INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ካብ ከባቢ ራያ ኮረም-ኣላማጣ ተላዒለ

Source: Read More

ቅድሚ ሒደት መዓልቲ ካብ ከባቢ ራያ ኮረም-ኣላማጣ ተላዒለ መቐለ በፂሐ ካብ መቐለ ድማ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ-ሓውዜን፣ነበለት ዕዳጋ ዓርቢ፣ማይቅነጣል ጌረ ዓድዋ ንሓፂር ግዜ ደርሶ መልስ በፂሐ መፂአ።በቲ ዘይሓለፍኩሉ ከባቢታት ትግራይ ዘሎ ኩነታት ክራማትን ሃለዋትን እውን ካብ ካልኦት ብፃተይ ንምሕታት ፈቲነ ነይረ።ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ክራማት ቀልጢፉ ምእታውን ዘይምእታውን እንተዘይኮይኑ ፅቡቕ ኣዝመራ፣ማይ ኣቦይዝጊ ኣሎ።በተን ዝተረኸባ መጠን ነዳዲ ማዳበሪያ ናብ ኩሉ ከባቢታት ገባር ብሃይሃይታ ክባፃሕ ሪአ።ዋጋ ትራንስፓርት ኣይሕሰብን.. ።

ዋጋ እኽሊ ድማ ሰማይ በፂሑ ኔሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ-ሰለስተ መዓልቲ ምስ ዋጋ ነዳዲ ተታሓሒዙ እናቐነሰ ይርከብ።ሸቐጣ ሸቐጥ ኣብ ከተማታት ይርአ እዩ።

ግን ድማ ዋግኡ ብጣዕሚ ልዑል እዩ።ረድኤት ንኩሉ ኣይተባፅሐን ብፍላይ ካብ መቐለ ወፃኢ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሽግር እዩ ዝርከብ።ኣብ መቐለ እውን ምንም ረድኤት ዘይረኸበ ህዝቢ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ሰራሕተኛ መንግስቲን ብማእኸላይን ትሑትን እቶት ዝመሓደር ዝነበረ ህዝብና ብጣዕሚ ኣብ ዓብይ ሽግር ይርከብ።ሐዚ ኣብ ቀረባ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ interbank money transfer ተጀሚሩ ኣሎ።ኣብ ከተማታትና ዝርአ ዝነበረ መጠን ወንጀል ዋላ ብጣዕሚ እንተቐነሰ እቲ ዓይነታት ወንጀል ግን ቅድሚ ሐዚ ተራእዩ ዘይፈልጥን መሕፈርን ኮይኑ ትረኽቦ።

ካብ ኣብ ፓሎ ዝርከብ ትራንስፎርመር ደይብካ ዘይቲ ምስራቕ ክሳዕ ካብ እንዳመጥሓን ዝምለስ ሰብ ሕሩጭ hang ምግባር ተበፂሑ።ልዕሊ ኩሉ ግና ዝኾነ ይኹን ክፋል ሕ/ሰብና ቀዲሙ ዝሓተካ ሰራዊትና ኸ እኹል ናይ ምግቢ ቀረብ ኣለዎ ዶ እዩ።ህዝብና ሐዚውን ዋላ ኣብ ሽግር ኮይኑ ንሰራዊትና ዝገርም ሓልዮት ትርእየሉ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ሚድያ ዝርአ ናይ ክልተ ጫፋት ውጥጥ ፓለቲካ ፓርትታት ትግራይ ብዙሕ ከምቲ ኣብቲ ደምበ ማሕበራዊ መራኸቢ ማዕኸናት ሓፋሽ ዝርአ ክብደት የብሉን።

ብዛዕባ እቲ ክካየድ ዝተሓስበ ዘተ ሰላም ግና ዋላ ንኣብይ ዝህቦ ግምት እንተዘይ ሃለወ እቲ ኩነት ኣብ ሓፂር ግዜ መዕለቢ ክረክብ ዓብይ ተስፋ የንብር ኣሎ። ብክፋል ኣብ መንገደይ ዝሓዝኩዎም ምስልታት ድማ (ንፅሬት ምስሉ ይቅርታ)