ዓሚ ከይዲ ወራር ክሳብ ወርሒ መጋቢት
ዓሚ ኣብ ከይዲ እዙ ወራር ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኣቕርቦም ኣብ ዝነበሩ ፅሑፋት፤ "ትግራይ ትስዕር!" እብል ነይረ:: ብድሕሪኡ ‘ሕሩጭ ገይርናዮም’ ካብ ዝበሉና ብደባይ ውግእ ተሲእና፤ ኣርሚታት ትግራይ ምስተጣየሻ ኣትሒዙ ግና፤ "ትግራይ ትስዕር ኣላ!" እብል ኣለኹ!
ኣብዙ ቐረባታት ገለ ኣሕዋት፤ "ህዝብና እናፀነተ እናጠፋእና" ስለምንታይ "ትግራይ ትስዕር ኣላ!" ትብል "ትግራይ ትስዕር" እኳ ዘይትብል ኢልኩምኒ! ገለኹም እማ ዘይናትና ብፀርፊ ሓሳብኩም ክትገልፁ ፈቲንኩም፤ ነውሪ! ኣነ ድማ ደጊመ ደጋጊመ እብል፤ ትግራይ ትስዕር ስለዘላ እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ! ሰዓራይነት ብኸመይ? እዩ እቱ ምሽጥር!
ሰዓራይነት ዝምዘን ብኸይዲ ብዘኻዕበትካዮ ኣዎንታዊ ምዕባለ ፍፃመታትን ውፅኢትን እምበር፤ ሎሚ ኣብዛ ሰዓት ብዘለካ ስቅያት ጥምየት ሞት ማእሰርቲ ስደት ስለዘይኮነ! ሙሉእ ሰዓራይነት ትግራይ ዝዕመም ሃገራዊ ሓርነት ትግራይ እንትረጋገፅ እዩ! እቱ እነተስፍዎ እንቃለሰሉ፤ ከቢድን መሪርን ዋጋ እንኸፍለሉን እንቋመቶን ዘለና መኸምበቲ ብራኸ እዩ! ናብዙ ብራኸ እዙይ ክንድይብ ከይዲ እዩ! ኣብ ሕድሕድ ከይዲ ድማ ኣዎንታዊ ዶ ኣሉታዊ ፍፃመታትን ውፅኢትን ነመዝግብ ኣለና፤ እዩ እቱ ክቐርብ ዘለዎ ሕቶ! ስፈ ኣደታትና ካበይ ጀሚሩ ድዩ ኣብ መወዳእታ ዝኽምበት!!
ዓሚ ክሳብ መጋቢት ኣነ እውን ኣብ ዘቕረብኩዎም ፅሑፋት፤ "ትግራይ ትስዕር!" ዝብል ጭርሖ ተስፋ እየ ዝገልፅ ነይረ! ብድሕሪኡ ግና ከይዲ ወያነና ኣፈፃፅምኡን ኣንፈት ውፅኢቱን ምስርአኹ፤ "ትግራይ ትስዕር ኣላ!" ክብል ጀሚረ:: ካብ ጭርሖ ናብ ሙሉእ ዓርሰ እምነት ሰዓራይነት ወያነ ትግራይ፤ ትግራይ ናብቱ ብራኸ ዘብፅሓ ሕድሕድ ኣዎንታዊ ፍፃመታት እናኻዕበተት እናሰዓረት ሰረት ተንብር ስለዝጀመረት!
ስለዙይ ሰዓራይነት ናይ መወዳእታ መኸምበቲ ፍፃመ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ሕድሕድ ከይዲ ብኸመይ ከምዝዕመም እዩ! ንዙይ ድማ ንሕናን ፀላእትናን ኣብ ሕድሕድ ከይድና ብሓፈሻ ናበይ ነምርሕ ኣለና? ኣፈፃፅማና? ውፅኢትና? ኢልና ተንቲንና ንርአዮ! ንዙይ ንምርኣይ ድማ ወተሃደራዊ ፖለቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ተንታኒ ምዃን ኣይሓትትን፤ ብግልፂ ብዝርአ ዘሎ ክያዶታት ኣፈፃፅማን ውፅኢታትን ክልቲኡ ደምበ ክንግምግሞ ስለእንኽእል!
ንሕና ከመይ ኣለና ንዝብል ናብ ዝርዝር እንተይኣተኹ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ዛዕባታት ክጥምት! ንሕና ካብ ዓሚ ኣዝዩ ብዝሐሸ ሎሚ ንዙሪያ ምላሽ ፀላኢ ክምክት ጥራሕ እንተይኮነስ ብላዕለዋይነት ከጥቅዕ ዝኽእል ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣጥሪና ደልዲልና ኣለና! ሎሚ ከም ናይ ዓሚ እናተዓለመ ዝዋጋእ እናተዋግአ ዝዕለም ሰራዊት እንተይኮነስ፤ ንውሕ ንዝበለ ኣዋርሕ ግዘ ወሲዱ ኩለመዳይ እኹል ወተሃደራዊ ታዕሊም ረኺቡ፤ ብኹሉ ኣሰላልፋ ሙሉእ ወተሃደራዊ ቁመና ዘጥረየ፤ በዝሒ ዘለዎ ሃገራዊ ሓይሊ ምክልኻል ኢና ኣጥሪና ዘለና!
ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዲያስፖራ ትግራይ ምስ መንግስቲ ትግራይ ተኣሳሲሩ ብዘርእዮ ዘሎ ስዳሮ፤ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ጉዳይ ትግራይ ክንዲ ዝግብኦ ኣይኹን እምበር ኣፍልጦን ጠመተን ይረክብ ኣሎ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስትታትን መራሕቲ ዓለምለኸ ትካላትን ቀጥታዊ ርክብ ዝገብረሉ ብራኸ በፂሕና ኣለና::
ደጀን ህዝብና ንቱ ወሪዱዎ ዘሎ ፅሙዋ ዕፅዋ ብኸመይ ከምዝሰግሮ ከምህዝቢ ንዓርሱ ኣመዓራርዩ እናመከተ፤ ምስ መንግስቱን ሰራዊቱን ተዋዲዱ ንፀላእቱ ክምክትን ዕፅዋ ክሰብርን ዝኽእለሉ ድልውነቱን ምስጥጣሙን ኣረጋጊፁ ኣሎ! ኣብ ዓድን ኣብ ዲያስፖራን ዝርከብ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ፤ ኣብ ሓደ ስነልቦናን ኣተሓሳስባን ሸኺሉ፤ ንሙሉእ ሃገራዊ ሓርነት ትግራይ ሰሚሩ ተሰጣጢሙ ኣሎ!!
ዙሪያ ምላሽ ዘለዉ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይኸ? ብውሽጥን ብደገን ዘሎ ዓቕሞም ኹሉ እንትግምገም፤ ካበይ ናበይ የምርሑ ኣለዉ? ኣዎንታዊ ናይ ሰዓራይነት ፍፃመታትን ውፅኢትን እናኻዕበቱ ናብ ብራኸ ናብ ምዕባለ ናብ ሓድነት ናብ ምስጥጣም ዶ የምርሑ ኣለዉ፤ ወይስ ናብ ደልሃመት ይፀድፉ ኣለዉ?
ንዙይ መልሲ ንምርካብ ብዙሕ ምርምር ዘድልዮ ኣይመስለንን፤ ኣብ ማዕልታዊ ከይድን ፍፃመታትን ብቕሉዕ ዝርአን ባዕሎም እውን ዝሰጥሑዎ ስጡሕ ስለዝኾነ፤ ኩልና ሓሳብ ንሃበሉ! ብወገነይ ናብ ካልእ ዝርዝር እንተይኣተኹ፤ ኣገዳስን ወሳንን ስለዝኾነ ንወተሃደራው ዓቕሚ ፀላእቲ ኣመልኪተ ሓፈሻዊ ገምጋመይ ክውከስ!
ዕስለ ፀላእትና ብሓደ ሰሚሮም ክናበቡ ኣይኮነን፤ ናይ ሸርሒ ሓድነቶም ይኹን ደጀን ዝብሉዎ ሓይሊ ትምክሕቲ ይመክን ይለምስ እዩ ዘሎ! እቱ ኣሰሊፎምዎ ዘለዉ ሰራዊት እውን፤ ንመስዋእቲ ቅሩብ ዘይኮነ፤ ዕላማ ዘይብሉ፤ ኣብዝሓ ብተብተብ ታዕሊምን ብኣገዳዲ ብግፋ ዝተኣስከረ ዕሱብ እዩ! ስለዙይ ክንዲ ድሌቱ ዘመናዊ ታንክታትን ኣፅዋርን እንተኣታኣታተወ፤ ውግእ ኮነ ኵናት ዝካየድን ዝዕወትን ብጋዕገልጠም እንተይኮነስ፤ ዕላማ ብዘለዎ ንመስዋእቲ ቅሩብን ብወተሃደራዊ ዓቕሙ ድልውን ኮይኑ፤ ፅኑዕ ውሽጣውን ግዳማውን ደጀን ብዘለዎ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ! ኣብዙ እዋን እዙይ ድማ ኣብዙ ከባቢ ንዙይ ኣማሊኡ ዝርከብ ወያነ ትግራይ ጥራሕ እዩ!
ግና ሓደ ለበዋ ኣለኒ! እዙ ብኽልቲኡ ወገን፤ ብኣናን ብፀላእትናን ዘሎ ከይድን ኣፈፃፅማን ፅቡቕ ኣንፈት ዝሓዘ ስለዝኾነ፤ ክንድግፎን ክነበራትዖን እምበር፤ ክንኾልፎ የብልናን! ርግእ ኢልና ኣስተውዒልና፤ ሃለዋት ደሕንነትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ሽኻልና ገይርና፤ ሓቢርና ተሰጣጢምና ንሰድር! ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ደጀንነትና ካብ ካልእ ግዘ ብዝዛየደ ብርኡይ ብዝጭበጥ መድመያይ ብዝኾነ ምርብራብ ነረጋግፅ!
ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ኣቲና ስለዘለና! ከምዙይ ዝበለ ምዕራፍ ብብልሒ ኣርሒቕኻ ብምጥማት ብኹሉ ዓቕሚ ብምርብራብ ብዝግባእ እንተተቓንዩ፤ ብሰላም ኮነ ብኵናት ይከምበት፤ ከም ህዝቢ ኣዝዩ ገዚፍ ዝላ እነመዝግበሉ ምዕራፍ እዩ! ብውሽጥን ብደገን ዘሎ ኩሉ ዓቕምና ኣዋዲድና ተሰጣጢምና ንውፈር! ኣንዳዕዲዕና ድማ፤ ትግራይ ትስዕር ኣላ! ንበል! ካሳ ሃይለማርያም
|