INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ቅነ ፆም ኣርብዓ

ኣብ ታሪኽ ትግራይ ክንደይ መስተንክራዊ ስርሒት ዝተሰርሐሉን ድሙቕ ዓወታት ዝተሓፈሰሉን ቅነ እዩ፤ ቅነ ፆም ኣርብዓ፡፡

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅነ ፆም ኣርብዓ ዝተኻየዱ ኵናታት ንገሊኦም ንምዝካር፤

* ኵናት ዓድዋ ፤
* ኣብ ካልኣይ ወራር ጥልያን ብ1928 ኵናት እምባኣርዓዶም ፤
* መጋቢትን ሚያዝያን 1933 ንጥልያን ካብ ትግራይ ኣብ ምፅራግ ፤

* ኣብ ቀዳማይ ወያነ ኵናት ሰርጌን ለካቲት 1934፤
* ኣብ ካልኣይ ወያነ “ኵናት ፆም ኣርብዓ” ዝብሃል ወራር ደርጊ ንምምካት ብድሙቕ ዓወት ዝተዛዘመ፤
* እቱ ገዚፍ ኵናት ምድምሳስ መበል 604ን ኮር ኣብ ሽረ፤ ብኡ ኣቢሉ እውን ምቅባፅ ደርጊ ካብ ትግራይ ኣብ ፆም ኣርብዓ 1981 እዩ ተኻዪዱ፤

ክንደይ ኢልካ'ሞ ክዝንተዉ፤ ንቕድሚት ደቅና ብግቡእ ክስንዱዎ እምበር፤ ፆም ኣርብዓ ትግራይ ዓወት እዩ ድራሩ!

ዓሚ ኣብዙ ግዘ ኣብ ፆም ኣርብዓ፤ ኣብ ትሕቲ ልፍንታዊ ወራር ኵናት ጀኖሳይድ ኮይንና ዝተሰርሐ እኳ፤ ብሳላ ቴክኖሎጂ ኣብ ኩለን ሚዲያታት ኣሎ:: ሓመድ ልሒስና ተስኢና፤ ንዕስለ ፀላኢ ጉሓሒፍና ሰነ መቐለ ዝኣተናሉ ስርሒት፤ መሓውሩ ዝተነፀፈን ኣዕሚቑ ዝተተኽለን ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን 2013 እዩ ነይሩ! ዓሚ ከም ሎማዕልቲ ኣብ ወርቃዲኖ ዝተፈፀመ ወርቃዊ ስርሒትን ዓወትን ሰራዊት ትግራይ ሓደ ታሪካዊ ኣብነት እዩ!

ናይዙ ሰሙን ማይ ሓጋይ መቐለን ካልኦት ከባብታትን ትግራይ ራሕስን ሓባርን እዩ! ንሓጋይ ዝኸውን ግራውትና ክነማዓራሪ፤ ንክረምቲ ቅድመ ምድላው ድማ ዝፀሪ ገርፈጥ ኩሉ ካብ ግራውትና ኣፀራሪና ንማሕረስን ዘርእን እንዳለወሉ ግዘ ምዃኑ ዝሕብር እዩ::

ዘርእን ማዳበርያን ይትረፍ እሞ፤ ንድራር ምሸት ዝኾን ቀለብ እኳ ህዝብና ኣብ ዝሰኣነሉ ግዘ ስለዘለና፤ ግድን ኩሉ መማረፅታት ናዲና፤ ዘርእን መዳበሪያን ከርክብ ዘለቔታዊ ፍታሕ እንገብረሉ ግዘ ምዃኑ እውን ዝሕብር እዩ! ንፅባሕ ዝብሃል ግዘ የለን ይብለና ኣሎ!

ስለዙይ ኣማዕዲና ካብ ካልኦት ተስፋ ሕብስተ መና ክትኮበልና እንፅበየሉ ግዘ እንተይኮነስ፤ ብውሽጥን ብደገን ዘለና ኩላትና ትግራይ ዓደይ፤ ከምታ ዓሚ ንሰነ ዘርእን መዳበሪያን ክነርክብ ምእንታን፤ ኣብ ፆመ ኣርብዓ ከምዙ ግዘ እዙይ ጀሚርና ተሰጣጢምና ዝተበገስናዮን ዝፈፀምናዮን፤ ሎሚ እውን ብኹሉ ዝተሰለፍናሉ መዳይ ኩሉ ዓቕምና ኣዋዲድና ሻማ ሻማ ንበል!

ድሕሪ እዙይ ድኣ እንታይ ንመንከ ክንፅበ! ኩሉ ኣብ ቅልፅምና እዩ! ግራውቲ ትግራይ ፆሙ ከይሓጊ ከይኸርም ብፅንዓት ብሕራነ ንረባረብ! ህልውናናን ደሕንነትናን ዝረጋገፀሉ ዓወትና ኣብ ቅልፅምናን ቅልፅምናን ጥራሕ እዩ!

ትግራይ ትስዕር ኣላ! ካሳ ሃይለማርያም
telegram: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh
https://twitter.com/kassahmariam/status/1505185398355603460?s=21