INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ከም ህዝቢ ትግራይ እንታይ ንግበር? (ካብ ኣሕፈሮም)

* ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ሓባራዊ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ?
* ትግራይ ኩለመዳያዊ ዕምቆት ዘለዎ ለውጢ ግድን የድልያ ኣሎ!
* ንህልውናና ሓደጋ ካብ ዝኾኑ ስግኣታት?
* ስምምዕ ፕሪቶርያን ሰላምን?
* ስሉጥ ዓቕሚ ትግራይ ምፍጣር?
* ምዕቃብ ብሄራዊ ምሽጥር?
* ፀጥታን ደሕንነትን ትግራይ?

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ክልተ ክፋል ዳህሰሳን ምልከታን ወድዓዊ ኩነታት ትግራይን ከባቢኣን ኣመልኪተ ኣቕሪበ ነይረ፡፡ ንሎማዕልቲ ድማ ከም ህዝቢ ትግራይ እንታይ እንተገበርና ኢና፤ ካብ'ቱ ሐዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓደጋ ህልውና ወፂና፤ ከም ህዝቢ ክንቕፅልን ናብ ዝልዓለ ብራኸ ክንሰግርን እንኽእል፤ ብዝብል ንምይይጥን ክነማዕብሎን ብምዕላም ንዝስዕብ ቀሪበ ኣለኹ፡፡

1. ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ሓባራዊ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ?

ከም ከማይ ሃለዋትን ደህንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብዙ ሐዚ እዋን ካብ ኩሎም ኣጀንዳታት ትግራይ ንላዕሊ፤ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ፤ ከም ህዝቢ ክንፈላለየሉ ዘይንኽእልን ዘይግባእን ሓባራዊ ኣጀንዳና እዩ፡፡ ህልውናን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብቐዳምነት ዝስራዕ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዘብል፤ ፀላእትና ኣብ ልዕሌና ዘለዎም ምሒር ፅልኢት ኣብ ቦትኡ ስለዘሎን ስለዝህልውን እዩ፤ ንሕና እንተይጠፋእና ስለዘይድቅሱ፡፡ ናይ ትማሊ ቃለምሕተት ኢሳያስ ንዙይ ሓደ መርኣያ እዩ፡፡ ወድዓዊ ኩነታት ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ባዕሉ ቀልጢፉ እንተዘይተለዊጡ ከም ህዝብን ከም ዓድን ክንፀንሕን ክንቕፅልን ኣይገብረናን፡፡

ኩላትና ተጋሩ ኣብ'ዙ ልዕሊ ኩሉ ቀዲሙ ኣብ ዝስራዕ እዙ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ሓደ ከይንኸውን ዝገብረና ነገር የለን በሃላይ እየ፡፡ ኣብዙ ናይ ሓባር ኣጀንዳና ህልውናና ጠጠው ንኽንብል፤ ውሽጣዊ ሓድነትና ነስጥም:: ሓድነት ክንብል እንተለና ሓባራዊ ሓሳብ ምህላው ማለት እዩ፤ ኣብ ኩሉ ሓሳብ ሓደ ምዃን ማለት ግን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ብዙሕ ሓሳባት ኣፈላላይ ሃሊዩካ፣ ንኹላትና ኣብ ዘሳማምዐና ህልውናን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ሓደ ኮይንና፤ ኣብ'ቶም ዝፈላሉዩና ጉዳያት ድማ እንተይተናቖትና ከከም ዝጥዕም ኣብ ሰፋሕቲ ይኹን ፀበብቲ መድረኻት እናተዳማመፅና ንመያየጠሉ ንካትዐሉን ዝሰዓረ ሓሳብ ዓዲግና ንርብሐሉ ማለት እዩ፡፡

ኣብ ክሊ እዙ ሓባራዊ ኣጀንዳ ህልውናን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ሓደ ክንኸውን ዘይደልዩና፤ ብልፍንቲ ዝወረሩና ፀላዕትናን ሰዓብቶምን፤ ከምኡ እውን ብጣዕሚ ውሑዳት ብኵናት ክባን ዕፅዋን ብዝበፅሐና ቅልውላው ተበሊፆም ብኔትወርክ ንህዝቢ ጓሕጉሖም 'ዝበልፀጉ' ሰብ ሃፍቲ እዮም፡፡ እዚኣቶም ሰላም ምምፅኡ ባዕሉ ስግኣት ዝኾኖምን ምስ'ቶም ባንዳታት ተጋሩ ዝስርዑን እዮም፡፡

2. ትግራይ ኩለመዳያዊ ዕምቆት ዘለዎ ለውጢ ግድን የድልያ ኣሎ!

