INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

መፍትሒ ብህፁፅ ክትግበር ዘለዎ

Source: https://www.facebook.com/100000375583152/posts/5042866765735793/

ካብ inbox ዝረኸብኩዎ (ትኽከለኛ ውን )

#Extraordinary existential threat In Extraordinary situations require extraordinary Dynamics solutions!

ንሕዝቢ ትግራይ አጋጢሞሞ ዘለው ናይ ሕልውና ሐደጋታት ካብቶም አብታሪኹ ዘጋጠሞዎ አበይቲ ብድሆታት እቶም ዝኸበዱን ዝተሐላለኹን ብድሆታት እዮም ብአይነቶም ዝተፈለዩ ኩሎም አይነት መፍትሕታት ድማ ይጠልቡ .

ነቲ በሰንኪ ዕፅዋን ብጥምየትን ጥይትን ዝሐልቅ ዘሎ ሕዝብና ከም ሐደ መፍትሒ ብህፁፅ ክትግበር ዘለዎ ወፍሪ አርሰ ምርኮሳ ሕርሻ ምእዋጅ እዩ.

መነግሰቲ ትግራይ ከለመዳይ ዝኾነ ትካል ብምጥያሽ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ዝምራሕ ብሄራዊ ወፍሪ ልምአት ሕርሻ ከተማን ገጠርን ክእውጅ አለዎ .

1 - ነዚ ከም መበገሲ አብኩለን ከተማታት ትግራይ አብ መንገስታዊ አብያተ እዮ ዝርከብ ሰፋሕቲ አብ ጥቅሚ ዘይውአለ መሬት ኩሉ አብከተማ ዘለው ግሪን ኤርያ ተባሂሎም ዝተኸለሉ ኩሎም ብወፈራ መልከእ ከለምኡ ብምግባር

2 - ከምኡውን ብሸም ኢንቨስትመንት ብሰብ ሐፍቲ ተወሲዶም ተሐፂሮም አብጥቅሚ ዘይወአሉ ሰፋሕቲ ናይ ከተማን ገጠርን ቦታታት ኩሎም ብፉሉይ አዋጅ ናብ መነገስቲ ክምለሱን ብሕዝቢ ከለምኡን አብጥቅሚ ክውእሉ ብምግባር .

3 - ነዚ ንምትግባር ድማ አብከተማን ገጠርን ዝነብር ናብ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዘይኸተተ ሕዝብና ናይ ቀዳማይን ካልአይን ብርኪ ተመሐሮ ሐዊሱ ናይ ሕረሻ ኮማንድ ፖሰት ብምጥያሽ ብኸፈለ ሰራዊት ብቦጦለኒ ብመስርዕ ብጋንታን ብሃይልታትን ወዲቡ ከልምኡ ብምግባር ቀልጢፎም ከበፅሑ ዝኸእሉ አሕምልትን ፍፍረምን ብምልማእ ውፅኢታዊ ዝኾነ ሕርሻዊ ልምአት ከሳልጥ ይከአል እዩ ነቲ ዘፈረየ ምሕረቲድማ ፍትሐዊ ብዝኾነ አገባብ ብራሸን ብኮማንድ ፖሰት ንሕዝቢ ክከፋል አለዎ

4 - እቶም ብአሽሐት ዝቁፀሩ ኮፍ ኢሎም ዝቅለቀቡ ዘለው ምርኮኛታት አብቲ ዝካየድ ሕርሻዊ ወፍሪ ከሰተፉ አለዎም

5 - እቲ አብ ከባቢኡ ማይ ዘለዎ ቦታ ብምጥላፍ ዳይቨርሸን ብምሰራሕ እቲ ማይ ዘይብሉ ቦታድማ ካብሩባታትን ግድባትን ማይ ብጉልበት ሰብ ብምምፃእ ክለምእ ይከአል እዩ

6 - አብሕድ ሕድ ከተማ ዝነብር ሕዝብና አብውሸጢ መረብኡን ወይውን ካንሸልኡን አገዳዲ ብዝኾነ መስርሕ አሕምልትን ፍረምረን ከልምኡ ዝገብር ሕጊ ከውፅአ አለዎ ብኸምዚ ኢና አርሰ ምርኮሳን ውሕስነት መግብን ተግባራዊ ክንገብር እንኽእል አብ ኩለን ዪንቨርስታት ትግራይ ዘሎ ሰፋሕቲ አብ ጥቅሚ ዘይወአለ መሬትውን ከለምእ አለዎ ትግራይ ትሰዕር

Read More