INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ምሕላፍ ረቒቕ ሕጊ HR6600 ን S3199ን ውፅኢት ቃልሲ ዲያስፖራ ትግራይ

ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ይፍፀምን ዘሎን ጀኖሳይድ ጠጠው ንክብልን እቲ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ድማ ናብ ፍርዲ ንክቐርቡ ዓሊሙ ዝቐረቡ ረቒቕ ሕጊ HR6600 ን S3199 ንክፀድቕ ቃልሶም ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ብኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ዝቐረበ ረቒቕ ሕጊ ንክፀድቕ ፀቕጢ ንምፍጣር ዓሊሞም ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ ዝነበሩ ዲያስፖራ ትግራይ ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲን ካልኦት ከባብታትን እውን S3199 ምሕላፉ ዓብዪ ሓጎስ ፈጢሩሎም ኣሎ፡፡

ዲያስፖራ ትግራይ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መሻርክቱን ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝኣወጅሉ እዋን ጀሚሮም ድምፂ ህዝቦም ንምዃን ዓሊሞም ቃልሲ እናካየዱ እንትኾኑ ናይዚ መቐፀልታ ድማ ኣብ ትግራይ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ተግባር ጀኖሳይድ ጠጠው ንክብልን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ገበን ዝፈፀሙን ዘፈፀሙን ኣካላት ናብ ፍርዲ ንክቐርቡ ዝሕግዝ HR6600 ን S3199 ንክፀድቕ እናተቓለሱ እዮም፡፡

እቶም ሰልፈኛታት ሰልፊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን እቲ ብኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ዝቐረበ ረቒቕ ሕጊ S3199 ንክፀድቕ ምሕላፉ ውፅኢት ምግዳሎም ብምዃኑ ፍናን ፈጢሩሎም እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ፖርት ላንድ ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ እውን HR6600 ን S3199 ንክፀድቕ ፀቕጢ ንምፍጣር ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ እንትኾን እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየድሉ እዋን S3199 ምሕላፉ ሓጎሶም ገሊፆም፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ትግራይ እዞም ክልተ ረቒቕ ሕግታት ንክፀድቁ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀምን ዘሎ ጀኖሳይድ ጠጠው ንክብል ቃልሶም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ፡፡

መንግስቲ ትግራይ እቲ ዳያስፖራ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝበፅሐን ይበፅሕን ዘሎ ዓፀቦ መሰረት ገይሮም ዘካየድዎን እናካየድዎ ዝርከብ ቃልሲ መዘና ዘይርከቦን ዝለዓለ ናእዳ ዝግበኦ ከምዝኾነን እዙይ ክሳብ ዳርቻ ዓወት ህዝቢ ትግራይ ቀፃልነት ዘለዎ ምግዳል ክኸውን ከምዝግባእ ምዝኽኻሩ ይፍለጥ።

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!

ትግራይ ትስዕር!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

23 መጋቢት 2014 ዓ/ም

መቐለ