INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብይ ብልፅግና ምስ ኢሳያስ ህግደፍ ኣይደሓንን!?

እዞም ገበነኛታት ኵናት ስምምዕ የብሎምን ዝብል ተደጋጊሙ ይዝረብ ኣሎ፡፡ ሓቂ ድዩ ወይስ ሰናይ ድልየት ዝፈጠሮ ወረ!?

«ስምምዕ የብሎምን፤ ኣብ ሞንጎኦም ነቓዕ ተፈጢሩ እዩ» ኢሎም ዝምጉቱ ፈለጥቲ ውሽጢ ፍልፍላት፤ እዚ ዝስዕብ መርትዖ የቕርቡ ኣለዉ፡፡

ሃገራዊ ደህንነት ኢሳያስ ብዕሊ ምስ ደህንነት ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላቱ፤ ብጉጅለ ኣብይ ተመስገን ጥሩነህን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተባረሩን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ዝተኣሰሩን ኣለዉ፡፡ ብሕቡእ ስራሕቲ ስለላ ዝመርሑን ዘካይዱን ዝነበሩ ጥራሕ እንተይኮኑስ፤ ምስ ኣባላት ደህንነት ኢትዮጵያ ኮይኖም ክንደይ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝፍፅሙ ዝነበሩ፤ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ዝተጨወዩን ተቀቲሎም ዝተረኸቡን ኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ህግደፍ ኣለዉ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ስለያ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትራኸቡ፣ ኣንፃር ማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትንቀሳቐሱን ሸርሒ ትፍሕሱን ነይርኩም ብዝብል ክሲ ቀሪቡዎም፤ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ፀጥታን ፖለቲካዊ ኣመራርሓን ኣምሓራ ኣለዉ፡፡

ንቱ ማእኸሉ ምፅናት ትግራይ ዝገበረ ገበናዊ ዝምድና ክልቲኦም ገበነኛታት ኵናት ዝዘረገ፤ «ብኽልቲኦም ወገን ዝተፈፀመ ዘቃሓሕሮም ጉዳይ ዶ ይህሉ?» ንዝብል ሕቶ፤ «እወ!» ዝብል ምላሽ ዝሃቡ እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ፤ ብወገን ኤርትራ ዝተገበሩ፤ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ብልፅግና ቅሬታ ዝፈጠሩ ቀንዲ ጉዳያት እዞም ዝስዕቡ እዮም ይብሉ፡፡

• ኣባላት ሃገራዊ ደሕንነት ኤርትራ ኣብ ሸርፊ ወፃኢ ብስፍሓት በምውፋር፤ ፀሊም ዕዳጋ ክሰፋፋሕን ንቱ ብኵናት ኣዐርዩ ዝተሃሰየን ዝወደቐን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ቅልውላው ክኣትዎ ምግባሮምን፤ ንቱ ዝዓፍጠጡዎ ቅርሺ ወፃኢ ሸርፊ ሓጣጢጦም ናብ ቤተመንግስቲ ኣስመራ ምውሳዶም፤

• ንዙ ፀሊም ዕዳጋ መንቀሳቀሲ ቅርሺ ድማ፤ እቱ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝወረርዎ ቅርሺ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ዘይሕጋዊ (ፎርጅድ) ቅርሺ ኢትዮጵያ ኣሐቲሞም ምዃኖም፤ ብሌ/ጀነራል ጌታቸው ጉዲና ሓላፊ መምርሒ ወተሃደራዊ ደህንነት ዝነበረ ዝምራሕ ብምሽጥር ዝተጣየሸ ኮሚቴ ምክልኻል ሃገር፤ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣፅኒዑ ንጉጅለ ኣብይ ዝርዝር ፀብፃብ ምቕራቡ የዘኻኽሩ፡፡ ሽዑ ግና ኣብይ ኣሕመድ ባዕሉ፤ «ንባዕልና ዘቃልዕ ጉዳይ ስለዝኾነ፤ ህዝብን ሰራዊትን ኢትዮጵያ ከይሰምዕ፤ ምስኤርትራ እውን ከየጓንፀና ብምሸጥር ይተሓዝ» ኢሉ ተዓቂቡ ዝተትሓዘ ፀብፃብ እዩ፡፡ ሌ/ጀ ጌታቸው ጉዲና እውን እዙ ዕምቆት ዘለዎ ኣንፃር ኤርትራ ዘቕንዐ ፀብፃብ ምስኣቕረበ፤ ብድሕሪኡ ካብ ሓላፍነት መምርሒ ወተሃደራዊ ደህንነት ምክልኻል ሃገር ኣልዒሉ፤ ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ገይሩ ናብ ግንባር ጎንደር መዲቡዎ፡፡

