INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ህዝቢ ትግራይ ዘንብዐን ዘድመየን ኣካል ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ”

ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ህዝቢ ዓለም ፈሊጥዎ እዩ። ግን ድማ ኩሉ ሻብ ክንተኣማመን ዘለና ብፍትሓዊ ቓልስና እምበር፣ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ወይ ብኻሊእ ብዝወስዶ ስጉምቲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ረብሓ ዓለም ኩሎም ሓይልታት ደገ ብረብሓኦም መሰረት ዝዋስኡ ስለዝኾኑ ኩሉ ዝበፅሐና መጉዳእቲ ምላሽ ክንረክብ ኢና ማለት ኣይኮነን። ኩሎም ኣብ ባይታ ዘለው ሓቅታት እናረኣኻ ኩሎም እንሓቶም ነገራት ብሕጋዊ መንገዲ ምላሽ ንምርካብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሓት ሕቶታት እዮም ዘለውና፡፡ ሓደ ካብቶም ሕቶታትና ወንጀለኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምግባር እዩ። ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ህዝቢ ትግራይ ዘንብዐን ዘድመየን ኣካል ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ደገ ዝበፅሐ ሓደጋ ፍርዲ ክረክብ ምግባር ሓንቲ ዓባይ ስራሕና እያ። እዚኣ በይንና እውን ክንሰርሓ ኢና፣ ምስ ዓለም ለኸ ሕብረተሰብ ኮይንና እውን ክንሰርሕ ኢና።

ካልኣይ እንሰርሖ ነገር እንተሃለወ ከም ዝፍለጥ መሰረተ ልምዓትን ኢኮኖምን ትግራይ ዓንዩ እዩ። እዚ ድማ ስቕ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን፤ ክንከሓስ ኣለና። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብሃገር ደረጃ እንገብሮ ነገር ክህሉ እዩ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ድማ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክሕግዘና እንገብሮ ነገር ክህሉ እዩ።

ኣብ ፖለቲካ ዓለም ይኹን ብውልቀ ሰብ ካብ መጉዳእቱ ከሓዊ እንተኾይኑ ዓርሱ ከጠናኽርን ባዕሉ ክቃለስን ኣለዎ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ተረዲአምዎ ዶ? ዕምቆት እቲ ዝበፅሐና ግፍዒ ክሕግዘና ይኽእል ዶ ዝብል ምርድኡ ኣገዳሲ ዋላ እንተኾነ ግን ድማ ኩሉ መፍትሕታት ንማሕበረሰብ ዓለም ገዲፍና ከም ትካዎት ክወሃበና ግና ኣይንፀበን። ኣብ ባዕልና ተኣማሚንና ስለዝተቓለስና እዩ ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ ብርኪ ክንበፅሕ ዝኸኣልና። እዚ ክበሃል እንተሎ ግን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ቦታ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ . . . ሕዚ እውን እታ ዘላ ሓድነት፣ ዘላ ፍትሓውነት ዓቂብካ ምኻድ ንፃት እውን ይኹን ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። ፍትሓውነት እንተሊኡ ኩሉ ሻዕ ትስዕር ኢኻ፤ እዚ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ንሓዋሩ እውን፤ ዘድልዩና ነገራት ክህልው እዮም። ኣብዞም ኩሎም ጉድያት ኩሉ ግዘ ፍትሓዊ ምዃን ሳዓሪ ክትከውን ይገብረካ እዩ። ናይ ባዕልና ጉዳይ እውን ክህልወና ይኽእል እዩ።

ኣብ ፍትሒ፣ ዲሞክራሲ፣ ሰናይ ምምሕዳር ጉዳያት እውን ቅኑዕን ፍትሓውን ምዃን ወሳኒ እዩ። ኩሉ ሻብ ፍትሓውን ቅንዑን ምዃን እናሰዓረ እዩ ዝኸይድ። ኣብ ውሽጥና እውን ብኡ መንፈስ እንተኸድናዮ እናሰዓርና ኢና ክንኸይድ።

#ወይን

Read More