INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኩሉ ተመራሒ ዶስ ኩሉ መራሒ!

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምፅናት ወፍሪ 500 መአልታት አቑፂሩ አሎ:: ነዚ በዲህኻ ንምውፃእ መንዩ ተሓታቲ? መንዩ ከሳሲ መን ተኸሳሲ?

ብዓይነቱን መጠኑን አብ ዓለምና ካብዝተርአዩ ናይ ጆኖሳይድ ፍፃመታት ዝኸበደን መግለፂ ዝተስአኖን ጥፍአት ይበፅሕ አሎ : ነዚ ንምብዳህ ድማ ሰራዊት ትግራይን ደጀን ህዝብና ብዝከአሎ ኹሉ ይቃለስ አሎ::

አብ ዳያስፖራ ዘለና ተጋሩን ውሑዳት ፈተውቲ ህዝብናንውን ዝተወሰነ ስራሕቲ ወጊና አለና: እንተኾነ ግና ምስቲ ዝበፅሕ ዘሎ ፀገምን እንገብሮ ዘለና ፃዕርን አይተመጣጠነን::

ነዚ ከምዚ ዝበለ ዘይሓልፍ ዝመስል ናይ ቃልሲ መደረኽ ብዓወት ንምዝዛም: ቅድም ቀዳድም አቕምኻን ብፅሒትካን ምፍላጥን ምልላይን ይሓትት::

ክሳእ ሕዚ ብዘለኒ ትዕዝብቲ ገለ ውሑዳት ውልቀሰባት ነቲ ቃልሲ ዝሕግዙ መሲሎም ንውልቀ ተፈላጥነት ዝያዳ ዝግደሱ ይመስለኒ:: አብ ወሰንቲ ክትዓትን መድረኻትን ፍሉያት ጠበቓታት ህዝቢ መሲሎም ምስቀረቡ እቲ ህዝቢ ይአምኖምን ይኽተሎምንሞ ፅንሕ ኢሎም ናብታ ህዝበኛ (populist) ባህርዮም ይምለሱ: ህዝቢ የደናግሩ::

አብ ከምዚ ዝበለ ዘጭንቕ እዋን ዝያድ ዘጭንቕን ዘጠራጥርን አጀንዳታት እናመዘዙ ብሚዲያን ብፅሑፍን ይዝርግሑ::

እዚ ከምዚ ዝበለ ፈተናታት ክንብድሆ እንኽእል ቅድሚ ኹሉ ዓቕምናን ስራሕን ብምፍላጥ እዩ::

1. አብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋ ክኽፈት ዝኽእል ብወታደራዊ መዳይ ጥራሕ እንተኾይኑ ነቶም ሙኩራት መራሕትን ተጋደልትን ንገድፈሎም፤ አብታ ባይታ ዘሎ ፀላኢ ዓቕሙን አቀማምጥኡን ብድሕሪኡ ክመፅእ ዝኽእል ሓጋዝን መላፍንትን ምምዛን ዝከአል በቶም ወታደራዊ ስለያታት አቢልካ እትረኽቦ ሓበሬታ ምስ ዘለካ ዓቕሚን ተኽእሎን ገምጊምካ ፤ መደብ አውፂእካ ፤ ንዑኡ ዝኸውን ስልጠናን ሎጂስቲክስ አዋዲድካ ክትወፍር ዘኽእል ምድላው ትገብር ፤ እዚ ናትና ስራሕ አይኮንነ አይምልከተናን::

2. ነዚ ውታደራዊ ምድላው ምስ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ኩነታት ክዋደድ ድማ ምስ መንግስትን ውድብን ዘተን ምርድዳእን የድሊ ይመስለኒ:: ስለዚ ወታደራዊ ምድላው ጥራሕ እኹል አይኮነን ማለት እዩ: ነዚውን ነቲ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስትን መማኽርቱን ዝምልከት ይኸውን ::

3. ነዚ ውታደራዊን ዲፕሎምሲያውን ስራሕቲ ምስተገምገመ ደጀን ህዝብኻ ናይ ምልዕዓል ስራሕቲ የድሊ፤ አብቲ ህዝባዊ ኹናት ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝለዓለ ትርጉም ስለዘለዎ: ካብ ስንቂ ምቕባል ክሳዕ ጉድአት ኳናት ምሕብሓብ ዘሎ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ዝተዋደደ ናይ ህዝቢ ምንቅስቃስ የድሊ : እዚ ነቲ መንግስቲ ዝመርሖ አብ ውሽጢ አዲ ዘሎ ህዝቢ ዝምልከት ይኸውን::

