INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ናብ ኣላማጣ ዝዉሕዝ ዘሎ ህዝቢ ብዝሓቱ መስደመሚ እዩ::

ናብ ኣላማጣ ዝዉሕዝ ዘሎ ህዝቢ ብዝሓቱ መስደመሚ እዩ:: ጨኒቅዎን ጠምይዎን ስልኪ ንምድዋል ካብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ናብ ኣላማጣ ከይዱ ሰልዲ ንከሐዉል ዝኸደ ህዝብና ንከተማ ኣላማጣ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ኣጨናኒቅዋ ይርከብ:: ሕድሕድ ሆቴላት ብምምልአን ድማ እቲ ሰብና ፍቆዶ ቤተክርስትያናት, መስጊዳትን ኣብቲ ስታድዮምን ቁሪ እንዳተጠፍሐ ይሓድር እዩ ዘሎ:: ኣብ ቅፅሪ ግቢታት ሆቴላት'ዉን ሸራ ተዋሂብዎ 50 ቅርሺ እንዳከፈለ ኣብ ደገ እዩ ዝሓድር ዘሎ:: ናብቲ ስልኪ ዝድወለሉ ስታድዮም ምስከድካ ብጣዕሚ ኢኻ ዝትድንግፅ:: ሓያል ናይ እግሪ ኩዕሶ ፀዋታ ዘሎ እዩ ዝመስለካ እቲ በዝሒ ህዝቢ ምስርኣኻዮ::

እቲ ናብ ኣላማጣ ዝኸደ ህዝብና ናብ ኣላማጣ ምስ ከደ ዝገጥሞ ዘሎ ፀገማት ኣዝዩ እዩ ዘሕዝነካ:: ቀዳማይ ነገር እቲ ዝትሰምዖ ናይ ሓዋላ ሸርፊ መጠን ብጣዕሚ ተስፋ መቁረፂ ሙኻኑ እዩ:: 1100-1200 ሪያል ስዑዲ ተላኢኽልካ 10,000 ብር ኢኻ ዝትቅበል:: 1 ናይ ኣሜሪካ ዶላር ብ36-37 ብር እዩ ዝሽረፍ:: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ባንኪ ኣታዊ ዝተገበትርልካ 100 ቅርሺ ኣብ ኣላማጣ ብ56-57 ብር ኢኻ ዝትቅበላ:: በቃ, ዳርጋ ማዕረ ኢኻ ምስቶም ሓወልቲ እተን ቅርሺ ዝትካፈለን:: ግን'ሞ እንታይ ኢኻ ዝትግብሮ? እተን ቅርሺ እንድሕር ዘይተቀቢልካ ዘለካ መማረፂ'ኮ ምጥማይ, ሙማት ኮይኑ:: ከይፎተኻ, ዕረ እንዳጥዓመትካ እተን 56-57 ብር ክትቅበለን ኢኻ እምበር::

ኣብ ኣላማጣ ዝዘዋወር ዘሎ መብዛሕቲኡ እቲ ሰልዲ ናይ ደሴ ሃፋትም ቅርሺ ከምዝኾነ ዘለኒ ሓበሬታ የመላኽት::

ካልኣይ, እቲ ናብ ኣላማጣ ዝኸድ ዘሎ ህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ናይ ሃንግን ምጭብርባራትን ስራሕቲ ክትሰምዕን ክትርኢን እንተለኻ ብጣዕሚ ኢኻ ዝትሓዝን:: ካብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ዝከዱ ናይ ትግራይ ሌባታት ኣብ ኣላማጣ እዮም ሰፊሮም ዝብል ዘረባ ሰሚዐስ ገሪሙኒ እዩ:: እቲ ፀበባ ከም ዕድል ተጠቂሞም ህዝብና እንዳበሳበስዎ ድማ ይርከቡ::