• ኣብ ልዕሊ እዙይ ድማ፤ ዳርጋ ኣብ ኩለን ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ብኤርትራውያን ዝተጣየሻ እንዳ ሽሻታትን ካልኦት ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ብኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ዝምርሓ ኮይነን፤ ኩለን ድማ ኣብ ንግዲ ሓሺሽ (Cocaine) ዝተዋፈራ ምዃነን፡፡ እዙ ሓሺሽ እውን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ካልኦትን፤ ብቦሌ ኣቢሉ ናብ ዓዲ ከምዝኣቱን፤ ንዙ ንምስላጥ ድማ ኣብ ቦሌ ዝርከብ መርበብ ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓቢሩ ክሰርሕን ክርባሕን ምፅንሑ፡፡

• መንግስቲ ኢሳያስ ብመሓውራት ሃገራዊ ደህንነትን ምክልኻል ሃገርን ኤርትራ ኣቢሉ፤ ብዘይ ኣፍልጦ ማእኸላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሕቡእ ናይ ፀጥታን ደህንነትን ኢሉ እውን ወተሃደራዊ ርክብ ምግባሩ፡፡ ብዙይ እውን ኣብ ሃገራዊ ውሳነታት መንግስቲ ኣብይ ኢትዮጵያ፤ ፀቕጥን ፅዕንቶን ክፈጥር ምንቅስቓስ ምጅማሩ፡፡ ጉጅለ ኣብይ ንምዕራባውያን ኣብ ዘተስፍዎ ናይ «ዝበልኩምኒ ኩሉ ክገብሮ እየ» ውሳነታትን ምንቅስቓሳትን፤ ብቅሉዕ ዓንቃፋይ ስጉምትታት ክሳብ ምውሳድ ምብፅሑ፡፡

• ምስ'ዙይ ተተሓሒዙ፤ ምህርትታት ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ዕዳጋን ቐረፅን፤ ብዘን ክልተ ክልላት ኣቢሉ ብበዝሒ ናብ ኤርትራ ክሓልፍን ኣብ ውድቀት ኢኮኖሚን ቀረብን እዛ ሃገር ዝገደደ ቅልውላው ክፍጠር ምግባሮም፡፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ብዘን መንገድታት ዝኸደ ምህርትታት፤ ኣብ ኣስመራ ዝሽወጠሉ ዋጋ ካብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዋጋ ዝሓሰረ ምዃኑ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ኣብ ቀረብ እውን ኣብ ኣስመራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝሐሸ ቀረብ ምህርቲ ኢትዮጵያ ምህላዉ፡፡

• ካብ'ዙይ ሓሊፉ እውን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ዘካየዱዎ ኵናት ምፅናት ዘርኢ፤ ሰራዊት ክልቲኦም ሓቢሮም ከም ምስላፎም፤ ኣብ ዝተፋላለየ ግዘ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዓዶም እንትምለሱ ዘመናዊ ኣፅዋራትን ወተሃደራዊ ተሽከርከርትን ንዋትን ኢትዮጵያ እናሓዙ ምኻዶም፤ ኣብ ውሽጢ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብልፅግና ዝኸፍአ ቅሬታን ተቓውሞን ኣስዒቡ ኣሎ፡፡

• ብሰንኪ እዙ ብሰራዊት ኤርትራ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ወራር ወተሃደራዊ ናውቲ ኢትዮጵያ፤ ኣብ'ዙ ሐዚ እዋን ኣብዝሓ ሜካናይዝድ ክፍለሰራዊታት ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ሕፅረት ንዋታዊ ዓቕሚ ከምዘለዋን፤ ኣዘዝቲ ሰራዊት በብብርኩ ዘልዕሉዎ ተዃሳሒ ጉዳይ ሃገር ኮይኑ ይርከብ፡፡

• ካልእ ኣብይ ኣብ ዝተፋላለየ ኣኼባታት ንላዕለዎት ኣመራርሓ ብልፅግናን ንላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብልፅግናን ደጋጊሙ ዝተዛረቦ፤ «መንግስቲ ኢሳያስ ዘይእመንን ንሕውነት ኣይኮነንን ንጉርብትና እውን ዝምችው ሰብ ከምዘይኮነ፡፡ ወደብ ዓሰብ ንነዊሕ ዓመታት ብኮንትራት ባዕልና ኣማዕቢልና ንኽንጥቀመሉ ዘቕረብናሉ ሕቶ እኳ፤ ኢትዮጵያ ኣይንኣምነኩምን ፀኒሕኹም ናትና እዩ ክትብሉ ኢኹም ኢሉ ነፂጉዎ፡፡ ንዙይ እኳ ዘይኸውን ርክብ ድኣ እንታይ ክገብረልና እዩ» ከምዝበለ ካብ ዝተፋላለዩ ፍልፍላት ዝተረጋገፀ እዩ፡፡

