INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ካብ ውድቀትካ ምምሃር ንቡር እዩ፤

ካብ ውድቀትካ ምምሃር ንቡር እዩ፤ ብውድቀትካ ምኹራዕ ግን ኣውራ ዕንቅፋት ቀፃላይ ዕብየትካ እዩ። ባዕለይ’ውን ዝጥቀመለን ከየዐንቅፋና ክነስተብህለን ዝግበኣ ስኽፍክፍ ዝብላኒ እምነታት።

1 - ሕድሪ ስውኣት ኣይነዕብርን። ሕድሪ ስዉኣት ኣይነዕብርን ክንብል ከለና ቀፃልነት ብዘለዎ መንገዲ ዝሐሸ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዲሞክራስን ቁጠባን ትግራይ ልህሉው ህዝቢ ምቕራብ ማለት ምዃኑ ተረዲኡ ክንደይ ሰብ ብኣበርክትኡ ተሓቢኑ ይጭርሕ።

2 - ትግራይ ረመፅን መቓብርን ፀላእታ እያ። ብሰንኪ ሕመቕና ባንክን ታንክን ኣረኪብና ብዘይ እኹል ምድላው ማእኸል ኲናት ትግራይ ምግባርና ክንመሃረሉ ዘለና ጌጋ ድዩ እንሕበሉ ፍፃመ? ኲናት ዝካየደሉ ዓዲ ተተሓሒዝካ ህልቂት ተዘይኮይኑ ብምንታይ ሒሳብ ልፀላእቲ ገሃነም ልህዝብኻ ገነት ክኸውን ይኽእል?

3 - መስመር እዩ ሓይልና። ሓይሊ ትግራይ ዘይስበር ስነልቦና ተጋሩ ድዩ ወይስ ማዕርነት ፓንዶራ ቦክስ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ? ከባቢና ምስ ዘለዉ ህዝብታት ብኣንፃር ረብሓና ፅቡቕ ርክብ ክህልወና ምስራሕ ፅቡቕ እዩ፤ ብዘዮም ህይወት የብልናን ማለት ግን ዓርሰ ምትሓት እዩ።

4 - ዕጥቂ ካብ ፀላእትና ስንቂ ካብ ህዝብና። ውሑድ ህዝቢ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ተዘይዓጢቑን ደጀኑ ምስ ለቐቐ ቀለብ እንድሕር ዘየብሉን ህዝባዊ ኲናት ክንደየናይ ዐዕናዋይ ምዃኑ ክንደይ ሰብ ተገንዚቡ ይጭርሕ።

5 - መንግስትና ወይ ሞት። መንግስቲ እንትጉብዝ ዝጉብዝ፣ መንግስቲ እንትፈርስ ዝፈርስ ህዝቢ ዶ ይሐሽ ወይስ መንግስታት ብዘይ ምቁርራፅ ብሉፅ ርእይ፣ ብሉፅ መሓውር፣ ብሉፅ ኣሰራርሓን ብሉፅ መሪሕነትን እናዓጠቑ ዘመናት ዝሻገር መንግስትነት?

6 - መትከልን መስዋእትን። ህዝቢ ትግራይ ክነብር ድዩ ክስዋእ ተፈጢሩ? ዘይቅየር መትከል፣ ረብሓ ህዝቢ እምበር ኩነታት እንትቕየር ዝቕየር መስመር ዘይምዃኑ ክንደይ ሰብ ይርዳእ? ክንዳና ዝተሰወአን ክንዳና ሕማቕ ናብራ ዝነብርን እንድሕር ዘየለ ብስም መትከል እንሕበነሉ መስዋእትና ክንመሃረሉ ዝግባእ መግለፂ ሕመቕና ኣይኮነን ድዩ?

7 - ብዙሓት ገጢምና ስዒርና። ትማሊ ምእንተ ትንሳኤኦም ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሎም ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ከይተረፈ፣ መንግስታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ኣሜሪካ፣ ራሽያ፣ ቱርኪ፣ ዐዕራብ፣ ኢራን፣ ቻይናን ብዝተፈላለየ ብርኪ ዘሚቶምልና ኣብ ጥራሕ ኢድናን ከብድናን ምምካት ምኽኣልና ተኣምር ብዝኾኖ ልክዕ ስለምንታይ ኩሎም ኣንፃርና ተሰሊፎም ብዘይ ማሓዛ ተሪፍና ዝብል ሕቶ ግን ብብቕዓት ክንምልሶ ይግባእ።

8 - ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና። ዝሐሸ ዕጥቅን ስንቅን ተዘይዓጢካ ቕልፅም ቑፅሪ ምዃኑ ክነስብህል ይግባእ። መድሕን ትግራይ ዝመስል ዉሑድ ሕዝቢ መወዳእታ ብዘየብሉ ብርኪ ዝባዛሕ ርእሲ እምበር ተቖፂሩ ዝውዳእ ቁፅሪ ሰብ ኣይኮነን።

