INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ክሳብ እዙ ሰዓት እዙይ፤ ዋላ ሓደ ሓገዝ ዝፀዓነ መኪና

ክሳብ እዙ ሰዓት እዙይ፤ ዋላ ሓደ ሓገዝ ዝፀዓነ መኪና ናብ ትግራይ ንኽንቀሳቐስ፤ ብመንግስቲ ፈቓድ ኣይተውሃበን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ፕረዝደንት ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ብዕሊ ኣብ ቤት ምኽሪ እቱ ክልል ደጊሙ ከምዝተዛረቦ፤ «...እኽሊ ንትግራይ ኣይነሕልፍን! ...እኽሊ ክሓልፈሎም እዩ ኢልኩም ከይትስግኡ!…» ኢሉዎም ኣሎ:: ብሕቢሕቢዕተይ እንተይኮነስ፤ ብቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ቋንቋ ዓፋር ብቕሉዕ ተመሓላሊፉ እዩ::

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ መጋቢት 8 ነይሩ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኹሎም መራኸቢ መሓውራቱ ተጠሊዑ፤ «... 20 ሓገዝ ዝፀዓናን 3 ታንከር ነዳዲ ዝፀዓናን መኻይን ሎማዕልቲ ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ነቒለን ኣለዋ ...ብቐፃልነት እውን በብማዕልቱ 40 መኻይን ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣትዋ እየን…» ዝበለ:: እቱ ልሙድ መኸወሊ ፃዕዳ ሓሶት እዩ ነይሩ!

ክሳብ እዙ ሰዓት እዙይ ግና፤ ኣይኮነንዶ ረድኤት ዝፀዓነ መኪና ናብ መቐለ ክንቀሳቐስስ፤ ካብ ሰመራ ፈቓድ ይሕለፍ ዝተውሃቦ ዋላ ሓደ መኪና እውን የለን:: ትማሊ ኣብ ውሽጢ ዓፋር ከባቢ ስድሳ ዝተኸተራ መኻይን ረድኤት እውን፤ ናብ ዞን ክልተ ውሽጢ ዓፋር ዝተልኣኻ እምበር ንትግራይ ኣይነበራን::

ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዘተ ሰላም ብዝብል መተዓሻሸዊ ተኸዊሉ፤ ኣብ ዘቃፅለን ዘሎ ሕድሕድ ሰዓታት፤ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ናይ ህይወት ዋጋ ይኸፍል ኣሎ! ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ዘተ ሰላም ተንጠላጢልና ህዝብና እናፀነተ እዩ!

ንሞትን ስቅያትን ህዝብና በቃ ይኣክል ክንብሎ እንኽእል፤ ንሕና ባዕልናን ባዕልናን ጥራሕ ኢና! ካልእ ጓና ካባና ዝረኽቦ ወይ ዘተስፍዎ ረብሓ ክሳብ ዘይብሉ፤ ክንድኣፍና ሞትን ስቅያትን ይኣኽለኩም ክብለልና ኣይኽእልን! ምስ ሙሉእ ዓቕምና ቅንዕ እንተኢልና ጥራሕ እዩ ፈታዊ ዝበዝሕ!

ስለዙይ ዓቕሊ ይፅንቀቕ ኣሎ! ኩሉ ዓቐን ኣለዎ! ኣብ ዘየለ ተስፋ ሰላም፤ ናትና ትዕግስቲ ይኹን ዕሽነት ዓቐኑ ይሓልፍ ኣሎ!

ድሕሪ ደጊም ካብ እዙ ብደም ተጋሩ ዝጠልቀየ ጉጅለ፤ ሰላም ምፅባይ ከም ዕሽነት እዩ ክቑፀር! ክደግሞ፤ ...ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነ ይኹን እማመ ሰላም ፎትዩ ክቕበል ኣይኽእልን! ምኽንያቱ ድማ ሰላም ኮነ ኵናት ንኡኡ ኩሉ መጥፍኢኡ ስለዝኾነ!

