INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ኣብ ዕነ ህወሓት ዝተፈጠራ ውድባት ትግራይ ፦

ተቓወምቲ ውድብ ህወሓት ዝቦቖላሉ ኣብ ሕምቀት ህወሓት ስለዝኾነ እዛ ውድብ እንተጠፊኣ ንሶም 'ውን ሓቢሮም ዝጠፍኡ ይመስለኒ። እዘን ውድባት ዝተጣየሻ ንህውሓት ንክቃወማ 'ምበር ካብ ህወሓት ዝሐሸ ፖለቲካዊ ምሕደራ ንምምፃእ ኣይመስላን። ብመሰረቱ ዝሐሸ ስነምሕደራዊ መማረፂታት ንህዝቢ ምቕራብ 'ምበር ንህወሓት ምቅዋም ፖለቲካ ክኸውን ኣይኽእልን። እዚ ፅልኣት እዩ።

ካብ መፈለምታኡ ተቓወምቲ ውድባት ክጣየሻን ክምስረታን ዝግብኧን ንዝሐሸ ፖለቲካዊ ምሕደራ ህዝበን ካብዘለወን ዝሐሸ መማረፂ ፖሊሲን ስትራቴጂን 'ምበር ንገዛኢ ውድብ ንምቅዋም ተባሂሉ ክኸውን ኣይነበሮን። ኣብ ዕነ ህወሓት ዝተፈጠራ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ፖለቲካ ዕጫኧን ኣብ ዒባ ካብዝፍጠሩ ዓጎሪያታት ዝተፈለየ ኣይክኾንን። እቲ ዒባ ከፍቲ ናብ ባይታ ነጢቡ ክሳብ ሃፊፉ ዝነቅፅ ኣብልዕሊኡ ብዝዓርፉዎ ናይ ዝተፈላለዩ ሃመማታት እንቋቑሖ ዓጎሪያታት ይፍልፈሉ 'ሞ ዕድመ 'ዞም ዓጎሪያታት ክሳብ እታ ዒባ ትነቅፅ ጥራሕ ይፀንሕ። እታ ዒባ ምስነቐፀት እቶም ዓጎሪያታት 'ውን ሓቢሮም ይጠፍኡ። ኣብ ዕነ [ሕምቀት] ህወሓት ዝተፈጠራ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዕድመኧን ኣብ ሃለዋት ህወሓት ዝተሓፀረ ጥራሕ እዩ።

እዘን ውድባት ካብዚ ሓፁር ክወፃ እንተኾይነንን መቃለሲ ኣጀንዳኧን ዕነ ህወሓት ካብምዃን ክናገፋ እንተኾይነን ተቓውሞኧን ኣብ ውድብ ህወሓት ዘይኮነስ ኣብምስባኽን ኣብምስራፅን ዝሐሸን ንሰን ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ኣብዝብልኦ ናይ ፖለቲካን ናይ ፖሊሲን መማረፂታት እንተትነጥፋ ይምረፅ። ከም ውልቃዊ ትዕዝብተይ ውናት ኣብ ብሄራውን መንነታውን ክብሪታት ህዝቢ ትግራይ ኣድሂቡ ይሰርሕ ብምህላዉ ብተነፃፃሪ ኣብ ዝሐሸ ኣንፈትን ዕማምን ዘሎ ይመስል። መቃለሲ ፖለቲካዊ መስመሩ [Ideology] 2ተ ጫፍ ኮይኑ 'ምበር ውናት ፖለቲካዊ ስነልቦናን ክብሪታት ህዝቢ ትግራይን ኣብዝሐሸ ግምት ኣእትዩ ወሸን ኢሉ ዝቃለስ ዘሎ ይመስል።