INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ንኹለን ጭርሖታት ዝፀየቐት ሓንቲ ጭርሖ:

ንኹለን ጭርሖታት ዝፀየቐት ሓንቲ ጭርሖ: ወዕሎ ጳጉሜን 2 አብ አደባባይ ሮማናት::

ቅድሚ ኹሉ አብታ ዝተኸልከለት ሰላማዊ ሰልፊ ብሓይልታት ፀጥታ ዝተጎድኡ ወገናት ቅልጡፍ ሕውየት እምነየሎም: ነቲ ሽግር ምኽንያት ዝኾኑ ሓይልታት ኹሎም ተሓተቲ ኽኾኑ ተስፋ ገብር::

ናብታ ብታሪኽ ቀዳማይ ወያነ እንዝክራ ጳጉሜን ሎሚውን ሓዱሽ ተዘክሮ ተወሲኻታ አላ።

አብ ዝኾነ ይኹን መዋእል ለውጢ ዘይጠልብ ህዝቢ የለን : አብ ፀገም ዘሎስ ይትረፍ አብ ተነፃፃሪ ሰላምን ዴሞክራሲን አለወን ዝበሃላ ሃገራትውን ለውጢ በቢእዋኑ ይጥለብ : ብሓፈሻ ወዲ ሰብ አብ ህይወቱ ብዘይለውጢ ናይ ደቓይቕ ጊዜውን ክነብር አይኽእልን:: ንውለድ ንዓቢ፤ ንበልዕ ንሰቲ ፤ ንፀግብ ንጠሚ፤ ንሓምም ንጥዒ፤ ንነብር ንሓልፍ፤ ንህፍትም ንድኪ፤ ንቃወም ንድግፍ፤ ንሽየም ንወርድ፤ ንኽበር ንዋረድ፤ ንእሰር ንፍታሕ፤ ንምርዖ ንፋታሕ፤ ብሓፈሻ ህይወት ብዘይ ገለ ለውጢ አይትነብርን። ልውጢ ፈቲኻውን ከይፈተኻውን ይመፅእ። አብ ህዝቢ ትግራይ ዝተደለየን ዘይተደለይን ቅልጡፍ ለውጥታት ይረአ አሎ።

ናይ ወልቀ ሰባት ድልየት ወይ አተሓሳስባ ምስ ገለ ድልየታት ኽፋል ሕብረተሰብ እናተአሳሰረ ናብ ናይ ስርአት ለውጢ ይምጠጥ:: ሽሙ ፖለቲካ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ስርአተ-መንግስቲ ወይ ስነ-ምሕደራ ናይ ህዝቢ ሕቶታት እናተሓንገጠ ለውጢ ይጠልብ: ነታ ለውጢ ንምውናን ስልጣን ይደሊን ንስልጣንውን ይቃለስ/ይማወት::

አብ ፖለቲካዊ ለውጢ ኹነታት እንተዘይተማሊኦም ለውጢ ናብ ነውፂ ዝቕየረሉ አጋጣምታት ብዙሕ እዩ: ብገዛእቱ ዘንፀርፀረ ህዝቢ ለውጢ እንትጠልብ: ነቲ ለውጢ ክንመርሕ ዝብሉ ካልኦት ናይ ስልጣን ሕፁያት ንዓቅመ-ፖለቲካ ከይበፅሑ ስልጣን ይሃርፉሞ ህዝቢ ለኪሞም ይጠፍኡ

ብናይ ውሽጥን ደገን ፅዕንቶ አብ ቅልውላው ዝአተዋ ሃገራት ካብ ቅልውላው ንምውፃእ አብ ዝገብረኦ እዋኑ ዘይሓለወ አካይዳ ፤ ተወሳኺ ቅልውላው ዝአተዋ ሃገራትን ህዝበንን ብዙሓት እየን፤ ናይ ርሑቕ ዘበናት ታሪኽ ገዲፍና አብቀረባ ዘሎ ቅልውላዋት ሱዳን ፤ የመን ፤ ሊቢያ: ሶርያ ፤ ኢራቅ ፤ አብ ምዕራብ አፍሪካን ማእኸልን ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ምርአይ እኹል ይመስለኒ::

