብመንግስቶምን ኣሽሙራት ዝበዝሖ፤ ካብ ብልፅግና ክንወፅእ ኣለና ዝመስልን፤ ኣይጥርዓን ኣይውሳነ ብልሓቱ ዝጠፍኦ መግለፅታት የጋውሑ ኣለዉ፡፡ ኣብ ጎንደር ድማ «ኵናት ክንቕፅል ኢና ክንማወት ኢና» ኢሎም ወሲኖም ይበሃል ኣሎ፡፡

ንምንታይ እዩ ዕግርግር መንግስቲ ኣምሓራን ብልፅግና ኣምሓራን ሐዚ ተጋዲዱ?

∗ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣይተቐበልዎን

∗ መንግስቲ ኣብይ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኩሎም ክልላት ናብ ማእኸል ክጥርንፍ ምሕሳቡ፤ ካብ ትግራይን ኦሮሞን ዝመፀና ስግኣት ከመይ ክንምክት ንኽእል ብምባል ይቃወምዎ ኣለዉ

∗ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ንምኽፍፋል ብመንግስቲ ኣብይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ንኣምሓራ ምድኻም ኮነ ኢሉ ዝተገበረ ስጉምቲ እዩ ብምባል ኣብ ስግኣት ወዲቖም ይርከቡ

∗ ኣብ ፌደራል ኣምሓራይ ሓደ ብሓደ ካብ ቁልፊ ስልጣን ይግለል ኣሎ ዝብል ቅሬታ ኣለዎም፡፡ ኦሮማራ ፈሪሱ ብተጋሩ ንትካእ ኣለና፣ ኦሮሞ ኪሒዶምና ብዝብል ኣብ ኦሮሞ ፅልኣት ኣለዎም

∗ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣምሓራ እውን መሳርሒ ማእኸላይ መንግስቲ ኮይንና ፀኒሕና እቱ ህዝቢ ኣይቅበለናን፤ ከም ከደምቲ ኢና ንረአ ዝብል ስግኣት ኣለዎም፡፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ፋኖ ኣሲርና ብማእኸላይ መንግስቲ ግና ተጠሊምና ዝብል ቅሬታን ተቀባልነት ስኢና ዝብል፤ ምስኣን ዓርሰ እምነትን እውን ስለዘለዎም እዩ፡፡

መወዳእትኡ ናበይ የምርሕ? ንዝብል ሕቶ ገና ግዘ ሂብካ ክረአ ዝግብኦ እንተኾነ እኳ፤ ካብ ፈኸራ ዝሓልፍ ኣይመስልን፡፡ እንተገደደ ኣብ መንጎኦም ኸፋፊሉ ክቆፃፀሮ ዝኽእል ይመስል፡፡

3. ኩነታት ኦሮምያን ብልፅግና ኦሮሚያን

ሕንፍሽፍሽ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ቀደሙ እውን ኮነ ተባሂሉ ኣጀንዳ ህዝብታት ማእዘኑ ንምቕያር ዝተወጠነን ዝተፈፀመን ውዲት እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ፈጣርን መራሕን እቱ ቅልውላው ኣብይ ኣህመድ ባዕሉ ኣብ ዝደለዮ ሰዓትን ብዝደለዮ መንገድን ጠጠው ክብልን ክዝሕልን ማእኸላይ ሽማግለ መሲሉ፤ «ኣንተም ተው ኣንቺም ተይ» ኣምሲሉ፤ ዝበተኖም ኣባጊዕ ኣኻኺቡ ኣዝሒሉዎ፡:

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ንኦነግ ፃውዒት ሰላማዊ ድርድር ኣቕሪቡ አሎ፡፡ ኦነግ ድማ ንቱ መፀዋዕታ ተቐቢሉ፤ እቱ ድርድር ግና ዘይሻራዊ ዓለምለኸ ሞንጎኛታት ኣብ ዘለዉዎ፤ እሞ ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራል ክገብር ጠሊቡ ኣሎ፡፡ ንምንታይ ሐዚ ድርድር?

∗ ብልፅግና ኦሮሚያ ምስ ብልፅግና ኣምሓራ ኣብ ፍሕፍሕ ስልጣን ስለዝኣተዉ፤ ሓድነት ኦሮሞታይ ብምትእኽኻብ ዓቕሚ ንምፍጣርን፤ መንግስቲ ኣብይ ናይ ኦሮሞ መሰረቱ ስለተሸርሸረ ናብ ቦትኡ ንምምላስን ዝሃቀነ እዩ፡፡

∗ ኣንፃር ኦነግ እናተኸየደ ዝፀንሐ ኵናት ናይ መወዳእታ እናተብሃለ ንሰለስተ ግዘ ተፈቲኑ ውፅኢት ኣየምፀአን፤ ብኣንፃሩ ኦነግ እናተጠናኸረ መፅዩ ኣሎ፡፡ ብዙ ምኽንያት ዕርቂ ገይርኻ ሰላም እናሰበኽካ፤ ብኻሊእ መንገዲ ንቱ መኸተ ምድኻም ንኽእል ኢና ካብ ዝብል ለውጢ ኣንፈት እዩ፡፡

ተግባራዊ ይኸውን ዶ? ግዘ ሂብካ ዝረአ ኮይኑ፤ ግዳማዊ ሓይልታት እንተይተሓወስዎ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ኢልካ ንምግማት ኣይከኣልን፡፡

ክብርን ሞግስን ህይወቶምን ኣካሎምን ከፊሎም ናብዙይ ንዘብፅሑና ጀጋኑና!

Telegram: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh