ምእካብ ሓበሬታይ ማዕኸን ማህደራትይ ናጻ ትግራይ

ድሕረገጽ TigrayNLስለምንታይ ሃምልተኻፈተ፣ ሃመይኸ ሃምልተዋደደይ መብርሂ

TigrayNL ኣብ ሆላንድ ብልነብር ዲያስፖራ ትግራዋይ ልተኸፈቶ ድሕረገጽ እዩ። ኣብዚ ጊዜ እዙይ ኣብ መሉእ ዓለም ልነብር ኹሉ ዲይስፖራ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ልካየድ ለሎ ዂናትይ ሰኣኔታ ሓበሬታይ ብጣዕሚ ለተሓሳስቦ እዩ።

ስለዚዝኾነ ካብ ኣብ ሙሉ ዓለም ለለዋ እሙናት ሚድያታት፣ ሓበሬታታት፣ ህትመት ጽሑፋት ኣኪቡ ኣብ ማዕኸን ማህደር (database) ብምቕማጥ፣ ድልየት ልለለዎ ሰብ ልኸንብቦ (ልኽሪኦ) እዚ ድሕረገጽ ኻፊቱ።

መጀመርታ ልቋንቋ ሆላንድ ተናገርቲ መሓዙቱ ጥራሕ ሓበሬታ ልምሃብ እዩ ሓሲቡ ነይሩ። ዳሓር ግን ልእንግሊዝኛይ ትግርኛይ ልኽጥቀሙ ሰለስተ ቋንቋ ድሕረገጽ ገይሩዎ።

ስለምንታይ ድሕረገጽ TigrayNL ተኻፊቱ?

በዓልዋና TigrayNL መቦቕሉ ትግራይ ስለልኾነ፣ ኣብዙ ጊዜ እዙይ ትግራይ ብዙሓት ጸላእታ ከጥፍኡዋ ስለዝተልዓሉ፣ ኹሉ ትግራዋይ ህዝቡ ልኸድሕን ክቃለስ ስለዘለዎ፣ ኣብዙ ቓልሲ ናባዕሉ ጊደ ከዋጽእ ሕሊንኡ ስለዘገድዶ እዩ እዙ ድሕረገጽ ኻፊቱ። ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ልካየድ ለሎ ዂናት ህዝቢ ዓለም ከይሰምዖ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኹለን ሚድያታት ሒዙ ናሓሰት ወረ (ፕሮፓጋንዳ) ኣብ ልዕሊ ትግራይ ስለዝነዝሕ፣ ሓቀኛ ኹነታት ትግራይ ዓለም ክፈልጦለዎ ብልብል ሓሳብ እዩ እዚ ድሕረገጽ ኻፊቱ።

ሎሚ ትግራይ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ኣብልኾነ ኹነታት እያ እኒሃ። ህዝቢ ትግራይ ልምጥፋእ (ልምጽናት) ብዙሓት ጸላእታ (መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣምሓራ፣ ኤርትራ ወዘተ) ተላፊኖም ይሰርሑለዉ። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ልፍጽሙዎለዉ ግፍዒታት ናዓለም ህዝቢ ክፈልጦ ምግባር ዓብዪ ቁምነገር እዩ። ስለዚ ኹሉ ትግራዋይ ኣብታ ልቕመጠላ ለሎ ሃገር፣ ብፍላይ ልመሓዙቱይ መሳርሕቱይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ልፍጸምሎ ግፍዒ ተፍሊጡዎም ዓብዪ ኣስተዋጽኦ እዩ። TgrayNL ዋና ድልየታ እዙይ እዩ።

ቁምነገር ለለዎ ድሕረገጽ ምኽፋት ቓሊል የኾነይ። ሓደ ብዙሕ ጊዜ ክህልየካ ኣለዎ። ኻልኣይ፣ መልእኽቲኻ ከንብበልኻ ልደሊ ህዝቢለ ክህሊ እኒሀዎ። ጊዜ ተሃለካ፣ ናመጀመርታ ሰማ ዕትኻ (ኣንበብትኻ) ክኾኑ ልኽእሉ ማሓዙትኻ እዮም። ልመሓዙትኻ ኹኔታት ትግራይ ብቃል ምንጋር ይከኣል። ግን ኹልሻእ ልመሓዙትኻ ሽግር ጥራሕ ምንጋር ኣሸጋሪ እዩ። ኣብ ኣውሮጳ መሓዙትኻ ብጥንቃቐ ኢኻ ትሕዞም። ጸገም ጥራሕ ምንጋር ልፉተ የኾነይ። ጸገም ጥራሕ ልተውሪ ተኾይንኻ መሓዙትኻ ትስእኖም ትኽእል ኢኻ። ኣነ ግን ዓርኪ ልበሃል እማ ልምንታይ ድዩ ክበሃል ይከኣል። ዋና TigrayNL ግን ቐጻላይ ኹነታት ትግራይ ክነግሮም ጀሚሩ። ብለሐጉስ ኹነታት መብዛሕትኦም ብሃንቀውታ ክሰሙዑዎ ድልየቶም ምዃኑ ተረዲኡ።