ገለ ክፋል ህዝቢ ኢትዮጵያውን ዘበነ ኢህወዴግ ናይ "ፀልማት ጊዜ" ኢሉ: ካብ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ዘለናዮ ናይ "መደመር ፅፍሒ" ክሳገር ክብል አብ ምንታይ ብርኪ ከምዘሎ ምዝርዛር አየድልን።

አብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ካብዝተፈጠሩ ዓበይቲ ጌጋታት ሓደ : ኹሉ ሓጥያት ንህወሓት ጥራሕ አሽኪምካ ናይ "ብልፅግና ሃዋርያት" ናብ መሃሙቕ ከእትውኻ ምፍቃድ እዩ::

አብ ፖለቲካ ትግራይውን ንሕወሓት ንምጥፋእ ምምናይ ተመሳሳሊ ጌጋ እዩ : ህዝቢ ትግራይ ካብ ኹሎም ሽግራቱ ክውፅእ ዝኽእል ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት አሳቲፉን ንኹሉ ሓቒፉን እምበር ነቲ ሓደ ቦቂሱ ነቲ ካሊእ ብምትካል አይኮነን::

እዛ ናይ ትማሊ ጳጉሜን ተርእዮውን መምሃሪት ክትኸውን ይግባእ :

በፖለቲካ ፖርቲታት ትግራይ ዝትፀውዐ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሓዞም ጭርሖታት ብዘይካ ህወሓት ምእላይ ንኹሉ ትግራዋይ ዘተአኻኽብ እዩ ነይሩ: ነዞም ጭርሖታት ሒዝና ንህዝቢ ዓለም ድምፅና ነስምዕ ዝብል ተዝኸውን ዝተርፍውን አይምነበረን: አብ ዳያስፖራ ክንገብሮ እንምነዮ ዘለና ንሱ እዩ::

ይኹን እምበር " ሱር በቆስ ለውጢ" ዝብል አበሃህላን ነዚ ንምትግባር ዝተገበረ ምድላውን ምስቶም ጭርሖታት ሓቢሩ ዝኸይድ አይኮነን:: ፀላኢ ካም መረበትና ይውፃእ እናበልናስ ናትና መንግስቲውን ካብ መቐለ ይውፃእ እንተይልና ሓቢሩ አይኸይድን::

ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ውግእ ጠጠው አቢሉ አብትሕቲ ፌዴራላዊ ስርዓት ዝተጣየሸ ፤ ህዝቢ ትግራይ በይኑ ዘይውንኖ ጊዚያዊ ምምሕዳር እምበር ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ የብልናን:: አብቱ ጭርሖ ዝተጠቐሱ ሽግራትውን ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ናይ ሓባር ሽግራት እዮም: ነዚኦም ንምእላይ ዝምጥን ስትራቴጂ ዝወነነ ብሕታዊ ሓይሊውን ገና አይረአናን::

"ህወሓት ይተአለ " ዝብል ጠለብ ክልተ ሽግራት ዘለዎ ይመስለኒ: እቲ ሓደ ውድብ ካብ ስልጣን ምውራድ እንተኾይኑ ናይ ህፁፅ መረፃ ጠለብ ማለት እዩ: እንተዘየለ ነቶም ንጊዚያዊ ምምሕዳር ዘጣየሹ ፌዴራል መንግስትን ህወሓትን ብሓባር ክንአልዮም ንፍትን አለና ማለት እዩ:: ፌዴራል መንግስቲ ዘጣየሾ ጊዚያዊ ምምሕዳር ንምቡቋስ ምፍታን ድማ ካሊእ ምርድዳእ ዘድልዪ መስርሕ እዩ::

ካልአይ አብ ፕሪቶርያ ብሽም ህወሓት ዝተፈረመ ውዕል አይተፈፀመን እናበልካ አብኡ ዝፈረመ ሓደ ኽፋል ጥራሕ ይተአለ ማለት ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነታ ናይ ፕሪቶርያ ውዕል በይኑ ክውንና ምፍቃድ እያ::

ንኹለን ናይ ህዝቢ ሕቶታት ዘካተተ ጭርሖታት ፤ኹለን ፖርቲታትን ህዝቢ ብሓባር ከቃልሖ እናተገበአ ናይ ሓደ ውድብ ምቡቋስ ጭርሖ ምስተወሰኾ ተዘሪጉ:: እቲ ይበቆስ ዝተብሃለ ውድብ ብዙሓት አባላትን ደገፍትን ዘለውዎ: ካብ ውሽጡውን ጠለባት ህዝቢ ንምምላእ ዝቃለሱ አባላት ዘለዎ ውድብ እዩ:: ናብ ህወሓት ጥራሕ ዘነፃፀረ ፃህያይ ከምታ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ናብ ፀድፊ ዘእቱ እምበር ንህዝቢ ትግራይ ናብ ሓድነት ዘምፅእ አይኮነን::

ስለዚ ብውድባት ዝተጠጀወ ናይ "ሱር ቦቆስ ለውጢ" ገና ብዝበዝሕ ህዝቢ ምርድዳእ ዘይተበፅሓሉ ብድሕሪቱን ብቕድሚቱን ዘለው ሓይልታት ብንፁር ዝይተፈለጡ: ኹሎም ንህወሓት ዝፀልኡ ናይ ውሽጥን ደገ ሓይልታት ሓደ አይነት ድምፂ ዘቃልሕሉ ፤ ሚዛኑ ዘይሓለወ ሃልኪ ዝመስል ከይዲ ብምዃኑ አብ ሓድነትና ሓደጋ ከይብፀሐ ኹሉም ውድባትን ደገፍቶምን ህዝቢ ትግራይ ማእኸሎም ክገብሩ ይግባእ::

እቲ ጊዚያዊ መንግስቲ ይኹን ውድብ ህወሓት ንዝቐርብ ዘሎ ጠለባት ቅልጡፍ መልሲ ክህበሉ ይግባእ: ዝከአልን ዘይከአልን ፈሊኻ ምስ ህዝቢ ምርኻብውን ንርእሱ ሓደ መልሲ እዩ:

በወገን ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፤ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ክንድዚ ሓይሊ እንተልዩ: ፀጥታ ንምውሓስውን ተመሳሳሊ ተኽእሎ ክህሉ ተስፋ እገብር:፡ብመኽበርቲ ፀጥታ ዝውሰዱ ስጉምትታትውን ተመጣጣኒ ክኾኑ ይግባእ።

ሕቶ ንሓታቲኡ እዩ ዝመስል፤ ሓይሊ ሚዛን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንምምካት ኹሉ ዓቅሚ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደ ክዓስል ይግባእ፤ አብ ውሽጢ ዝይፀረና ናይ ደገ ፀላኢ አይንምክትን ዝብል አረአእያ ከምዘሎ ርዱእ እዩ። አብ መንጎ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ልሙድ ስልጡን ዘተ እምበር ምድፍፋር አየድልን። ሎሚውን ውድባት ምስቲ ጊዚያዊ መንግስትን ምስ ህዝብን ክዛተያ አልወን። ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ሽግራት ብልሙድ መንገዲ ዝፍታሕ ስለዘይኮነ፤ ነዚ ፍሉይ መድረኽ ፍሉይ ፍታሕን መሰረታዊ ለውጢን ከምዘድሊ ኹሉ ዝረዳደአሉ እዩ፤ እቲ ዝመፅእ ለውጢ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝፍልፍልን ብህዝቢ ትግራይ ዝውነን እምበር ናይ ዝሓለፈ ቂማት መወፃፅኢን ሕድሕድ ዘደፋፍርን ክኸውን አይግባእን።

ስልጡን ፖለቲካ ህልኽ ተይኮነስ ልዝብ፤ ምድፍፋር ተይኮነስ ምክብባር፤ ምምንጣል ተይኮነስ እንካ ሃባ፤ ምፍልላይ ተይኮነስ ምቅርራብ ማለት ስለዝኾነ፤ ካብ ንዴትን ፀርፍን ወፂእና ናብ እሂን ሚህን ክንምለስ እንተኺኢልና ፤ንርእሰ ህልውናና እኹን ንህዝብና ተስፋ ክንኽወን ንኽእል ኢና።፡ ንህዝብና ሰናይ ሓዱሽ ዓመትን በዓለ መስቀልን እምነ።