INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ካብ ቻይና እቲ ዝሃፍተመ ባዓል ፀጋ " ጃክ ማ " ይበሃል

✅ ካብ ቻይና እቲ ዝሃፍተመ ባዓል ፀጋ " ጃክ ማ " ይበሃል። ልዕሊ 39 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃፍቲ ኣለዎ።

"ጃክ ማ " ከምዝይ ይብል፦ ኣብ ቅድሚ ህበይ ገንዘብን በናናን እንተቀሚጥካ ህበይ በናና ትመርፅ። ም/ቱ ገንዘብ ብዙሕ በናና ከምዘግዝእ ኣይትፈልጥን እያ።

✅ ኣብ መብዛሕትኡ ሰብ ተመሳሳሊ ሙኮራ እንተተካይድ፣ ሓደ ዝተወሰና ናይ ግሊ ስራሕ (ቢዝነስ) እና ብወርሓዊ ደመወዝ ቀሪብካ እንተተምርፆ መብዛሕትኡ ሰብ ወርሓዊ ደመወዝ ዘለዎ ስራሕ እዩ ዝመርፅ።

ም/ቱ ንእሽተይ ናይ ግሊ ስራሕ (ቢዝነስ) ካብ ወርሓዊ ደመወዝ ዝበለፀ ኣታውን ሂወትካ ከምትቅይርን ስለዘይፋልጥ እዩ ።

✅ ሰባት ናብ ድክነት ዝቃልዑ ንዝረከብዎ ናይ ግሊ ስራሕ (ቢዝነስ) ዕድል ብኣግባቡ ክጥቀምሉ ብዘይምክኣሎም እዩ።

ም/ቱ ኣብ ሂወቶም ሙሉእ ኩሉ ግዜ ኣብ ትምህርቲ ቤት እናተምሃርዎ ዝመፁ ስራሕ ማለት "ንወርሓዊ ደመወዝ ምስራሕ" እዩ። ካብ ንናይ ባዕልካ ሕልሚ ምስራሕ ንናይ ካልኦት ሰባት ሕልሚ ምስራሕ እቲ ትክክለኛ ኣማራፂ ከምዝኮነ እዮም ተማሂሮም።

✔ ትኽክል እዩ ወርሓዊ ደመወዝ ካብ ድክነት የናግፈካ እዩ ፤ ነገር ግን ሃፍቲ ንከይትረክብ እዩ ዝገብረካ ።

✅ ኣብ ሂወተይ ካብ 2:00 - 12:00 ሰዓት ዝሰርሕ ተቆፃሪ ሰብ ሃፍታም ኽኸውን ሪአ ኣይፈልጥን - ይብል " ጃክ ማ"። ትክክል እዩ ኣብ ናትና ዘሎ ወጣት ክረአ እንከለ እቲ ሓቂ ንሱእዩ።

ም/ቱ ተቆፂርካ ብትረክቦ ወርሓዊ ደመወዝ ሃፍቲ ፣ ጥሪት ፣ ገዛና ንባዕልኻ ተለዊጥካ ንካሊእ ክትረድእ ኣይትክእልን።

✔ ሓቂ እዩ ብወርሓዊ እንተሃሊኳ ዋላ እትደልዮ ነገር ኣይትግበር ብኣታዊኻ ልክዕ ምንባር ግን ትለምዶ ኢኻ።

♻ ካብስራሕ እናደለኻ ግዜኻምጥፍእ ብንእሽተይ ዋላይኹን እቲ ናይግልኻ እትጅምረሉ ናይ ስራሕ ፈጠራ ሓሳብ ትኩረት ክትገብረሉ ይግባእ።