ቅርሺ ካብ ደገ ዝተልኣኸሎም ሰባት ሓያል ዝብሃል ጥንቃቀ ክገብሩ ይግባእ:: ኣላማጣ ዘለዋ ስርዓት ኣልበኝነት ከም ካልእ ቦታታት ትግራይ መሲልዎም የዋህ ኮይኖም ሰልዶም ከይብልዑ:: ሓደ, ቅርሺ ኣብ ደገ ኣታዊ ምስተገበረሎም ካሽ ሒዘ መፃእኹ ኢሎም ዝጠፍኡ ኣለው:: ነዚ ንከይከዉን ድማ ቀዲምካ ካሽ ኢድ ብኢድ ክከዉን ኣለዎ ኢልካ ምዉዕዓል የድሊ, ነቶም ሰባት'ዉን ብዕቱብ ምክትታል ይግባእ:: ካልኣይ, ቅርሺ ምስተቀበልካ መንዚዖም ዝኸዱ ዕዋሉ ስለዘለው ልዑል ጥንቃቀ ክግበር ይግባእ:: እዚኣ ልምድቲ ስራሕ እያ ኮይና ዘላ:: ኣብ ምዓልቲ 2-3 ሰባት ብከምዚ ዝተልኣኸሎም ሰልዲ ይስእኑ:: ኣነ ናብቲ ስልኪ ዝድወለሉ ዝኸድኩ ምዓልቲ ሓንቲ ካብ ሽረ ናብ ኣላማጣ ዝኸደት ቆልዓ ናታን ናይ ጎረባብታን ዝተልኣኸ 80,000 ብር መንዚዖማ ከይዶም ኣብ ፅርጊያ ፌንት ነቂላ ርእየ እየ:: ኣብዚ ሕዚ ስዓት 80,000 ብር ተወሲድካ ማለት ድማ እቶም ዕዋሉ ነታ ቆልዓን ጎረባብታን ዳርጋ ብካራ ዝሓረድዎም እዩ ዝቁፀር, በቃ ቀቲሎሞም እዩ ዝብሃል:: ሳልሳይ, ቅርሺ ተቀቢልካ ናብ ሆቴልካ ከይድካ ንድራር ክፍልኻ ቆሊፍካ ምስወፃእኻ ካብ ክፍልኻ ዝውሰዶ ነገር ኣሎ;: ቁልፊ ሒዘ እየ, እቲ ሆቴል ሓላፍነት ይወስድ እዩ ገለ ከይትብል:: ብተደጋጋሚ ዝትፍፀም ዘላ ገበን እያ እዚኣ::

በቃ, ሰልዲ ምስተቀበልካ ብህፁፅ ካብ ኣላማጣ ምዉፃእ እዩ ዘድሊ:: ብጣዕሚ, ብጣዕሚ መፍርሒ እዩ ኮይኑ ዘሎ ናይ ኣላማጣ ነገር:: መንግስቲ በቲ ዘሎ ፀገም ምኽንያት እቲ ናይ ሓረፃ ስራሕ ዋላ ጠጠዉ ከብሎ እንተዘይብሉ እንተንኣሰ ግና ኣብቶም ሰልዲ ዝቀያየርሎም ከባቢታት ናይ ፀጥታ ኣካላት ከቅምጥ ይግባእ:: ደም እዩ ዝነብዕ ዘሎ ኣብቲ ከባቢ ዝስረቅ ዘሎ ሰብ:: ኣብ ደገ ኮይንኩም ንኣዝማድኩም ሰልዲ ዝትልእኹሎም ዘለኹም ሰባት ድማ እቲ ሓበሬታ ብምብፃሕ ኣዝማድኩም ልዑል ጥንቃቀ ንክገብሩ ንገርዎም::

*እቲ ናብ ኣላማጣ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሰብ ትራፊክ ግና ስልኪ ንምድዋልን ሓዋላ ንምቅባልን ጥራይ ኣይኮነን:: ፀጊምዎ, ዝትብላዕ, ዝትልሓስ ምስስኣነ, ኣብ ደገ ዝነብር ዝሕግዞ, ዝድዉልሎም ዘይብሎም ሰባት ስድርኦም ሒዞም ንኣላማጣ ሓሊፎም ናብ ቆቦ ገፅ እንዳተሰደዱ እዮም ዝርከቡ:: ክንደይ ንምባሉ ኣፀጋሚ ዋላ እንተኾነ እቲ ስደት ግና ምዓልታዊን ብርክት ዝበለን እዩ:: ኣብ ቆቦ ምስበፃሕካ እቲ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ብልፅግና ትግራይ መታወቂያ ዝሓዘ ሰብ ንቆቦ ሓሊፉ ናብ ደስ ዝበሎ ቦታ ንክኸይድ ዝፍቀደሉ እንትኸዉን, እቲ ናይ መንግስቲ ትግራይ ኣምብላ ዘለዎ መታወቂያ ዝሓዘ ሰብ ግና ናብ ምዓስከራት ይዉሰድ:: መናእሰይ ግና ይኣስርዎም እዮም ገለ ዝብሉ ዘረባታት ኣለው ግን ድማ ከፃርየሉ ዝክእለሉ መንገዲ ስለዘየለ ኣፈይ ሞሊአ ኣይዛረቦን::

ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ እንዳሃለወ ምንም ጭብጢ ከይሓዝካ ተጋሩ ናብ ቆቦ ኣይስደዱን ዘለው ገለ ምባሉ ምንም ጥቅሚ የብሉን:: ፖለቲካ ፎትዮም/ ፀሊኦም ኣይኮኑን ዝስደዱ ዘለው እቶም ሰባት:: ጠምይዎም እምበር::

Read More