INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሕቶና ብንፁር እንታይ እዩ?

ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ሕቶታቱ ንፁራት ይመስለኒ።

ብዋናነት ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ግዘ ገደብ ዝፍፀሙ ድሌታት ወይ ባህግታት እዮም ክኾኑ። ውልቃዊ ርኢቶይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዘሎ ትግራዋይ ድሌታተይ ኢሉ ኣብ ዝተፈላለየ ግዘ ዘንፀባርቖም ሓሳባት እዮም።

1) ግዘ ዘይህቡን ኣብ ሓፂር እዋን ዝፍፀሙን
* ናብ ህዝብና ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ክብፅሕ
* እኹል ሕክምናን መድሓኒትን ክረክብ
* ባንኪ ፣ ስልኪ ፣ መብራህቲ ፣ ነዳዲን ካልእን ክረክብ

2) ነዚኦም ሒዝካ ዝትግበር ካልእ ምዕራፍ
* ሕጋዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ቦትኡ ምምላስ
* ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ
* ንቡር ሰላም ክምለሰሉ ዝኽእል ዕድላት ምድልዳል
* ኣብ ገበን ዘርኢ ምፅናት ዝተሳተፉ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ምግባር

3) ብሕጋዊ መስርሕ ህዝቢ ውሳንኡ ክፈልጥ ባይታ ምምችቻው። [ነፃ ሃገረ ትግራይ ንምምስራት ባይታ ምንፃፍ]
እዚ ንምግባር ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዓቕሚ እዩ ዝሓትት። በይኑ መንግስቲ ትግራይ ዝፍፅሞ ዕማም ኣይኮነን። ባዕሉ ውን ኣብ ዝሓለፈ ግዘ ነዚ እዩ ኣረጋጊፁ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ዓቕሚ ክጥቀም ከይፈተወ እቲ ኹነታት እዩ ዘገድዶ ፣ ነዚኣ ረጊፁ እንተኸይዱ ስቓይ ህዝቢ ካብ ምንዋሕ ወፃኢ ዘምፅኦ ፖለቲካዊ ከስቢ ኣይህሉን ፣ እኳ ድኣ ክሳራ እዩ።

እሞ ካብቶም ብንፁር እንደልዮም ባህግታት : እቲ ሓደ ማለት ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤት ምብፅፃሕ እዩ ክፍፀም ምሽብሻብ ዝግበር ዘሎ። [ካብ ልሙድ መታለላይ ባህሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተበጊስካ ክፍፀም እዩ ምባል እኳ ኸቢድ እንተኾነ] ግን ናብ ተግባር ክሳብ ዝእቶ እምነት ምሕዳር ኣይክኣልን።

“ውፅኢት ሓደ ኹናት ዝዕቀን ብእተድሕኖ ህዝቢ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ናይ ኩሉ ግዘ ገላፂ ሓሳብ እዩ። ‘ህዝብና ይድሓን’ ቀፂሎም ዝህልው ምዕባለታት ኣብ ህላወ ህዝብና ኮይንና እንውስኖም እዮም ክኾኑ።

ናብ ካልእ ዘዕሹ ጓል መንገዲ እንተዘይኣቲና!!
#kibrom_mulugeta
Digital Weyane ዲጂታል ወያነ