ለውጢ ግድን የድሊ፤ ኩሉሻብ ምምሕያሽ ግድን ይብል፡፡ ለውጥን ምምሕያሽን የድሊ ፅቡቕ እዩ ኢልና ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ ኣትዩዎ ካብ ዘሎ ሓደጋ ምብራስ ክናገፍን ካብ'ዙ ዓፀቦ ቀልጢፉ ምእንታን ክወፅእን፤ ንዙ ንቑልቁል ዝተደፈአ ኣንፈት ኣቕኒዕና ናብ ብራኸ ኣንፈቱ ክንምእዝኖ ንኽእል፤ ቐፃሊ ዘየቋርፅ ንቱ ወድዓዊ ኩነታትና ዝምጥን ለውጥን ምምሕያሽን ክህልወና እንተገይርና ጥራሕ እዩ፡፡

ልዕሊ ኹሉ ትግራይ ዘድልያ ለውጢ ሓሳባት ስርዓትን ትካላዊ መስርሕና እዩ፡፡ ኣብ ሰባት ኣብ ፖለቲከኛታት ዝግበር ለውጢ ከም ዓብይ ለውጢ ክርአ የብሉን፤ ኣተሓሳስባ ስርዓትን ትካላዊ መስርሕን ክሳብ ዘይተቐየረ ኣብ ዘብፅሐና ስለዘይብሉ፡፡ ኣብ ሓሳባት ስርዓትን ትካላዊ መስርሕን ዝግበር ለውጢ እዩ ንረብሓ ህዝብና ብዘተኣማምንን ብቐፃልነትን ዘረጋግፅ፤ እዙ ለውጢ እዙይ ድማ ሓደ ሻብ ዝግበር እንተይኮነስ፤ ዘየቋርፅ ምምሕያሽን ለውጥን ዘድልዮ እዩ፡፡

መን እዩ ግና ክልወጥ ዝግብኦ? ኩልና!! ኩለን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ትግራይ፣ መንግስቲ ትግራይ፣ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኩለን ሓፋሽ ሲቪክ ማሕበራት፣ ኩለን ሚድያታት፣ ህዝቢ ከተማን ገጠርን፣ ምሁር መንእሰይ ነጋዳይ መራሕቲ ሃይማኖት ሰራሕተኛ መንግስቲ ብዓል ሙያ ወዘተ... ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና ኩሉ ምስ'ዙ ዘለናሉ ወድዓዊ ኩነታት ምእንታን ክሰምርን ክሳገርን ግድን ክልወጥ ኣለዎ!

ልዕሊ ኩሉ ብኣታሓሳስባ ለውጢ ክህልወና ይግባእ፡፡ ስርዓትናን ትካላዊ ኣሰራርሓናን ክልወጥ እንተኾይኑ ለውጢ ኣተሓሳስባና ይመርሖ፡፡ ኣብ ስራሕ ዘለና ባህሊ እንትመሓየሽ ኣብ ኣሰራርሓና ጭቡጥ ለውጢ የምፅእ፡፡

ለውጢ ብግዳማውን ሓያላት መንግስታትን ተኣዚዝካ እንተኾይኑ ትርጉም የብሉን፤ ካብ ውሽጥና ካብ ባዕልትና እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ ትርጉም ሃልዩዎ ንህዝቢ ትግራይ ዝረብሕ፡፡ ንግዳማዊ ሓይልታት ክነሕጉስ ክንመሳሰል ኢልና እንገብሮ ክኸውን የብሉን፤ እኳ ድኣስ ሓቀኛን ቅኑዕን ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዘቕድም ለውጢ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ምስ ግዳማዊ ሓይልታት ግና ተሳኒና ተኣሳሲርና ረብሓ ህዝብና ኣቐዲምና ንስጉም፡፡