ስለዚ ድልየት ለለዎም ሰማዕቲ ኣግኒዩ ማለት እዩ። ቓጺሉ ሃመይ ገርኻ እዩ፣ መዓልታዊ ልንገር ኹነታት ትግራይ፣ ልኹሎም ኣዕርኽቲ፣ ልባዕሎም ኣብልሙችዮም ጊዜ፣ ብሓደሻዕ ላብ ኹሎም ከተብጽሖ ልኽእል ኢሉ ሓሲቡ። ኣብ ሶሻአል ሚድያ ብዙሕ ይወጸ እዩ። ግን መብዛሕቲኡ ስምዒት ለልዕል ወይም ሰበር ዜና እዩ። ስለዚ ልሓዋሩለ ሰባት ከንብቡዎ (ክሪኡዎ) ልኸእሉ ማዕኸን ማህደር (database) ምኽፋት ይሐሽ ኢሉ እዙ ድሕረገጽ እዙይ ኻፊቱ።

መጀመርታ ምስ ጥንታዊ ታሪክ ትግራይ ተፋለጡ

እታ ሎሚ ልንፈልጣ ሃገር ኢትዮጵያ ጥንታዊ ታሪክ ለለዋ ሃገር እያ ይበሃል እይ። ትግራይ አካል ኢትዮጵያ ርግጽ ክበሃል ይከኣል እይ። እዚ ጥንታዊ ታሪክ ግን ታሪክ ትግራይ እዩ። እታ ሎሚ ንፈልጣ ኢትዮጵያ ዕድሚኣ 130 ዓመት ጥራሕ እዩ። ትግራይ ግን ለሽሓት ዓመታት ልነበረት እያ። ቕድሚ ምስ ኢትዮጵያ ምዃና፣ ል ሚእቲታት ዓመታት ኣካል ኣቢሲንያ (ሃገራ ሃበሻ ) ነይራ እያ።

ኢትዮጵያ ልበሃል ሱም ቕድሚ 130 ዓመት (ብህዝቢ ሓበሻ) ኣይፍለጥይ ነይሩ። ኢትዮጵያ ሃጸይ ሚኒሊክ (ኣሓራይ) ካብ 1889 ዓም (ፈረንጂ) ጀሚሩ፣ ልታ ነበረት ን እሽቶይ ሃገር ሓበሻ፣ ሰፊሕ ግዝኣት ደቡብይ ምብራቕይ ወሪሩ ብልሓዘ ልተፈጠረት ሃገር እያ።

ደቡብይ ምብራቕይ ኢትዮጵያውያን ሓብሻ የኾኑይ። ስለዚ ክሻዕ 1930 ዓም (ፈረንጂ) እታ ሃገር ሱማት ብኽልቲኡ፣ሃገረ ሓበሻ፣ ኢትዮጵያ፣ እላተጸውዐት ጸኒሓ። ብ 1930 ዓም ሃጸይ ኃልየልሰላሰ እቲ ሃገረ ሓበሻ ልብል ሱም ሃምልቓሪ ገይሩ።

ኹነታት ትግራይ እሻዕ ሰነ 2021 ዓም (ፈረንጂ)

ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚራ ትግራይ ኣብ ኻቢድ ዅናት እያ ለላ። ል 8 ኣዋርሕ ካብ 600000 ልበዝሑ ወታደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ መንግስቲይ ሚሊሻይ ኣምሓራይ፣ መንግስቲ ሶምሊይ ብምትሕብባር ልታ (ህንዲ ሆላንድ ትኾን) ንእሽቶይ ትግራይ ወሪሮም ሒዞምዋ። ትግራይ 10፣000 ወታደራትይ ህንድ ኦም ልኾኑ ሚሊሻታትይ ሒዛ ክምክቱዎም የኸኣለትይ። ል 8 ኣዋርሕ ካትግራይ ዋላ ሓንቲ ወረ ሃምለይወጽ እ ጌሮም ብዙሕ ህዝቢ ትግራይ ቓቲሎም፣ ብዙሕ ንብረት ትግራይ ኣዕንዮም፣ ብዙህ ቅርሲታት ትግራይ ኣዕንዮም ዘሪፎም፣ ብሚልዮናት ልኾና እንሣታት ወሪሮም ልዓዲ ኣምሓራይይ ኤርትራይ ወሲዶም። ትግራዋይ ልበሃይ ዓልየት ከጥፍኡ ብዙሕ ኽፍኣት ገይሮም። ኣንስቲ ምኽታር/ምዕማጽ፣ ህዝቢ ትግራይ ምጥዋይ ሃም መዋግ ኢ ብረት ጌሮም ተጠቒሞሙሉ። ብሚእቲታት ኣሽሓት ልቑጸሩ ተጋሩ ቓቲሎም። ኣዝማደይ ተጎዲኦም፣ ካብዚ መዓት እዙይ ከምልጡ የኸኣሉይ።