4. አብ ዳያስፖራ ዘለና ተጋሩ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕትና ዝምልከቱ ከም አብ ሰላማዊ ሰልፊ ፤ ወፍሪ ትዊትን ፐትሽንን ንነጥፍ:: ናይ ገንዘብን ማቴርያልን ሓገዛት ነተአኻኽብ፤ ካብ መንግስቲ ትግራይን ተወከልቱን ብዝወሃበና አንፈት ምስ ውሽጢ አዲ ዝተሳነየ ስራሕቲ ንዓምም::

አብዘን ዝተጠቐሳ ሓፈሻዊ ነጥብታት ብዙሕ ዝርዝር አለወን ፤ አብ ሚዲያ ወይ ሶሽል ሚዲያ ዝነጥፍ ፤ ውዳበታት ዝመርሕ፤ በዓል ሙያ ፤ ኹሉ ዳኛ ተይኮነስ ከም ወታደር ወይ ከም ተጋዳላይ ተጠርኒፉ አብታ መኸተ ጥራሕ ሰጥ ኢሉ ይጋደል:

ዕፅዋ ዝኽፈት ንሕና ብዝተፀበናያ መዓልትን ሰዓትን ተይኮነስ እቶም ጀጋኑ ብዝጥዕሞምን ፀላኢ ብዘይሓሰቦን እዩ ዝኸውን::

አብ መደረኽ እናውፃእና ካብቶ ግንባሮም ዝሃቡ ዘለው ተጋደልትን መራሕቲ ንላዕሊ ንህዝቢ ዝሓለና መሲልና "እዚ ዘይገበሩ ህዝብና ስቕ ኢሊም የውድእዎ አለው" እናእልካ ምኽሳስ ነውሪ ይመስለኒ::

ፀላእትና ካብ ሰብነት ናብ አራዊትነት ስለተቐየሩ ፀላእትና ዝገብርዎ ክድገመሎም ዝደልዩ ገለ ሰባት እውን አፎም ከፊቶም ክፃረፉ ንሰምዕ አለና: እዚውን ዓገብ እዩ:: ንሕና ከምባዕልና እምበር ከምጎረቤትና አይንኸውንን::

ሓንቲ petition ንምፍራም እናኸበደና ነቲ አብ ዓዲ አብክሊ ዕፅዋ ዘሎ አመራርሓን ህዝብን እንታይ ክገብር ኢና እንፅበ ዘለና?

ስለዚ ኩልና መራሕቲ ኩልና ተመራሕቲ እንኾነሉ ጊዜ ሎሚ እዩ:: እዚ ማለት ህልውና ህዝብና ውሕስና ክሳዕ ዝረክብ መንግስትናን ወኪላት መንግስትናን እናተመራና ንዓምም/ንሰርሕ:: ናይ ዴሞክራሲ ሕቶታትናን ዳግመ ህንፀትናን ዝምልከቱ ምድላዋትና ምስቲ መኸተ እንተየውቕዕና ጎኒ ንጎኒ ብውሕሉል አካይዳን ከም ሓደ ሰብ ተናቢብናን እንሰርሓሉ እዋን ሕዚ እዩ::

ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ዜና ዓዋት ቅልቅል ምስበለት መሊስና ከይንዘናጋዕ አብ ፀበባ ይኹን ዓወት ኩሉ ብልክዑ ክንከዶ ይግባእ:: ሓድነት ማለት ምክእአል እምበር ምድፍፋር አይኮነን፤ ሓቢርካ ምስራሕ እምበር ምክሳስ አይኮነን፤ ሓድነት ማለት እንተነአሰ ሓደ ናይ ሓባር ዕላማ ምሕንጋጥ ማለት እዩ፤ ሓድነት ናይ ውሽጥኻን ናይ ደገን ፈሊኻ ምፍላጥን ነቃዕ ከይፍጠር ምትሕልላይ ማለት እዩ፤ አነ አነ ንምትሕግጋዝ እምበር ንምንሕናሕ አይኮነን፤ ሓድነት አብ እዋን ፀበባ ድማ ዝያዳ ምትሕልላይ፤ ምትሕግጋዝ፤ ምትሕዝዛን፤ ዘለካ ተማቂልካ ምብላዕ ማለት እዩ፡ ህዝቢ ትግራይ እዚአ እዩ ዝገብር ዘሎ። ንሕናውን ብዝሰራሕናዩ ውሱን ስራሕቲ ከይተዓበና ብምክእኣል ነዚ ዝፅበየና ዘሎ ከቢድ ሸከም ዝፀውር ማእገር ክህልወና ንግበር።

ጅግና ሰራዊትናን ህዝብናን ዕፅዋ ክሰብር እዩ ንሕና እንታይ ነቐብል? ዝብል ሕቶ እናልዓልና ንመርሽ!