9 - ፈጣሪ ይፈልጥ፤ መራሕቲ ይፈልጡ። ፈጣሪ ዝሃበና ርእሲ ምጥቃም ናትና ፀገም እምበር ናይ ፈጣሪ ይኹን ናይ መራሕቲ ፀገም ኣይኮነን። ምእንተ ናይ ሓባር ናብራና ንሕሰብ፣ ንምከር፣ ዘሰማመዐና ብሉፅ መወፃፅእ ሓሳብ ነተግብር።

10 - ልዑል ስብእና ኣለና ማለት ልዑል ፍልጠትን ክእለትን ኣለና ማለት ኣይኮነን። ምሩፅ ዘርኢ እኽሊ፣ ተኽሊ፣ እንስሳ ክተፍሪ ብእትገብሮ ፃዕሪ ልክዕ ምሩፅ ዘርኢ ሰብ ክተፍሪ ኣብ ምግብና፣ ጥዕናን ትምህርትን ተዘይሰሪኻ ልዑል ስብእና ጥራይ ልዑል ፍልጠትን ክእለትን ክኸውን ኣይክእልን።

11 - ኣይግዚኡን ክንብል እኹል ምድላዉ ዝሓቱ ኣዚዮም ጠቐምቲ ነገራት ብዘሕደርናዮም ቑፅሪ ናብ ብርኪ ህፁፅን ጠቐምትን ዛዕባታት ስለዝሰጋገሩ መትሐዚ መጨበጢ እናስአኑ ከቢድ ዋጋ የኽፍሉና ኣለው። ኣይጊዚኡን ማለት ዳርጋ ኣይንሕሰብ ማለት ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ።

12 - መነፅር ስልጣን። እትግልገለሉ ስልጣን መህረፊ እዩ፤ እተገልግለሉ ስልጣን ግን መሰከፊ እዩ። እትግልገለሉ ስልጣን ምልቃቕ ሞት እዩ፤ እተገልግለሉ ስልጣን ግን ካባኻ ንዝሐሸ ሓይሊ ምልቃቕ ትዕድልቲ እዩ።

13 - ልዕልና ሕጊ። ድሌየቱ እምነት ፖለቲካ ይሃልዮ ትግራዋይ እየ ኢሉ ዝኣምን ትግራዋይ ኩሉ ትግራዋይ እዩ። ወንጀል እንተሃልዩ ልዕልና ሕጊ ይንገስ። ሰብ ክነጥቅዕ ካብ ማሕበረሰብ ብዝንፅል ስብእና ዘዋርድ ዕስላዊ ፍርዲ ግን ኣዝዮም ጨካናት ምውላድ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

14 - ሓደነትን ሓድነትን። ኣስኳል ምሽጥር ጥንካረ እስራኤላውያን ሃይማኖታውን ዘርኣውን ሓደነቶም ናብ ናይ ረብሓ ሓድነት ምቕያር ምኽኣሎም እዩ። ሓደነትና ናብ ናይ ረብሓ ሓድነት ክነማዕብሎ ይግባእ።

15 - ሃይማኖትን መንግስትን። ሃይማኖትን መንግስትን ምፍልላዮም ልክዕ ኾይኑ ኣብ ህንፀት ስብእና ግን ተናቢቦም ክሰርሑ ኣለዎም። መንግስተ ሰማይ ዘእቱ ኣብ ምድሪ ተዘየሸሊሙን ኣብ ሰማይ ዘሕጢ ኣብ ምድሪ ተዘይኣቕፂዑን ነብሱን ስጉኡን ዝተፃልእዎ ሰብ ነባፅሕ ኣለና ማለት እዩ።

16 - ዘይልወጥ ነገር እንተሃለወ ለውጢ ጥራይ እዩ። ፖለቲካ ትግራይ ኣወንታዊ ለውጢ ከም ዘድልዮ ልምፍላጥ’ኮ ብዙሕ ምርምር ኣየድልዮን። ኣብ ዓለም ትሕቴና ዝነብር ህዝቢ ኣሎዶ? ኣወንታዊ ለውጢ ግድን እዩ።

17 - ትግራይ ትስዕር። ድሕሪ በሪኽ ስልጣነ ኣክሱም ልዕሊ ሓደ ሚሊንየም ብሰንኪ ሕመቕና ኲናት፣ ስደት፣ ጥምየትን ደርቅን ተፈሊዩና ኣይፈልጥን። ትግራይ መሊኣ ትስዕር ድሕሪ ኲናት መናብርትና ናብ ዝነበረ ዝተላመድናዮ ሕሱም ድኽነት ምምላስ ዘይኮነስ መመሊሱ ዝደቑሳ ዘሎ ዘቤታዊ ሕመቕና ብዘላቕነት ክነዐርዮ እንተኺኢልና ጥራይ እዩ።

ውድቀትና እንተተማሂርናሉ ትንሳኤ ትግራይ ሐዚ እዩ።