INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሰራዊት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ዝፈፀሞ ዕንወት ቴክኖሎጂታት ማይ፡

ሰራዊት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢሮብ ብዝፈፀሞ ጉሕለትን ዕንወትን ቴክኖሎጂታት ማይ፡ ኣብቲ ወረዳ ስራሕቲ ሞስኖ ምስላጥ ከምዘይተኽኣለ ነበርቲ ሓቢሮም።

እቲ መግለፂ ኩሎም ድሕረታትን ድንቁርናን ዝኾነ፣ ስርቂ፡ ዓመፅን፡ ኣረመኔኣውነትን መግለፂኡ ዝኾነ ኣራዊት ሰራዊ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ካብ ዘብፅሖ መስካሕክሒ ጨፍጫፍ ብተወሳኺ፡ ህዝቢ ኢሮብ ንልምዓት ሞስኖ ዝጥቀመለን ዝነበራ ሓሙሽተ ዓበይቲ ሞተራት ማይን፣ ኣብ ግድብ ዓሳቦል ዝነበረ 10 ሄክታር ሞስኖ ዘልምዕ ሶላርን ብምጉሓል፡ ናብ ኤርትራ ፅዒኑ ከም ዝወሰዶ ተሓቢሩ።

ዋሺንግተን ዲሲ:30 መጋቢት 2014 ዓ/ም (TMH)

ዕሱብ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፥ ሓረስታይ ኢሮብ ልምዓት መስኖ ከይጥቀም ከቢድ ጉሕለት ንብረትን ዕንወት ቴክኖሎጂ መስመራት መስኖን ከምዘካየደን የካይድን ምህላውን ተገሊፁ

ዕሱብ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ 2013 ዓ/ም ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝብ ኢሮብ ዝፍፅሞ ግፍዕን ጨፍጫፍን ይቕፅሎ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ሓረስታይ ኢሮብ ልምዓት መስኖ ከየካይድን ግዳይ ድኽነት ክኸውንን ብምዕላም፡ ጉሕለት ናውትን ዕንወት መስመራት መስኖን ዝፈፀመ ሰራዊት ኤርትራ ዝሓሸ ጉልበት ዝነበረንን ንልምዓት መስኖ ደገፍቲ ዝነበራን ሓሙሽተ ዓበይቲ ሞተራትን ሓዊሱ፡ ኣብ ግድብ ዓሳቦል ዝነበረ 10 ሄክታር ሞስኖ ዘልምዕ ሶላር ናብ ኤርትራ ፅዒኑ ከምዝወሰዶ መተሓባበሪ ማሕበረ ቁጠባ ወረዳ ኢሮብ ኣይተ ዮሴፍ ምስግና ንጋዜጣ ወይን ኣብ ዝሃበዎ ሓበሬታ ገሊፆም።

ኣይተ ዮሴፍ ኣብ ጣብያታት እንዳሞሳ፣ ዓገረለኾማን ደውሃንን ዝነበራ ሓሙሽተ ዓበይቲ ሞተራት ብዕሱብ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ምጉሓለን ብተወሳኺ ሓረስታይ ኢሮብ መስኖ ክጥቀም ተባሂሉ ኣቀማምጣ መሬትን ሕፅረት ማይን እታ ወረዳ ኣብ ግምት ብምእታው 10 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ዝርገሐ መስመር ቱቦ ማይ ተዘርጊሑ ልምዓት መስኖ ይሳለጥ ዝነበረ ኮይኑ፡ ዛጊድ ብዝተገብረ ዳህሰሳ 3,700 ኪሎ ሜትሮ መስመር ምሉእ ብምሉእ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ምዃኑ ወሲኾም ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ንልምዓት መስኖን ንመስተ ማይን ዝውዕል ግድብ ዓሳቡል ግልጋሎት ከይህብ ኣብቲ ግድብ ዝተሃንፀን 10 ሄክታር ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ዝነበሮ ሶላር እንትውሰድ ብልዕሊ 150 ሚልዮን ቅርሺ ወፃኢ ዝተሰርሐ ሲስተም መስመር መብራህቲ እውን ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ ብምግባር፡ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝረክብ ዝነበረ ህዝቢ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከም ዝርከብ እቶም መተሓባበሪ የረድኡ።

ሰራዊት ኤርትራ ብምኽንያት ዝፈጠሮ ዕንወት ቴክኒሎጂታት ሞስኖ፡ ሓረስቶት ወረዳ ኢሮብ ናብርኦም ብሞስኖ ንምሕጋዝ ካብ ዝተኸሉዎም ቀወምቲ ተኽልታት፡ ልዕሊ 50% ከም ዝሓረሩ ዝተረጋገፀ ኮይኑ፣ ዛጊድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝርከባ ጣብያታትን ቁሸታትን ከቢድ ዕንወት ይበፅሐን ከም ዝህሉ ስግኣቶም ገሊፆም።