ኣብ ትግራይ ብዓመፅ ብሓይሊ ብጎንፅን ሪቮሊሸናዊ መንገድን ወይ ድማ ብሸፍጢ ዝመፅእ ለውጢ ኣየድልየናን፤ ፈፂሙ ክሕሰብ እውን የብሉን፡፡ መንገዲ ዓመፅን ሸፍጥን መወዳእትኡን ውፅኢቱን ናብ ዘይንፈልጦ ዝወስደና፣ ንህዝብና ዘርብሕ ለውጢ ዘየምፅእ፣ ዝብትነናን ዘጥፈአናን ስለዝኸውን፡፡

ንባዕልና ከም ጓና ግዳማዊ ሓይሊ ገይርና መንግስቲ ወይ እቱ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ፓርቲ ክልወጥ ኣይንፀበ፡፡ ክልወጥ እናሓገዝና ኮነ እናፀቐጥና ንሕና እውን ክንልወጥ ይግበአና፡፡ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ትግራይ ብነፃነት ኩለን ኣብ ውሽጠን ለውጢ ይግበራ፡፡ ኣባል ፓርቲ ዘይኮነ ኣብ ደገ ኮይኑ እዚ ግደፋ እዚ ለውጣ ክብለን የብሉን፡፡ ንህዝቢ ይጠቅም ዝብለኦ ለውጢ ገይረን ፖለቲካዊ ቅዋመን መስመረን ንህዝቢ ብምግላፅ ብነፃ ዝወዳደራሉ ዕድል ክመቻቸው ይግባእ፡፡ ህዝብን ህዝብን ጥራሕ ድማ ብድምፁ ፍርዱ ዝህበሉ ትካላዊ ስርዓት ሃኒፅና ኣብ ኣፈፃፅምኡ ንነጥፍ፡፡

ተሳትፎ ህዝቢ ከተማ ይኹን ገጠር ኣብ ቁልፊ ብሄራዊ ኣጀንዳ ቅድሚ ውሳነ እናተዘርገሐሉ ምይይጥ ይግበር፡፡ ሓሳባቱ ብስርዓት ተኣኪቡ ንውሳነ ኣብ ግልፅነት ዝተደረኸ ክትዕን ምይይጥን ምስተገበረ ይውሰን፡፡ ግዘ ዝህብ ጉዳይ እንተኾይኑ ንኻልኣይ ግዘ ተፀሚቑን መማረፅታት ውሳነ ቀሪብሉን ዳግማይ ተሳትፎ ክገብርን ክላዘብን ገይርካ ምውሳን፡፡ ኣፈላላያት ከም ፀጋ ዝርኢን ብስልጡን መንገዲ ዝኣልን ባህሊ ክነማዕብል ግድን ይብለና፡፡ ምስ ተወሰነ ድማ ወዓል-ሕደር ዘይብሉ ናብ ተግባር ኣፈፃፅማን ክትትልን ይእተዉ፡፡ ፖሊሲን ኣሰራርሓን ግልፂ ምስተገበረ ድማ ግድን ክፍፀም ኣለዎ፡፡ ኣብ ኣፈፃፅማ ዘየብዲ ክትትል የድልዮ፣ ዝረኣዩ ጉድለታትን ጌጋታትን ድማ በብእዋኑ ክእረሙ እቱ ዘማሓዳድርን ዝመርሕን መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ተሓታትነቱ ብግልፅነት ከረጋግፅ ይግባእ፡፡

3. ንህልውናና ሓደጋ ካብ ዝኾኑ ስግኣታት?

ውሽጣዊ ዓቕሚ ትግራይ እንተደልዲሉ፣ ሓድነትና እንተሰጢሙን ኩልግዘ ድልዋት እንተኾይንናን፤ ንዳግመ ወራር ግዳማዊ ሓይልታት ኣይንቃላዕን፡፡ ዱልዱልን ድልውን ማሕበረሰብ እንተሃኒፅና፤ ፀላእትና ባይታ ስኢኖም ሓይሎም መንሚኑ ዘርሞዘርሞ እዮም ክተርፉ፡፡

ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርጋጋእን ነንባዕልና ብናይ ትማሊ ምክሳስ ንሓድነትና ካብ ምዝራግ ሓሊፉ ንህልውናና ሓደጋ ዝኾኑ ጉዳያት ኢህን ምሂን ኢልና ተደማሚፅና ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ገይርና ከይንሪኢ ይገብረና፡፡ እዙይ ድማ ንቕድሚት ንትንሳኤ ትግራይ ኣብ ክንዲ ምቁማት፤ ተሃላሊኽካ ተታሓሒዝካ ምውዳቕ ዘስዕብ እዩ፡፡ ተቓላዓይነት ግዳማዊ ሓይልታት ዘስዕብን ዘዕብይን እዩ፡፡ ግዜና ብሕቱኽቱኽ ክነጥፍእን ንቱ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ዘለናዮ ኩነታት ፈቲሕና ክንድሕን እንገብሮ ፃዕሪ ዘዕንቅፍ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ'ዙ እዋን ብጣዕሚ ዘሻቅሎ ዘሎ ጉዳይ እዙይ እዩ፡፡ ብፍላይ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ልሂቃንን ትግራይ ፍታሕን ምትእርራይን ክገብሩሉ ዝግባእ ቀንድን እዋናውን ዋኒን እዩ!

ብኸም'ዙይ ዓይነት ቁሩቁስ ኣብ ቁስሊ ህዝብና ዕንፀይቲ ሰዲዱ ካልኣይ ዘድምዮን ዘብክዮን እዩ ክኸውን፡፡ ኣብ'ዙይ ብግልፂ ክለዓል ዝግብኦ ንስልጣን ዘሎ ኣራእያ እዩ፡፡ ስልጣን ሒዝካ ውልቀ ሽውሃትካ ንምርዋይ ዝግበር ጉያ ንዓድን ንህዝብን ጥራሕ ዝጎድእ እንተይኮነስ መወዳእትኡ ንቱ ንስልጣን ክብል ንኹሉ ረጋጊፁ ዝጎይይ ባዕሉ እውን ዘጥፈኦ እዩ፡፡ ንሕና ተጋሩ ንዞም ሓቂ ረጊፆም ብስልጣን ዕዉር ስምዒት ወግሐ ፀብሐ ዘዘሕጉሰና እናተዛረቡ ክሰልቡና ዝደልዩ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ይኹኑ ኣብ ደገ ዓገብ ክገብሩ ብሓባር ንቃለሶም፡፡ ንዙ ዝንቡዕ ኣካይዳ ፖለቲከኛታት ትግራይ ንምእራም ዝግበር ቃልሲ ጉቡእን እዋናውን እዩ፡፡ ንኹነታት ከም መሳልል ስልጣን ተበሊፅካ ምጥቃም ግን ኣብይ ኣህመድ ወይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ትግራይ ምድጋም እዩ ክኾነና፡፡ ጭቡጥ ፀገም ምዃኑ ተረዲኢና ከም ውሻጣዊ ሓደጋ ሪኢና ብንቕሓት ንቃለሶ፡፡

ኣብ እዋን ቅልውላው ዝጥጥዑ ከም ኣውራጃዊነትን ከባቢያዊነትን ሃይማኖታዊ ዝኣምሰሉ ማሕበረሰባዊ ጎንፅታት ክረአዩ ባህሪያዊ እንተኾኑ እኳ፤ ንህዝቢ ትግራይ ግን ፈፂሙ ዝምጥንዎ ኣይኮኑን፡፡ ኣብ'ቱ መሪር ኩነታት ትማልን ሎሚን ወዲ እዚ ኣውራጃ ከባቢ፣ እዚ ሃይማኖቱ ከይበለ ከም ውላድ ሓንቲ ኣዶ ኮይኑ ብፃየይ ብፂተይ ዓርከይ ሓወይ ሓፍተይ ኢሉ ኣብ ዝተኳሸሐ ህዝብን ተቃላሳይ ወለዶን ክርአ ስለዘይብሉ፡፡ ቦታ ክህልዎ ዝደልዩ መሕብኢ ጣሸኦም ክኸውን ዝመርፁዎ ግን የለውን ማለት ኣይኮነን፡፡ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ'ዙ ጉዳይ ኣፈላላይ ክንፈጥር ኢሎም ብቶም ፍንፉናት ባንዳታት ተጋሩ ኣቢሎም ኣብ ሃገራዊ ሚዲያታቶም ገፋሕቲ መደባት ሒዞም ኣበርቲዖም ዝሰርሕሉ እኩይ ሸርሖም እዩ፡፡ ኣብ'ዙ ብንቕሓት ነዃል ከይርከበና ገይርና ኩላትና ክንቃለሶ ይግባእ፡፡

