INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

እሕሕ. . . .

እ.ቲ ፀገም ኣብ ጨናፍሩ ዘይኮነስ ኣብ ሱሩ እዩ ክረአ ዘለዎ። ተቓወምቲ ውድባት (ንውናት ሓዊሱ) ኣብ ትግራይ "ድሕሪ ሐዚ ኣብ ትግራይ ሕጋዊ መንግስቲ የለን። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝፈረሰ ድማ ናይ ትግራይ ሕገ መንግስቲ እውን ፈሪሱ እዩ። ሐዚ ትግራይ ሕገ መንግስቲ የብላን" ኢሎም ኣዊጆም። እዚ ክብሉ ከለዉ መዓልቲ መውቅዒ በትሮም የቐብሉ ከም ዘለዉ እንትንዛረብ "ሱቕ በል ኣንታ ካድረ" ካብ ዝብል ፀርፊ መሰል ሹመት ወፃኢ ዝሃቡና መልሲ ኣይነበረን። "ኣብ ትግራይ ሕገ መንግስቲ የለን" እንተይልካ ኩሎም ሕግታት ካብ ሕገ መንግስቲ ስለ ዝቕድሑ "ኣብ ትግራይ ሕጊ የለን" ማለት እዩ። እዚ ቡዙሓት ቀውስታት ሒዙ ከም ዝመፅእ ዘይፈልጥ ፖለቲከኛ ከመይ ገይሩ ፖለቲከኛ እየ ከም ዝብል ኣይርደአንን። "ፖለቲከኛ እየ" ምባሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት "ፖለቲካ ኣይኽእሉን" ኢሉ ምፅራፉ ይገርመካ። "ሕጊ ሕገ መንግስትን መንግስትን የለን" ማለት ንባዕልኻ ሕጋዊ ውሕስና ዘይትረኽበሉ ስርዓት (anarchy) ኣፍልጦ ምሃብ እዩ።

ኣብቲ ክርክርና እዚአን ኣይርሰዐንን

1. ሕገ መንግስቲ ተጣሒሱ እምበር ኣይፈረሰን። ንምፍራሱ ቡዙሓት ረቛሕታት ፣ ምልኣት ሕጋዊ ከይድን ህዝባዊ ኣፍልጦ ዝሓትትን እዩ (እንተነኣሰ ኣብ ክንዲ እቶም 120 ሚልዮን ህዝብታት ኢትዮጵያ "ሕገ መንግስቲ ፈሪሱ" ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን - at least ንዐኦም ሕገመንግስቶም ኮይኑ ይሰርሕ ከም ዘሎ ምፍላጥ የድሊ ነይሩ)።

2. "ሕገመንግስቲ የለን" ኢልኩም እንተኣዊጅኩም ድሕሪኡ ዝመፅእ ስርዓት ኣልቦነት (vandalism) እዩ። እዚ ድማ ንሕጋውን ርሂፀ በላዕን ዘይሙቹ ሌብነትን ዓመፅን ከም መማረፂ መንገዲ መነባብሮ (alternative ways of survival) ገይሩ ንዝቖፅር ጭኑቕ (ፅጉም) ሓይሊ ኣብ ከምዝታት ንኽሳተፍ ዘበረታትዕ እዩ። ከም ውፅኢቱ እውን ጉዳይ "ሃንግ መቐለ" ምርኣይ ይከኣል እዩ። እዝታት ክንብል ከለና ዝተውሃበና መልሲ ፀርፊ እዩ (by the way እቶም ኣብዚ ዝፃረፉ ስልጣን እንተዝሕዙ ካብ ህወሓት ዘይኮነስ ካብ ህግደፍ ዝገደዱ dictators ምዃኖም ካልእ ምስክር ኣየድልን)።

3. መንግስቲ የለን እንድሕር ኢልኩም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓደ ውድብ ክጥርነፍ ትፈርዱሉ ኣለኹም። እዚ ሰራዊት እዚ ግን ህዝባዊ ሰራዊት እዩ። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ብዝመረፆ ህዝባዊ መንግስቲ ክምራሕ እናተገበኦ "መንግስቲ የለን" ኢልኩም ንህወሓት ትህቡዎ ኣለኹም ክንብል ከለና ይቕይዑ ነይሮም።

