INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ መቐለ ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮረና ምሃብ ተጀሚሩ

ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዕፅዋ ዝተጀመረ ክታበት ፀረ ቫይረስ ኮሮና ከምልጥ ዘይግበኦ ዕድል ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ ብእዋኑ ተረኺቡ ብምኽታብ ኽጥቀመሉ ፃውዒት ቐሪቡ።

እቲ ወፍሪ ክታበት በቲ ዝተትሓዘሉ ጊዘ ሰሌዳ ብምፍፃም ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ንምግባር ድማ ሰብ ሞያ ጥዕና ንባዕሎም ብቐዳምነት ብምኽታብ ተዳልዮም ከምዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ቢሮ ሓለዋ ጥዕናን ሓቢሮም።

ትግራይ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ሕብረተሰብ የድልያ ዝበሉ መርአያ ኾይኖም ዝተኸተቡ መራሕቲ ሃይማኖት ብግደኦም፣ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ዝተረኸበ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምዃኑ ንዕውትነቱ ከምዝረባረቡ ኣረጋጊፆም ኣለዉ።

#ድምፂ ወያነ ትግራይ ትግራይ ትስዕር!
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
04 ሓምለ 2014 ዓ.ም
መቐለ