ስእነት፣ ድኽነትን ድሕረትን እውን ተወሰኽቲ ጠንቂ ሃለዋትን ደሕንነትን እዮም፡፡ ድኽነትን ድሕረትን ክነውግድ ዝገበርናዮ ቃልሲ ርኡይ ለውጥን ተስፋን ሂቡ እንተነበረ እኳ፤ ብፋሽስታዊ ወራር ግዳማዊ ሓይልታትን ዘይምዕሩይ ውሽጣዊ ምምሕድዳራዊ ምኽንያታትን ተኾሊፉ፡፡ ብጀኖሳይዳዊ ወራር ሰፍ ዘይብል ብርሰት ኣብ ሰብናን ሃፍትናን በፂሑ፡፡ ዝተጀማመረ ለውጥታት ዕብየት ብጆኖያሰደር ንድሕሪት ክምለስ ኮነ ተባሂሉ ከምሓደ ስትራተጂ እቱ ኵናት ኮይኑ ተፈፂሙ፡፡ ብውፅኢቱ እውን ፀላእትና ብኹርዓት ኣብ ኣደባባይ ተጠሊዖም ተጃሂሮምሉ፡፡

4. ስምምዕ ፕሪቶርያን ሰላምን

ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ስትራተጂካዊ ኣጀንዳ እዩ፡፡ ቅድም ኮነ ሐዚ፤ ኣብ ቐፃሊ እውን ሰላምን ምርግጋኣን ንኣና መሰረታዊ ጉዳይ እዩ፡፡ ስምምዕ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዘምፀኦ ሰላም ካብ ልቢ ተቐቢልና ብጥንቃቐ ምትግባር ንረብሓና ዘረጋግፅ እዩ፡፡ ብሰንክና እቲ ሰላም ፈፂሙ ክዝረግ የብሉን፡፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ንቱ ሰላም ኣኽቢሩ ክኸይድ ዝግበር ኩሉ ቃልሲ ንገብር፡፡ ተፃብኦ ኣወጊድና ሰላም ብኹላትና ክረጋገፅ ንፅዕር፡፡ ዝጎደሉ ዝዘንግዑ ክፍፀሙ ዝግቦኦም ነገራት ምእንታ ክፍፀሙ ክቕልጥፉ ብስርዓትን ብቐፃሊን ብመሰረት እቱ ቀያዲ ዓለምለኸ ስምምዕ ምሕታት፤ ንቱ ስምምዕ ሰላም ክትግበር ምሕጋዝን ረብሓ ህዝብና ምርግጋፅን እዩ፡፡

ካብ'ዙ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ክረኽቦም ዝግባእ ኩሉ ነገር ብእዋኑን ብእኹልን ክረክብ ይግባእ፡፡ እቶም ኣብ ክፍሊ ሓደ ዝረአናዮም ስትራተጅታት ተግባራዊ ከይገብሮም ተፃብኦ ብዘውግድ ኣግባብ ክንቃለሶም ይግባእ፡፡ ፖለቲካዊ ዳይሎግ ብዓለምለኸ ተዓዝብትን ሸምገልቲን ተማእኺሉ እቱ ስምምዕ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ክዓሙቕ፤ እቶም ናብ ኵናት ዘእተዉና ጠንቅታት ብዘተ ብምፍላይ ክሳብ ሪፈረንደም ዝኸይድ ዘላቂ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክንዳኒ ይግባእ፡፡ ጎና ጎኒ ድማ ዓለምለኸ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ኵናትን ጆኖሳይድን መርሚሩ ውፅኢት ከፍልጥ ኣለዎ፡፡ ኣብ ዓለምለኸ መጋባእያ ተሓታቲ ክሕትት፤ ዝተገፍዐ ህዝብና ድማ ዝግብኦ ክካሓስ ኣለዎ!

