INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ከም ትግራይ ዘለናሉ ምዝሕታል ኮነ ሰለጠን

ከም ትግራይ ዘለናሉ ምዝሕታል ኮነ ሰለጠን፣ ድኹምን ጥንኩርን ጎንና ኣነፂርናን ኣፅፊፍናን፤ ብመሪሕነት ጊዚያዊ መንግስቲ ብቕልጡፍ ብኹሉ መዳይን ኣንፈትን ግድን ናብ ስራሕ ክንኣቱ ኣለና!

ሰላሕታዊ ዕፅዋን ክባን፣ ሞት ሕማምን ጥምየትን፣ ማእሰርቲ ምምዝባል ከርተትን ስደትን፣ ዕንደራ መግዛእቲ ባዕዳውያን ሓይልታትን ብርሰትን፣ ... ኮታስ ኣፈፃፅማ ስልቱን ብርኩን ቀይሩ እምበር፤ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን ተዋዲዱ ምስቐፀለ እዩ፡፡ ዋላ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን ቀፂሉ እናሃለወ፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያን ኣተገባብሩኡን ኣፋፍኖት ሰላም እውን ክርአ ክኢሉ ኣሎ፡፡

ብመሰረት እቱ ስምምዕ ብወገን ትግራይ ክፍፀም ካብ ዝግብኦ ግድነታት ውሽጢ ንኣብዝሓ ብኣገባቡ ብምትግባር፤ ብፍላይ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ ምዕራባውያን፤ ትግራይ ንሰላም ዘለዋ ቅሩብነትን ተበግሶን ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ንፍትሓዊ ሕቶታት ትግራይ ርኡይ ተቐባልነትን ደገፍን ክረክብ ኣኽኢሉ፤ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ትግራይ ርኡይ ቦታ ክትሕዝ ኣብቂዑዋ ኣሎ፡፡

ስለዝኾነ እዩ ድማ፤ ኣሜሪካን ምዕባውያንን መርገፂኦም ብዕሊ ኣነፂሮም፤ ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ሴክሬታሪ ብሊንከንን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ኣረጊፆ ከምዝገለፁዎ፤ ...ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምሉእነትን ብቕልጡፍን ንኽትግበር፣ ኮሚሽን መፃረዪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብናፃ ናብ ትግራይ ኣትዩ ስርሑ ከሳልጥን ተሓታትነት ንኽረጋገፅን፤ እዚአን እንተተግቢሩ ጥራሕ ርክቦም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝመሓየሽ ብምሕባር፤ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ፀቕጢ ገይሮም ዘለዉ፡፡

ከምተጋሩ ንዙ ወሳኒ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ምዕባለ ከይዱ ሓሊኻን ኣሐይልካን ንምኻድ፤ ብውሽጥን ብዲያስፖራን ዘሎ ዓቕምና ኣዋዲድና ግድን ናብ ስራሕ ክንኣቱን ክንተዓፃፀፍን ኣለና!

ኣብ'ዙ ዝቕፅል ሰሙን ካብ ኣሜሪካ ክሳብ ኣውሮፓ ኣብ ዝካየድ ህዝባዊ ሰልፍታት ትግራይ ኮነ፤ ኣብ እነካይዶም ኩሎም ስራሕቲ ፓብሊክ ዲፕሎማሲ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመን ቀፂሉ ንዘሎን ጀኖሳይድ ጭርሖታትና ኣነፂርናን ኣሓይልናን ድምፅና ዓው ኣቢልና ክነስምዕ ኣለና!

ሎሚ ዓለም ትሰምዐና ኣላ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ድምፅና ክተጋውሕ ጀሚራ ስለዘላ፤ ንዙ ከይዲ ስዳርኡ ሓሊናን ኣሐይልናን ብምንጣፍ፤ ንምርግጋፅ ተሓታትነት ፍትሕን ካሕሳን ህዝብና ክንተዓፃፀፍ ግድን ይብለና!

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ንኸይትግብር ንኹሎም ሕቶታትና ምላሽ መመኽነይታ ምጥያሽ ጊዚያዊ መንግስቲ ገይሩ ቀዪዱ፤ ስቅያት ግፍዕን ሞትን ብርሰትን ህዝብና ክናዋሕን፣ ፖለቲከኛታት ትግራይ እውን ኣብ መኸተ ጀኖሳይድ ኣርእዮምዎ ንዝነበረ ውሽጣዊ ሓድነቶም ክሕርፍፍን ገይሩ እዩ፡፡

እቱ ክንደይ ዝተብሃለሉ ኣጀንዳን መመኽነይታን ኮይኑ ዝቐነየ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ንተጋዳላይ ጌታቸው ረዳ ፕረዝዳንት ገይሩ ይጣየሽ ኣሎ፡፡ እዙ ጊዜያዊ መንግስቲ መመኽነይታ ኮይኑ ንኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሓኒቑ ሒዙዎ ዝነበረ ኩሉ ግድነታት እቱ ስምምዕ፤ ካብዙ ዝቕፅል ሰሙን ኣትሒዙ ብዘይውዓል ሕደር ግድን ክትግበር ኣለዎ፡፡ ንኽፍፀም ድማ ኩልና ተጋሩ ምስ ጊዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ተሰሊፍና ኣብ ሙሉእ ዓለም ድምፅና ክነስምዕን ፀቕጢ ክንፈጥርን ኣለና::

ምስመንግስቲ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ኮይንና ኣብ እነካይዶ ንጥፈት፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ቀልጢፉ ክትግብሮም ዘለዎ ግድነቱ፤

▪ ማእሰርቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ተጋሩ ፖለቲካዊ እሱራት ከብቅዕን ሙሉእ መሰሎምን ረብሖኦም ክረጋገፀሎም፤

▪ በጀትን ካልኦት ኩሎም መሰልን ረብሓታትን ትግራይ ብዘይገለ ምኽንያት ቀልጢፉ ክለቅቕ፤

▪ ኩሎም ባዕዳውያን ሓይልታት ካብ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክወፁ፤ ንዙይ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕሊ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ውፁ ኢሉ ክእውጅን ክትግብሮን፤

▪ ብሚልየናት ዝቑፀር ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ክምለስን ኣድላዪ ምጥያሽ ክግበረሉን፤

▪ ማሕበረሰብ ዓለም ዘቕርቦ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤትን መድሓኒትን ካልኦት ንዋትን ፋይናንስን ብዘይዓንቀፍቀፍ ብኣግባቡን ብእዋኑን ንቱ ዝተገፍዐ ህዝብና ተበፃሒ ክኸውን፤

▪ ኮሚሽን መፃረዪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብናፃ ናብ ትግራይ ክኣቱን ስርሑ ከሳልጥን ክፈቅድ፤

▪ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ተነቢሩ ዘሎ ኣዋጅ ግብረሽበራ ከልዕሎ፤

▪ ብኹሉ ኣንፈት ንዓመታት ናብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋ መጓዕዝያ ምድሪ ክልዓልን ሓለዋ ክገብረሉን፤ ወዘተ....

ፀላእትና ካብ ዝጥጅውልና ኣጀንዳታት ተናጊፍና፤ ሽኻልና ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ገይርና ሓድነትና ብምድልዳል፤ ኣርሒቕና ብምእማት ብኸም'ዙይ ፍትሓዊ ሕቶታት ህዝብና ኣነፂርና፤ ኣንፃር ጀኖሳይድን ንሕውየትን ትንሳኤን ትግራይ እነካይዶ ዓለምለኸ ቃልስና ኣሐይልና ንኽንረባረብ እላበው!

ካሳ ሃይለማርያም
Telegram: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh