INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

2 መጋቢት 2013 ነይሩ፤ ቅድሚ ካልኦት መራሕቲ ዓለም...ሴክሬታሪ ብሊንከን!

2 መጋቢት 2013 ነይሩ፤ ቅድሚ ካልኦት መራሕቲ ዓለም ኮነ ላዕለዋይ ኣመራርሓ መንግስታት፤ ናብ ቅድሚት ኣብ ሚዲያ ወፂኡ፤ ኣብ መላእ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕታት ሓቢሩ፤ «...ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ይካየድ ኣሎ...» ዝበለ፤ ሴክሬታሪ ብሊንከን!

ብፋሽስት ሂትለር ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ኣብ ስድርኡ እውን በሰላ ዝሓደገሉ ብሊንከን፤ ሽዑ ምእንተ ፍትሒ ድምፁ እንተስምዕ፤ ብፕረዝዳንት ባይደን ንዝተውሃቦ ሹመት ሴክረታሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ገና ብሴነት ኣሜሪካ ኣይፀደቐሉን ነይሩ:: ግና ንቱ ዝፍፀም ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ተጋሩ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ንኸስምዕ ኣይደረቶን:: ሹመቱ ንኽፀድቀሉ ድሕሪ ወርሒ ናብ ሴነት ኣሜሪካ ምስቐረበ እውን ምስ ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ተኣሳሲሩ ንዝቐረበሉ ሕቶታት እንትምልስ፤ ብዓርሰ እምነትን ብሙሉእነትን ነይሩ፤ ህዝቢ ትግራይ ይፀንት ከምዘሎ ዝመስከረ::

ሽዑ ኣብ መላእ ዓለም ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ላዕለዋይ ፀፍሒ ዝበፅሐሉ ግዘ ነይሩ:: ሽዑ ሰሙን ድምፂ ፀጋ ልዑል ሃይለማርያም «...በሎምየ በሎም... ተተብጊሳ ወይነይ የለን ዝመልሳ ወይነይ...» እናበለ፤ ካብ ሜዳ ትግራይ ድምፂ ገድሊ ብምስሊ ዝተሰምዐሉን ዝተርኣየሉን ግዘ ስለዝነበረ፤ ዲያስፖራ ትግራይ ዝያዳ ዝሓረነሉን ሰሙን ነይሩ:: ከምዛ ሎማዕልቲ እውን ኣብ ደንጎላት ገዚፍ ሓይሊ ሻዕቢያ ተዳዕሚኹ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ካብ ደባይ ውግእ ናብ ስሩዕ ሰራዊት ዝተሰጋገረሉ ግዘ እውን ነይሩ::

ብዙ ዝተፈጠረ ሕራነን ናህርን ኣብ ዲያስፖራ ትግራይ ጉዳይ ጀኖሳይድ ትግራይ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ምስማዕ ኣብ ዝነበሩ ከይድታት ፓብሊክ ዲፕሎማሲ ብኣካል ብሰልፍታትን ብኢሜልን ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ርክባት ኩሎም፤ ብሊንከንን ሰራሕተኛታት ስቴት ዲፓርትመንት ከምኡ እውን ሴነትን ኮንግረስን ኣሜሪካ፤ ምእንተ ተሓታትነትን ፍትሕን ሓቢሮምና ጠጠው ኢሎም እዮም:: ብዙይ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣብይ ኣጎዋ ምእጋድን ፋይናንሳዊ ማዕቐብን ገይሮም ሓኒቖምዎ እዮም:: እቱ ሰሙናት መጋቢት 2013፤ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ሰሙናት ነይሩ!

ሎማዕልቲ ድሕሪ ክልተ ዓመታት፤ ዋላ እኳ ጉዳይ ኣፍጋኒስታንን ዩክሬንን ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ፅዕንቶ ፈጢሩ ምድንጓያት እንተሕደረ እውን፤ ሎሚ መጋቢት እውን ብሊንከን ምእንተ ፍትሕን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ንዝተፈፀመ ፅንተትን ዘስምዖ ቃሉ ኣይዓፀፈን! ብስም እቱ ዝተገፍዐን ዝፀነተን ህዝቢ ትግራይ የቐንየልና ክብሎ እፎቱ!