5. ቀልጢፍና ዓቕሚ ትግራይ ንፍጠር

ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዘላቒ ዝረጋገፅ ውሽጣዊ ዓቕምና ብኹሉ መዳይ ተጠናኺሩ ደልዲሉ እንተወፅዩ እዩ፡፡ ቅድም ቀዳድም እቱ ብፋሽስታዊ ወራር ዓነውነው ዝበለ ኢኮኖሚ ትግራይ ዳግም ሓውዩ ንቐፃሊ ስሉጥ ዕብየት መበገሲ ምእንታን ክኸውን፤ ስትራተጂ ዳግመ ሕውየት ንሕንፅፅ፡፡ ካበይ ተበጊስና ናበይ ኣሚትና፤ ከመይ ብምንታይ መንገድን ዓቕምን ናብቱ ዝኣመትናዮ ንበፅሕ ኢልና ንሕንፅፅ፡፡ እዙ ዝተሓንፀፀ ትልምና ኩሉ ተወላድን ፈታውን ትግራይ ዝፈልጦ ስትራተጂ ኮይኑ፤ ብኹለ መዳያዊ ዓቕምታትና ተረባሪብና ክነሕውዮን ክንፅግኖን ይግባእ፡፡

ድሕሪ ሕውየት ንእምቶ ድማ፤ ልዕሊ ኹሉ እቱ ኣብዝሓ ገባር ማሕበረሰብና ብምግቢ ባዕሉ ኺኢሉ ካብ ረድኤት ነፃ ክኸውን፤ ብዘራእቲ ሕርሻ ውፅኢት ክረምታውን መስኖን ከዕብይ፤ ብሃብቲ ተፈጥሮን እንስሳን ብቅልጡፍ ለውጢ ዘረጋግፁ ብናይ ባዕሉን መንግስታውን ካልኦትን ደገፍ ዓቕምታቱ ኣደልዲልና፤ ሓደሽቲ ተበግሶታትን ቴክኖሎጅን ተጠቒምና ክንንቀሳቐስ ግድን ይኸውን፡፡

ካልኦት ካብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ክሳብ ዓበይቲ ጨናፍራት ኢንዱስትሪ፤ ከም ማኑፋክቸሪንግ፣ ቱሪዝም፣ ዕደናን ሓይልን፣ ንግዲ፣ ዓበይቲ መካናይዝድ ሕርሻታት… ዝኣምሰሉ ምእንታን ክነሐይል ኣብ ኢነርጂ መሰረተልምዓት ማሕበራዊ ግልጋሎት ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ርኡይ ስሉጥን ጭቡጥን ለውጢ እነመዝግበሉ ምንቅስቕስ ክንገብር ግድን ይብለና፡፡

6.. ምዕቃብ ብሄራዊ ምሽጥር

ምዕቃብ ብሄራዊ ምሽጥር ንደህንነትን ህልውናን ሓደ ህዝብን ዓድን ወሳኒ እዩ፡፡ ምሽጥር ዘይብሉ ሃገርን ህዝብን የለን፤ እቱ ቀንዲ ፀገም ግና ምሽጥር ኣብ ምዕቃብ እዩ፡፡ ኣናእሽተይን ውሑድ ህዝቢ ዘለወን፤ እሞ ድማ ብግዳማዊ ተፃብኦታት ዝተኸበባ ኢኮኖሚያዊ ዓቕመን ትሑት ናይ ዝኾና ሃገራት ህዝብታት፤ ዝያዳ ኩለመዳይ ምሽጥሮም ዝሕልዉ ክኾኑ ይግባእ፡፡ ብፍላይ ከማና ዝበሉ ኣብ ሓደጋ ህልውና ደሕንነትን ዝወደቑ ህዝብታት ድማ ዝያዳ ምሽጥሮም ክዕቅቡ ይግደዱ፡፡

እትፈልጦን በስራሕኻ ምኽንያት ዝፈለጥካዮን፤ ሃገራዊ ህዝባዊ ወተሃደራዊ ኢኮኖሚያዊ ምሽጥር፤ ረብሓ ህዝብኻ ብዝጎድእ፣ ብሸለልትነት ወይ ምሽጥር ይፈልጥ እዩ ክትብሃል፣ ወይ ብፀላእቲ ጊዚያዊ ረብሓ ክትረክብ ኢልካ ምውፃእን ምብኻንን፤ ኣይትግራዋይን! ብፍላይ ካብ ዓበይቲ ሰበስልጣን ክሳብ ታሕተዎት ሰብ መዝን ሰራሕተኛታትን ሰብ ሙያን፤ ማዓንጣኻ ከምዝተረገፀ ከይተሓተትካ ምዝራብ ይጎድእ እዩ፡፡ ኣብ'ዙይ መሰረታዊ ለውጢ ምእንታን ክመፅእ፤ ብግልፂ ዝርርብ ክግበረሉ ብስነ ኪነት ወፍሪ ገይርና ክነውግዶ ዝግበአና ዘይናይትግራዋይ ልምዲ ክኾን ኣለዎ፡፡

