INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ካብ ወረርቲ ሓራ ዝወፀት ግዝኣታዊ ሓድነታ ዝሓለወት ትግራይ

ካብ ወረርቲ ሓራ ዝወፀት ግዝኣታዊ ሓድነታ ዝሓለወት ትግራይ ተረኪብካ ብቕልጡፍ ናብ ደግመ ህንፀት ምእታው ጊዜ ክውሃቦ ዘይግባእ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዋኒን እኳ እንተኾነ : ኣብ ትግራይ ዘለዉን ወይ ድማ ንቕድሚት ዝመፅኡ ኣማሓደርቲን መራሕቲ ትካላትን ምስ ህዝብና ዘለዎ ህልው ኩነታት ተዛሚዱ ዕውትነቶም (ብቕዓቶም) ብዘን ዝስዕባ ናይ ስግግር እዋን ስራሕቲ እንተዝልክዑ ዝብል ለበዋ (recommendation) ከቕርብ::

1. ተመዛበለ ህዝቢና ናብ መረበቱ ተመሊሱ እግሪ ክተክል ብምግባር ኣኽኢሎም ዶ?

2. ኣብ ዘማሕድርዎ ስፍራ ዝርከባ ዝተዓፀዋ ብኽፋል ዝተጎደኣ ኣፍረይቲ ትካላት ቅልጡፍ ፅገና ተገይሩለን ሰራሕተኛታትን ተመሊሶም ናብ ናይ ምፍራይ ብርኪ ክሰጋገራ ዝገብሩ::

3. ኣብ በቢከባቢኡ ዘሎ ስቪል ሰርቫንት ናብ ስራሕ ተመሊሱ ንቡር ህይወቱ ክመርሕን ህዝቢ ከገልግልን ዘኽእሉ::

4. ሰብኣዊ ሓገዝ እኹል መጠን ክቐርብን ናብ ኩሉ ደላዪ ሓገዝ ብፍትሓዊነትን ብዘይ ቀጠፍጠፍን ንክባፃሕ ዝገብሩ::

4. ስንዳይ ትኳቦ ምስፋር ጊዜያዊ መፍትሒ እምበር ብቐፃልነት ስንዳይ ዝስፈረሉ ህዝቢ ከይህሉ ቀልጢፍካ ግራውቲ ሓረስታይ ማእቶት ብዘሰስን ዘመናዊን ሳይንሳዊን ኣሰራርሓ ብዘራእቲ ተሸፊኑ ሓረስታይ ናብ ንቡር ህይወት ክምለስ ዘኽእሉ::

5. ንዝሓለፈ 2 ዓማውቲ ልዕሊኡን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተፈልዩ ዝፀንሐ ወለዶ ናብ ምህሮ ክምለስ ኣብያተ ትምህርቲ ዘድሊ ዘበለ ተማሊኡለን ብቕልጡፍ ምምሃር ምስትምሃር ክጅመር ዝገብሩ::

6. ኣብ በቢከባኡ ዘሎ ምምሕዳርን ፀፅታን ንነባራይ ህዝቢ ውሑስ ናይ ፀፅታን ድሕንነትን ሃዋህው ተፈጢሩ ካብ መንዛዕን ወቓዕን ነፃ ኮይኑ ልዕልና ሕጊ ዝኽበረሉ ክኸውን ዘኽእሉ::

7. ኣብ ዝተመደብሉን ዘማሓድርዎን ከባቢ ስልጡን (civilized) ፖለቲካ ክህሉ ዲሞክራሲ ክሰፍን መሰላት ክኽበር ውድባት ፖለቲካን ኣባላቶምን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምሽቑራር ክንቀሳቐሱን ኣማራፂ ሓሳባቶም ክገልፁን ብሰንኪ ዘሰጉምዎ ፖለቲካዊ ቅዋም ሌላን ጉሌላን ከይግበሮም ዝሰርሑ::

8. ትካላት ፍትሒን ፀፅታን ካልኦት ዘይሻራዊ ትካላት ሲቪክ ካብ ዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ነፃ ኮይነን ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ንምግልጋል ክሰርሓ ዘኽእሉ::

9. ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ዝነብር ህዝብና ሰሪሑ ክሓልፈሉ ናብርኡ ንክልወጥን ክህፍትምን ዝገብሮ ሓጋዊ ዝኾነ ፀዓርዓር (ማሕረስ : ንግዲ : ኪነጥበብ : ምህዞን ፈጠራን) ብቕንዕና ብምርኣይ ኣድላዪ ምምሕዳራዊን ትካላዊን ደገፍ ማለት ከም ቀረብ ፋይናንስን ካልኦት እታዎታትን ብዘይ ሌላን ጉሌላን ብምሃብ ዘበረታትዑ::

10. ኣብ ትግራይ ፍሉይ ክንክን ዘድልዮም ተጋደልቲ : ጉዱኣት ኣካልን ስድራ ስውኣትን ክረኽብዎ ዝግባእ ማሕበረ ቁጠባዊን ስነልቦናዊን ደገፍ ዝህባ ትካላት ክስስና ካብ ተመፅዋትነት ሓራ ወፅዮም ዓርሶምን ስድርኦምን ዝጥውርሉ ፕሮጄክታት ሓንፂፆም ናብ ተግባር ዝኣትዉ::

11. እዚ ኩሉ ንክፍፀም ግን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ካብ ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪብካ መሪሕነት ምሃብ ናብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ተዋፊርካ ተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ብምምላስ ብምምሕዳርን ኣብ ጥቕኡ ብምዃን ዝነብሮ ናብራ እናነበርካ መሪሕነት ንምሃብ ድልው ምዃን የድሊ::