ብዝጠልቀዮ ገበን ኵናት ኣብ መወዳእታ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርብ ይፈልጥ እዩ! ንዙይ እውን እዩ HR 6600ን S-3199ን ብገንኡ ፀላዕላዕ ዓበድበድ ኣቢሉዎም ዘሎ:: ብኣጎዋን ብዕፅዋ ባንኪ ዓለምን ፈንድ ገንዘብ ዓለምን ዝዓረፎም ስምብራት፤ ምስቱ ክፃወሩዎ ዘይከኣሉ ኵናት ተደራሪቡ ንኢኮኖሚኦም ዓነውነው ኣቢሉ፤ ብርኮም ጠሊሙዎም ተንከርከር ኣብ ዝበሉሉ እዋን ድማ፤ ዝገደደ ንኢኮኖሚኦም ሓኒቑ ንሕድሕዶም ብገበን ኵናት ጀኖሳይድ ዝሓትት ውሳነ HR 6600ን S-3199ን ብምምፅኡ እዩ፤ ዝሕዙዎ ዝጭብጡዎ ጠፊኡዎም ዘሎ::

ንዘን ውሳነታት ኮንግረስን ሰኔትን ኣሜሪካ ንምሕንካል፤ ከይፀድቃ ከዕንቅፉ እውን እዩ፤ ...ምስ መራሕቲ ወያነ ተራኸብኩ ...ብስልኪ ተዘራረብኹ ...ኮሪደር ክኸፍት እየ ... ንሰላም እናሰራሕኹ እየ... እናበለ ዘዋቕዕ ዘሎ! ንዙ ምውቓዕ ገላህቲ እምበር እናኸሰርና ሓገዝቲ ክንኾን የብልናን!

ኣብይ ኣሕመድን ጉጅልኡን ሓገዝ ከይሓልፍ ዓፅዩ ንህዝብና እናፅነተ እናሃለወ፤ ብኻልእ ወገን ድማ፤ ወርሒ መጋቢት ካብ ዝኣቱ ናብዚ፤ ካብ ኩለን መዐለሚ ቦታቱ ከባቢ ሚኢቲ ሽሕ ሰራዊት ኣመሪቑ፤ ድሮ'ኳ ክሳብ ሎማዕልቲ ሰራዊት ዝፀዓና ልዕሊ 500 ኣውቶቡሳትን ፅዕነት መካይንን ናብ ደቡባዊ ዶብ ትግራይ ተጓዓዒዘን ሰራዊቱ የፀግዕ ኣሎ!

ስለዙይ መፃወቲ ሸርሒ እዞም ገበነኛታት ኮይንና ንህዝብና ኣይነፅንት! ክንገብሮ እንኽእል ኩሉ ንግበር! ተፀበይቲ ኣይንኹን! ማሕበረሰብ ዓለም እውን ንዙ ዘይእመን ሰብ ምእማን ተመንዩዎም ኣሎ! ኣብ ልዕሊዑ ናይ ባዕሎም ኣብ ሕምብርቲ ኣውሮፓ ገዚፍ ጣጣ ዩክሬንን ሩሲያን ስለዘለዎም፤ ንኣና ዝህቡዎ ቀዳምነት የለን! ካልኣይነት ጠመተ እንተሂቦምና እውን እዝጊ ይፍለጦ!

ክሳብ ሐዚ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ተሳኒና፣ እናተገፋዕና እውን ምእንተ ዘለቔታውን ስትራተጂካውን ረብሓና ዓቕሊ ገይርና፣ ክኽየድ ዝከኣል ኩሉ መንገድታት ፀንቂቕና ተጓዒዝና፣ ኩሉ ተወዲኡ ሐዚ ኣብዙይ ጫፍ ፀድፊ በፂሕና ኣለና! እሞ ፀውርኡ ዝኸበደ ዋጋ እናኸፈልና!

ድሕሪ እዙይ ጫፍ ፀድፊ ግና፤ ዝግላህ ገሊህና መንዚዕና ክንወፅእ ግድን ይብለና እምበር፤ ምስ ሙሉእ ወታደራዊ ዓቕምና እንፀድፈሉ ምክንያት የለን! ኣበደን!

ስለዙይ ካብ'ተን ኣብ ጠረጴዛ ተቐሪበን ዝነበራ መማረፅቲ ፍታሓት፤ እታ ዝተረፈትና እንኮ ፍታሕ፤ ኣብ ኢድ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ተሪፋ ዘላ እያ! መሪሕነት መቐይሮ ታሪክ ዝኾነ ቆራፅ ውሳነ ኣብ ምውሳንን ምፍፃምን እዩ ዝፍተን!

ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ፤ ዓሚ መጋቢት 2013 ኣብ ወርቀዲኖ ብቖራፅ ውሳነኹምን ኣመራርሓኹምን ካብ ፀድፊ መንዚዕና ዝወፃእና፤ ሎሚ መጋቢት 2014 ድማ ካልኣይ ወርቀዲኖ ክድገም ግድን ኮይኑ ኣሎ! ብህዝቡ ዝተደገፈ ፍትሓዊ ቃልሲ ሰዓራይ እዩ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም