INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ህዝቢ ኣብዓላ/ሽኸት ካብ ፅንተት ናብ ፅንተት

ኩነታት ኣብ መዳጎኒ ሰመራ ዝፅንቱ ዘለዉ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ተጋሩ ብዝምልከት ካብ ሓደ ምዕራባዊ ዲፕሎማት ዝተረኸበ ሓበሬታ

መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህዝብታት ብዝፍፅሞ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ፤ ምስ መንግስታት ኣሜሪካን ምዕራብ ኣውሮፓን ኣውራ ከምዘዋጠጦን፤ ብዙይ እውን ንዝተፋላለየ ፋይናንሳውን ንግዳውን ማዕቐባት ኣሳጢሑዎ ሃገሩን መንግስቱን ናብ መንቀራቕሮን መዋጥርን ዘእተዎ ምዃኑ ዝሓበረ ሓደ ምዕራባዊ ዲፕሎማት ብዛዕባ መዳጎኒ ሰመራ እዙይ ይብል::

ኣብ መዳጎኒ ሰመራ ዓፋር ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ህፃውንትን ጥኑሳት ኣደታትን፣ ሃራሳትን ህሙማን ኣረጋውያንን ዝርከቡዎም ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ህዝቢ፤ ኣብ ቅሉዕ ሃሩር፣ ፀሓይን ቁርን፣ ንህማምን ሞትን ኣሳጢሑዎም ድሕሪ ምፅናሕ፤ ካብ ሰንበት ጀሚሩ መለለዪ ካርዲ ክትውሃቡ ኢሎም ንሕድሕዶም ከም ብሓዱሽ እናመዝገቡ፤ ናብ ቦታኹም ከነጓዓዕዘኩም ኢሎም የዳልዉዎም ከምዘለዉ እዩ እዙ ዲፕሎማት ሓቢሩ::

ነበርቲ ኣብዓላ/ሽኸት ሐዚ ክንደይ ብህይወት ከምዝተረፉ ገና ዘይተፈለጠ እንትኾን፤ ኣይኮነንዶ ጥሪቶምን ንብረቶምን፤ ገዛውቶም እውን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነወን ከምዝተጉሓለን ይፍለጥ:: ኣብ ልዕሊኡ ናብ ከባቢኦም ምስበፅሑ ዘድልዮም ሓገዝ ኮነ ኣብ ኢዶም ዝቋፀሩዎ ቀለብ ኮነ ገንዘብ ከምዘየለ እዩ ተሓቢሩ::

ካብዙ ዲፕሎማሰኛ ፍልፍል ንምርዳእ ከምዝተኽኣለ፤ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ኣወል ኣርባን ሐዚ ሃንደበት ናብ ኣብዓላ/ሽኸት ክመልሱዎም ዝጓየዩ ዘለዉ፤ ብምዕራባውያን ሕቶታት ስለዝበዝሖምን፤ ብፍላይ ድማ ኣባላት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት UNHRC ቅድሚ ናብቱ ከባቢ ምምፅኦም፤ ከይርእዩዎምን እዩ ብዘይቀለብ ብዘይቅድመ ምድላው፤ ስልኪ ኮነ ካሊእ መራኸቢ እኳ ናብ ዘይብሉ ዝዓነወ ኣብዓላ/ሽኸት ክብትኑዎም ዝሸባሸቡ ዘለዉ ይብል::

ኣብ ሰመራ ገዚፍ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ይወርዶም ከምዝፀንሐን ብዙሓት ከምዝሞቱን ፈሊጥና ኢና ዝብል እዙ ዲፕሎማሰኛ፤ እንተኾነ ግና ኣብዙ ሐዚ እዋን ቆላሕታ ዓለምለኸ ሚዲያታትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ምርካቡ፤ ስልክን ኢንተርኔትን ዘለዎ ከባቢ ምስምዃኑ፤ ኣብ ሰመራ ኩነታቶም ንምክትታል እኳ ይከኣል እዩ ይብል:: ናብ ኣብዓላ/ሽኸት ንኽምለሱ ቀረብ ቀለብን መሰረታዊ ግልጋሎታትን ግድን ኣቐዲሙ ክማላእ ኣለዎ ድማ ይብል::

ከምዙ ሐዚ ዝሸባሸቡዎ ዘለዉ ግና፤ ኣብዙ እዋን ክረምትን ዓሶን፤ ብዘይ ቀረብ ቀለብን ሕክምናዊ ኮነ ካልእ ግልጋሎትን ናብ ኣብዓላ/ሽኸት ወሲዶም እንተፍሲሶምዎም፤ ብዙሓት ህፃውንቲ ኣደታትን ኣረጋውያንን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ክሞቱ ከምዝኽእሉ የጠንቅቕ! ምሟቶም ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ኣብዓላን/ሽኸትን ከባቢኡን ስልክን ኢንተርኔትን ዕፅው ስለዝኾነ፤ ምንም መረዳእታ እውን ክርከብ ስለዘይከኣል ኣብ ዕፅው ፀልማት ከምዝውድኡ እዩ ኣጠንቂቑ!

ስለዙይ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ሙላእ ዓለም እንርከብ ዲያስፖራ ትግራይን፤ ንህዝብና ድምፅና ነሐይል! ህዝቢ ኣብዓላ/ሽኸት ናብ መረበቱ ክምለስ ዝተቓለስናሉ ሕቶና ኮይኑ፤ ምስተመለሱ ተወሳኺ ሕማምን ሞትን ከይበፅሕ፤ ኣድላዪ ቀለብ ሕክምናን መጣየሺን ኣቐዲሙ ብግቡእ ኣብ ኣብዓላ/ሽኸት ንኽዳለወሎም፤ ንማሕበረሰብ ዓለምን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብሐዚኡ ድምፅና ነስምዕ!