እቲ ዂናት ላብ ህዝባዊ ዂናት ተቓይሩ። 6 እሻ ዕ 7 ሚልዮን ልኾኑ ተግራዎት ተሓባቢሮም፣ ሙሉ እ ዲያስፖራ ትግራዎት ለ ተሓባቢሮም፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዓበይቲ ሰላማዊ ሰልፊታትይ ዲብሎማስያዊ ቓልሲታትይ ገይሮም። ስለዚ አብ ወርሒ ሰነ ዂናት ሓይሊ ሚዛን ተቓይሩ። ህዝባዊ ቓልሲ ትግራይ ስኢሩ። ጸላእታ ካብ መብዛሕትኡ ትግራይ ተባሪሮም ወጺኦም። ኣብ ሜራብ ትግራይ ጥራሕ ቓርዮም።

ን እሽቶይ ን እሽቶይ ይኹን እምበ፣ ካብ ሰነ ልደሓር ካብ ትግራይ ሓበሬታታት ምውጻእ ጀሚሮም።

እቲ ዅናት ግን ገና የተወድአይ። ኣብ ዓዲ ኣምሓራይ ዓፋርይ ቓሲሎም ይቅዋጋ እለዉ። ይኹን እምበ ትግራይ ኸዚለ ካብ ዓለም ተነጺላ/ ተዓጽያ እያ ለላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኹሉ አብ ትግራይ ልነበሩ መንግስታዊ ይኹን ውልቃዊ ግልጋሎታት ዓጽዩ። ናስልኪ፣ ባንኪ፣ ማይ፣ ኤሌትሪክ፣ ትራንሶርት ወዘተ ኩሎም ተዓጽዮም እዮም።

ካብ ዓለም ክመጽእ ልኸእል ረድኤት (ሓገዝ) ላብ ትግራይ ሃምለይኣቲ ተገይሩ። ሕቡራት መንግስታት ተይቓረዩ ተኻልኺሎም።

ብሚልዮናት ልቑጸሩ ተጋሩ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብ ገዛውቶም ተፈናቒሎም ብጥምየት ይሳቐይለዉ።

ድሕረገጽ TigrayNL ሃመይ ሃምልተዋደደ መብርሂ

TigrayNL ድሕረገጽ ኢንግሊዝኛ፣ ሆላንድኛይ ብትግርኛይ ልተጽሓፈ እዩ። ላብ ሰለስቲኦም ቋንቋታት ካብ ኹለን ገጻት ክትኣትዩ ሃምልትኽእሉ ጌሩ እዩ ተዋዲዱ። ብተወሳኺ፣ ብንእሽቶይ መርአዪ ወይም ተንቓሳቐሲ ቴለፎኦን ክትሪኡ ትኸሉ ኢኹም። ንእሽቶይ መርአዪ (screen) (ወይም ተንቓሳቐሲ ቴለፎኦን) ተተጠቒምኹም፣ ልታ 3 መስመር ለለዋ ጻዕዳ ምልክት (ሃምበርገር ምልክት) ብምጽቓጥ ላብ ልመረጽኹምዎ ገጽ ትኣትዩ ትኽእሉ ኢኹም።

    ኣብ ርእሲ እቲ ድሕረገጽ ትርኡዎ ብሩህ እዩ። ቋንቋ ትመርጹ ትኽእሉ። ኹለን ገጻት ናባዕለን ሕጽር ልበለ ሜትዊ እኒሀወን እዩ ኣብ ትሕቲ እዝዩ ገምጋም እቲ ገጽ ተግንዩ ትሕቲ ኡ እቲ ትሕዝቶ እቲ ዋና ተግንዩ ኣብ ጎኒ ኣፍቱ ልተንብቡዎ ለለኹም ገጽ ትኹረት ክወሃበን ለለወን ሃሳባት፣ ወይም ላድ ምስሊ ወይም ላብ መበቆል ሃሳብ ልኾነ ኻለ ድሕረ ገጽ የመክቶኩም ትሕቲ ኹሉ ፍሉይ መልእኽቲ (ማስታወቅያ) TigrayNL ተግንዩ።
    • ኣብ ርእሲ እቲ ድሕረገጽ ትርኡዎ ብሩህ እዩ። ቋንቋ ትመርጹ ትኽእሉ። (ዛ ኸዚ ተንብቡዋ ለለኹም )
    • ኹለን ገጻት ናባዕለን ሕጽር ልበለ ሜትዊ እኒሀወን እዩ (መእተዊ ዝጸሓፈሉ)
    • ኣብ ትሕቲ እዝዩ ገምጋም እቲ ገጽ ተግንዩ (ዋና መል እኽቲ ልጸሓፈሉ)
    • ኣብ ጎኒ ኣፍቱ ልተንብቡዎ ለለኹም ገጽ ትኹረት ክወሃበን ለለወን ሃሳባት፣ ወይም ላድ ምስሊ ወይም ላብ መበቆል ሃሳብ ልኾነ ኻለ ድሕረ ገጽ ይወስደኩም (የመክተኩም)
    • ትሕቲ ኹሉ ፍሉይ መልእኽቲ (ማስታወቅያ) TigrayNLተግንዩ።

መልእኽቲ Tigray.nl

ልምኽሪኹምይ ድጋፍ ሓሳብኩምይ የመስግን።