4. ብስሩ ኮ "ሕገመንግስትን መንግስትን የለን" እንተይልኩም ንስኻትኩም ንባጽልኹም ሕጋውነትኩም ይለዓል ኣሎ። "ሕጋዊ ዝገበረኩም ሕገመንግስትን መንግስትን እንድሕር ፈሪሰሞም ንስኻትኩም እውን ሓቢርኩም ፈሪስኩም ኢኹም" እንትንብሎም "ተፈጥሮኣዊ ናይ ምውዳብ መሰል ኣለና" ዝብል ካልእ ቀልዲ ነጊሮምና።

ቡዙሕ ቡዙሕ ምዝርዛር ይከኣል እዩ። ንግዚኡ እዚ ይእኸለና'ሞ - ሐዚ መንግስቲ ከልኪሉዎም ዶ ኣይከልከሎምን ኢልና ቅድሚ ምውጋዕና ውናት እዘን ክልተ ሕቶታት ይመልሱ (ብስርዓት እየ ሓቲተ ብስርዓት ንመልስ)።

1. ኣብ ትግራይ መንግስቲ ኣሎ ኢሎም ይኣምኑ ድዮም?

2. "ናይ ትግራይ ሕገመንግስቲ ፈሪሱ እዩ" ዝበሉዎ ቅዋሞም ኣመሓይሾም ድዮም ወይስ ኣብ ቦትኡ እዩ?

እዚአን ከምልሱ ከለዉ . . .

"እወ መንግስቲ ኣሎ" እንተይሎም
"እወ ሕገመንግስቲ ኣሎ" እንተይሎም

ኣብኡ እናሃለዉ እውን "ሕገ መንግስቲ ትግራይ ፈሪሱ እዩ ዝበልናዮን መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ኣይኮነን ዝበልናዮን ጌጋ እዩ ነይሩ" ኢሎም ብዕሊ መብርሂ እንተሂቦምን

ብህዝቢ ዝተመረፀ ሕጋዊ መንግስቲ ሕጊ ከኽብር እምበር ሕጊ ክጥሕስ ስለ ዘይግባእ ፣ ኣሰራርሓ ተኸቲሎምን ንመንግስቲ ፍቓድ ሓቲቶምን ኣኼባ ናይ ዘካይዱ ሕጋዊ ውድባት ዲሞክራስያዊ መሰል ንክኽበር ድምፂ ክንከውን ግድን እዩ። እንተዘይኮይኑ "ሕጊ የለን" እናበልካ ሕጋዊ መሰል ምሕታት ፣ "መንግስቲ የለን" እናበልካ መንግስቲ ምኽሳስ ኣይከኣልን። ሐዚ እውን መልሶም "ጉጅለ እምበር መንግስቲ የለን" እንተኾይኑ ግን ንሕና ምስ ጉጅለ ኣይንዘራረብን። ጉዳዮም ምስ ጉጅለ እንተኾይኑ ባዕሎም ይወድኡ። ንሶም ዶ ኣይበዝሑን ካብ ጉጅለ ደኣ። ካልእ እንተተረፈ ኮ ውድብን ጉጅለን ብቑፅርን ብዓቕምን ኣይነፃፀሩን። እዚ ዝብል ዘለኹ "ሕጊ የለን እንተይልካ ፣ ሕገ መንግስቲ የለን እንተይልካ ፣ መንግስቲ የለን እንተይልካ" ዘለካ ብሕታዊ መንገዲ ፍትሒ ጉልበት ምዃኑ ኢኻ ትነግረኒ ዘለኻ። እሞ ኣብ ሕጊ እምበር ኣብ ሞንጎ ጉልበተኛታት ኣቲና ክንገላግል ኣይንርገፅን። ስለዚ እቲ ፀገም ኣብ ሱሩ እምበር ኣብ ጨናፍሩ ክንፈትሖ ምሕሳብ መወድኢ ጊዜና አዩ ዝኸውን ዘሎ።

ሓሳበይ ዘእምኖን ዘየእምኖን ክህሉ ይኽእል እዩ። ብስርዓት ንዘራረብ ፣ ንሟገት ፣ ድሕሪኡ ናይ ሓባር መፍትሒ ነምፅእ። ከምዛ ዘለናያ እንተኾይና ግን ፖለቲካ ትግራይ ካብዚ ናብ ዝኸፈአ ኣዐርዩ መሰከፊ ባይታ ከም ዝወርድ ምንም ጥርጥር የብሉን። ዘይዘራእናዮ ክንዓፅድ ኣይንፀበ!

. . . እናኸድና🙏