INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ

ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ንምግሃድ ኣብ ስራሕቲ ምህዞ ልዑል ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ከምዘድሊ ፣ ኣብ ስራሕቲ ምህዞ ተዋፊሩ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክምህዝ ዝኽኣለ መንእሰይ ገሊፁ።

መንእሰይ ንጉስ ፍፁም ኣብ ስራሕቲ ስእልን ምህዞን ዝነጥፍ እንትኸውን ፣ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ዝተረኣየ ወራር ኣምበጣ ስዒቡ ዝወረደ ዕንወት ሕራነ ፈጢሩሉስ ኬሚካል ክትነፅግ እትክእል ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክሰርሕ ከምዝኸኣለ እዩ ዝዛረብ።

ካልኦት ምህዞታት ከምዘለዉዎ ዝገልፅ መሃዛ ንጉስ፣ብሓይሊ ንፋስ ትሰርሕ መኪና ሰሪሑ ንዩኒቨርሲታ መቐለ ከምዘረከበ ኣዋጊዑና።

ኣብ ከይዲ ስራሕቱ ቡዙሕ ዕንቅፋት ከምዘጋጠሞ ፣ፈተናታት ፍልፍል ጥንካረ ምካኖም ተቐቢልካ ንቕድሚት ምስጓም ከምዘዕዉት እውን እምነቱ እዮ።

እታ ዝመሃዛ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፣ዓመትን መንፈቕን ክትበርር ከምዘይከኣለትን ድሕሪ ቡዙሕ ፈተናታት ግና ሐዚ ሱሩዕ በረራ ከምትበርር ድማ ነጊሩና።

ስራሕቲ ምህዞ ቴክኖሎጂ ኩለመዳያዊ ዕንወት ንዘጋጠማ ትግራይ ኣብሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ሉዑል ግደ ከምዝህልዎ ዝገልፅ መንእሰይ ንጉስ ፍፁም፣ኩሉ በቢዓቅሙ ናተይ ዝብሎ ኣሰር ከቐምጥ ከምዝግባእ ይሕብር።

“ንጉስ ኢንጅነሪንግ” ዝተሰየመ ትካል ክምስርት መደብ ኣለኒ ዝበለ መሃዚ ንጉስ፣ ሕልሙ ንምዕዋት ናይ ህዝብን መንግስትን ደገፍ ከምዘድዮ ኣመላኺቱ።

#ትዕግስቲ ሓጎስ