ብሓፈሻ እዚታትን ካልእ ፍሕፍሓትን ክልቲኦም ገበነኛታት ኵናት ተደማሚሩ፤ ኣብ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኩራን ካብ ቃልኪዳኑ ምርሓቕን ኣስዒቡ ኣሎ፡፡

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈፀማ ንኢሳያስ ዘኾረያ፤ «እዚ ዶ ኢደይ!» ዘበላ፤ ናይ ቃልኪዳን ቀለበቶም ክምልስ ኣብፂሐንኦ ዘለዋ ጉዳያት ድማ፤ እዘን ዝስዕባ እየን፤ ይብሉ እዞም ፈለጥቲ ውሽጢ፡፡

• ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፤ «ኣባላት ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፤ ምስ ኣምሓሩ ተሓባበርቶም ተማሻጢሮም፤ ሸርሕን ዕልዋ መንግስትን ክፍፅሙ እዮም» ብዝብል፤ ብደህንነቱ ኣቢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክቕተሉ ገይሩ፡፡ ክሳብ ሐዚ ብጭቡጥ ዝተረጋገፀ ዓሰርተሓደ ኣባላት ቅንፀላ ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ከም ዝተቐንፀሉ እዩ፡፡

• መንግስቲ ኣብይ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ምእንታን ክመሳሰልን፤ ተታሒዙዎ ዘሎ ሓገዝን ልቓሕን ሓዊሱ ኣጎዋ ናብ ንቡሩ ምእንታን ክምለስ፤ ዝበልዎ ኹሉ ክገብር እየ እናበለ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶን፤ ብዝገደደ ድማ ንኢሳያስ ከየማኸረ ምስ ወያነ ኣብ ስሸልስ ደሴት ምሽጥራዊ ድርድር ገይሩ ዝብል፡፡

• ኣብይ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ምእንታን ክዕረቅ፤ ኣጀንዳ ወያነ ሒዙ፤ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይውፃእ ንዝብል ምቕባሉ፡፡

• «ከምዝጀመርናዮ ንወያነ ከየጥፋእና ሰላም ኮነ ዕርቂ ዝብሃል የለን» ንዝብል ተሪር ቅዋም ኢሳያስ ኣመልኪቱ፤ በሰንኪ ኢኮኖሚያውን ወተሃደራውን ውድቀት እታ ሃገር፤ ኣብይ ድሕርሕር ምባሉ፤ ወተሃደራዊ ርክባቶም ከም ድሌት ኢሳያስ ክኸይድ ኣይከኣለን፡፡

• ካብዚ ሓሊፉ እቶም ምስ ኢሳያስ ሕቡእ ፀጥታውን ወተሃደራውን ርክብ ጀሚሮም ዝነበሩ ዝተፋላለዩ ክፋላት ኣምሓራን ብዓወል ዓርባ ዝምራሕ ጉጅለ ዓፋርን፤ ብጉጅለ ኣብይ ካብ መጠንቀቕታ ሓሊፉ ስጉምቲ ክውሰደሎም ምጅማሩ፡፡

እዚታት ንኢሳያስ የመና ኣኾርዩዎ፤ ንወያነ ንምውቃዕ በይናዊ ምድላዋት ክገብር ተገዲዱ ኣሎ፡፡ እሞ ብዙይን ወድዙይን፤ ፍቅርን ቃልኪዳንን ኣብይን ኢሳያስን ነቓዕ ፈጢሩ እዩ፤ ዝብል ሓበሬታ እዩ ብዝዓበየ ካብ እዞም ውሽጣዊ ፍልፍላት ዝስማዕ ዘሎ፡፡

መተሓሳሰቢ፤
ስምን ዝርዝር ኩነታትን ናይ'ዞም ብደህንነት ኢትዮጵያ ዝተቐንፀሉ 11 ኣባላት ቅንፀላ ሃገራዊ ደህንነት ኤርትራ፤ ካብዞም ፈለጥቲ ውሻጢ ጉጅለ ኣብይ ተረኺቡ ስለዘሎ፤ ኣብ ቀፃሊ ክቐርብ እዩ፡፡