INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ከይዲ ፌስቲቫል ትግራይ 2023 ብዝርዝር ምግላፅ አካል ምስናድ ታሪኽና እዩ

ሓፈሻዊ ሪፖርታጅ ፌስቲቫል ሓድነት ንሕውየትን ህንፀትን ትግራይ 2023.

ቀዳማይ ክፋል (Part I)

ካብ ሶኒ July 17-ሰንበት July 23, 2023 አብ ከተማ ዴንቨር: ግዝአት ኮሎራዶ : አሜሪካ ክካየድ ዝፀንሐ ፌስቲቫል ብዓወት ተዛዚሙ:

ንተኸታታሊ ሸውዓተ መዓልቲ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ትግራይ 2023 እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ተግባራት ዝተፈፀመሉ ታሪኻዊ ፌስቲቫል እዩ ነይሩ፡

ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኮንፈረንስ ማተሰኣ (ካብ ሶኒ ክሳዕ ሮብዕ)
መዓልቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ሓሙስ)
መዓልቲ መናእሰይ ትግራይ (ዓርቢ)
ሓፈሻዊ ዋዕላ ምስ ፕሬዝደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ(ቀዳም)
መዓልቲ ደቂአንስትዮ ትግራይ (ሰንበት)
ካብ ሓሙስ ክሳዕ ሰንበት ወጋሕ ትበል ለይቲ ምስ ከየንቲ/ስነጥበባዊያን ትግራይ
ካብ ዓርቢ ክሳዕ ሰንበት ንሕንሕ ኩዕሶ እግሪ መናእሰይ ትግራይን ሓዊሱ ብዝርዝር ከምዝስዕብ ቀሪቡ አሎ።

ቀዳማይ መዓልቲ ፌስቲቫልን ኮንፈረንስን ማተሰኣ (First day)

1. ሶኒ ዕለት 17 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ፌስቲቫል ትግራይ አብ ማእኸል ኽራውን ሆቴል ኮንቨንሽን (Crown Hotel Convention Centre ) እንትኸውን፤ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ትምህርቲ ተወሲዱ ፤ ካብ መዕረፊ አጋይሽ (ሆቴል) ክሳዕ 5000 ወናብር ዝሓዝ ሰፊሕ አደራሽ ዘለዎ ፤ ናብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ዴንበር ዝቀረበ ምችው ቦታ እዩ።
2. ማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ (ማተሰኣ) መዳለው ኮሜቴ ምስ ጨንፈር ዴንቨር ብምትሕብባር ከባቢ ሸዋዓተ ወርሒ ምድላው ዝተገበረሉ፤ ብፍላይ ድማ ተጋሩ ነብረቲ ዴንቨር ሙሉእ ብሙሉእ ዝተሳተፉሉ እንትኸውን፤ ካብ ሰንበት አጋምሸት ጀሚሩ ናይ ምግያሽ ስራሕቲ ዝጀመርሉ ኹነታት እዩ ነይሩ።
3. ኮነፈረንስ ማተሰኣ ካብ ሶኒ ድሕሪ ቀትሪ ክሳዕ ሮብዕ ምሸት ዝተኻየደ እንትኸውን ፤

ካብ በቢጨናፍር ብድምፂ ዝተወከሉ አባላት ማተሰአ፤
በተዓዛብነት ዝተሳተፉ አባላት ማተሰኣ፤ ነበር አምባሳደራት፤
መራሕቲ ዝተፈላልየ ሃይማኖታት ትግራይ ነበርቲ ዴንበር፤
መስረቲን ነበር አመራርሓን ማተሰአን፤
መዳለውቲን አመራርሓን ማሕበር ደቂአነስትዮ ትግራይ ሰሜን አሜሪካ፤
ዕዱማት አጋይሽን ተወከልቲ ውድባትን ማሕበራትን (SJT, TMH, …)
ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ዳያስፖራ ትግራይን አብ ዝተረኸብሉ ብዝኽረ ሰማእታት ተጀሚሩ።
ፈፀምቲ ስራሕ ማተሰአ ፕረዝዲየም ምስተረከቡ፤ ምልአተ-ጉባኤ ብምርግጋፅ ንስያሜ ፈኢስቲቫል ዝተፈላልየ ወዳዓዊ መማረፅታት ቀሪቡ፤
ሕዝቢ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ ወዳዓዊ ኩነታት ዝገልፅ፤ ፌስቲቫል ሓድነት፤ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ 2023 ብዝብል ብሙሉእ ድምፂ ተሰይሙ።

4. ሶኒ ድሕሪ ቀትሪ ዝቀፀለ ኮንፈረንስ ማተሰአ፤

ብመዳለዊት ሽማግለ ማተሰኣ ናይ እንካዕ ደሓን መፃእኹም መልእኽቲ ጀሚሩ :
ድሕሪ ዕላዊ መኽፈቲ ዘረባ አቦወንበር ማሕበር ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ (ማተሰኣ)
መራሕቲ ሃይማኖት ዴንቨርን ከባቢአን፤
አቦወንበር ጨንፈር ማተሰአ ዴንቨር፤
አዶ ወንበር ማሕበር ተጋሩ ደቂአንስትዮ ሰሜን አሜሪካ፤
ወኪል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ዴንቨር፤
ነበር አምባሳደራት (አምባሰደር ብርሃነን አምባሰደር ፍስሃን)
ካብ መስረቲ ማተሰአን ነበር አመራርሓን
ወኪል SJTን TMHን ሓዊሱ ሰናይ ትንቢቶም ገሊፆም ነቲ ኮንፈረን ሰናይ ብምምናይ
ናይ እንካዕ ደሓን መፃእኹም ኬክ ተቆሪሱ ፡
ቀዳማይ መዓልቲ ፌስቲቫል ትግራይ 2023ን ኮንፈረንስ ማተሰአን ብከምዚ ተዛዚሙ፡