ትግራይ ብቕልፅማ ትዕወት አላ!

Reaction of someone who read the above in facebook

እቱ ምኽሪ ፅቡቅ እዩ ግና አብ ደገ ለለና ተጋሩ እኮ እቱ ኺሉ ትብሎ ለሐኻ ይደልዮ እዩ:: ከምኡ ኾይኑ ግና ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝመፁ አሰከፍቲ ወረታት እናሰማዕና ኢድና አጤሚርና ስቅ እንብለሉ ኹነታት የለን:: ምኽንያቱም ኣንሕና ኣብደገ ለለና ተጋሩ ብቀጥታ ናይ ህዝቢ ትግራይ ረብሓ ናይና ረብሓ ስለልኾነ እዩ።

ኣብትግራይ ብዙሕ ግዕዚ ስራሕ ይግበር እሎ ልባሃል ወረ ይመፀና እሎ አዚ ትንሰምዕ ተለና ልብና ይቃፀል እሎ :: መንግስቲ ትግራይ ነቶም ዝቃለስ ለለው ፖለቲካ ውድባት ናይ ሚድያ ዕድል ኸልኺሉ ንበይኑ ከነማኸረ ፖለቲካ ውሳነታት ይገብር ኣሎ:: እሞ እቱ ልገብሮ ሎሎ ፖለቲካ ውሳነታት ጌጋታት ከየምፅእ እንደገና ህዝብና ናብድርብርብ ሽግር ከየኣቱ ብዝብል ሓልዮት እዩ ።

ተመን ያ ዘረአየስ ልሕፂ ይፈርሕ ; ከምልባሃል ኣንሕና ተጋሩ አብመንግስቲ ትግራይ ክንጠራጠር ዝገብረና ምኽንያት ብዞም ዘሓለፉ ተሞክረታት ብምዝካር እዩ። ቀደም እቱ ውድብናን ሠንግስትናን ብጣዕሚ ስለናኣምኖ መንግስትናን ውድብናን ዝበሎ ናይ ግድን እዩ ልብል ኣታሓሳስባ አጥፊኡና እዩ።

ትግራይ ብጊሒላታትን ፀላእትን ተኸቢባ እናሃሐወት ናኣምኖን ነምልኮን መንግስትናን ውድብናን እንትርፊ ኣጆኹም ጫፍና ዝትንክፈና የለን ብዝብል ፖለቲካ ፕሮፖጋንዳ ነዚ ኸዚ በፂሑና ለሎ ማኣት ሳኣን ምሕታት በቃ ውድብናን መንግስትናን እዩ።

ዝፈልጥ እናበልና ነቶም በሐሕትን ሰብ ራኢ ዝኾኑ ሙሁራት ተጋሩ ሓሳቦምን ፍልጠቶሙን ከየንፀባርቁ ኣፍኹም ሓዙ እንዳተበሃለ ተሀሃሊፉ ኸዚ አብዛ ፈታኒት ግዘ በፂሕና አለና። ሎሚ እውን ከምትማሊ ኣፍኹም ሓዙ እናበልኻ እቱ ዘአረገን ዝጠስጠሰን ሜላታት አንዳተጠቀምኻ ነሰባት ስም ነእናሃብኻ ምጥቃዕ እቱ ዘለናዮ ግዘ አይጠልቦን። ዘሓትት ንቁሕ ምእቡል ሓዱሽ ወለዶ ስለዘሎ አቱም ኻሊእ ሓሳባትን ብድሆታትን ኣእምረኹም ዘይቅበል ኣሰባት ከምቀደም እንዳኸደርኩም ትነብሩ እምበይ አቱ ዳይናሚክ ዝኾነ ሓዱሽ ትውልዲ ክትዓግትዎ አይትኽእሉን።

ካሳ ሃይለማርያም ሓውና ዝበሎ አነ ውን ይድግፎ። "ኹልኹም ተጋሩ አብደገ ስለ ሃገርኩም ትጭነቁ ተሓልዩ:: ካበሓልየትን ካብ ምግዴስን ዝተልኣለ ብዙሕ ሓሳባት ብዙሕ ሕቶታት ብዙሕ ምኽርታት አብ ሶሻል ሚድያታት ትፅሕፉ አለኹም ፥ ግና እዚ ማለት ንቃልስና ንምድኻም ከይኾኘስ ንተወሳኺ ጉልበት ሓይሊ ሓድነት ንምጥንኻር ከምዝኾነ ርዱእ እዩ" ኢሉና::

ትኽክል እዩ :: እቱ አብደገ ለሎ ይኹን አብዓዲ ሓደ እዩ ልቡ።
ትግይ ትስዕር ሞጎስን ክብርን ንተጋደልትና!!