7. ፀጥታን ደሕንነትን ትግራይ

ምስቱ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ መግለፂ ህልውናን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ፤ ኣብ'ቱ ዝህነፅ ኮነ ዝልወጥ ኣተሓሳስባ ትካላዊ ስርዓትን ኢኮኖሚን ዝረጋገፅ ኮይኑ፤ እዙ ዝህነፅ ኮነ ዝልወጥ ኣተሓሳስባ ትካላዊ ስርዓትን ኢኮኖሚን ትግራይ ድማ ኣብ መሓውር ፀጥታን ደህንነትን ትግራይ ይድረኽ፡፡

ንውሽጣዊ ጉሒላ ኮነ ቁጥሚ፣ ክምኡ እውን ንግዳማዊ ሓይልታት ተፃብኦ ኣርሒቕካ ኣሚትካ (Proactively) ኣቐዲምካ ክትምክት፤ ትግራይ ብቴክኖሎጂ ዝዘመነ ዱልዱል ውሽጣውን ግዳማውን መሓውር ዘለዎ፤ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዳበ ናፃ ዝኾነ፤ ቀዋሚን ቀፃልነትን ዘለዎ ትካል ፀጥታን ደህንነትን ምህናፅ ቀዳምነት ዝውሃቦ ይኸውን! ንዙይ ንምህናፅ ድማ ንፅባሕ ዝብሃል እንተይኮነስ፤ ብመሰረት ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ዝፈቕደልና ብዘይ ውዓል-ሕደር ብሐዚኡ ካብ'ቱ ከምሃፂን ዝተፈተነ ተጋዳላይ ትግራይ ክህነፅ ኣለዎ!

ተጋሩ ፀላእትና ምንዓቕን ዘይምፍላጥን ዝፀንሐ ፀገም ኣለና፡፡ ፀላኢኻ ምንዓቕ ዋጋ የኽፍል፤ እንኸፍሎ ዋጋ እውን ክዓቢ ይገብር፡፡ ፀላኢ ኣጋኒንካን ኣግዚፍካን ዘይኾኖን ክገብሮ ዘይኽእልን ክገብር ከምዝኽእል ገይርካ መዚንካ ኣብ ስግኣት ምንባር እውን ካሊእ ፀገም እዩ፡፡ እዙይ እኳ ቀንዲ ፀገምና እንተዘይኮነ ምፍላጡ ግርም እዩ፡፡ ካብ'ዙ ክልቲኡ ፀገም ምንዓቅ ይኹን ኣጋኒንካ ምርኣይ ንምድሓን ፈውሲ ዝኸውን፤ ንፀላኢ ኣድቂቕካን ኣጋላቢጥካን ውሽጡን ደግኡን ምፍላጥ እዩ፡፡ ላዕሊ ላዕሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዕምቆትን ብቐፃልነትን ዝገብሮ ለውጥታት እውን ኣብ ግምት ዘእተወ፤ ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ክነፅነዖ ክንፈልጦ ይግባእ፡፡ ናብ'ዙ ሐዚ ወሪድናሉ ዘለና ባይታ ዘውረደና ሓዲኡ ምኽንያት እዙይ እዩ በሃላይ እየ፡፡

ከም'ዙይ እንተገይርና፤ ኩነታት ተንቲናን ተረዲኢናን ቀዲምና ክንገብሮ ዝግባእ ምድላውን ውሳነን ሳይንሳዊ ኮይኑ፤ ግዳማዊ ኮነ ውሽጣዊ ሓደጋታት ኣቐዲምና ወይ ብእዋኑ ምምካት የኽእለና፡፡ ብሓሳብ እውን ተጠሚርና ተወዲብና ክንምርሽን ብምህዞ ሓደሽቲ ሓሳባትን ብሉፅ ውፅኢት ክነመዝግብን የኽእለና፡፡ ብዙይ ድማ ትግራይ መሊኣ ትስዕር!

ክብረት ይሃበለይ የቐንየለይ!
Telegram: https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh

ምስሊ:
ጳጳሳት ሲኖዶስ ኢትየጵያ ንትግራይ ከፅንቱ ኣብ ክንዲ መስቀልን ቀምሾምን ሹቶልን ኣገልድምን ገይሮም ነይሮም