INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ሒሳብ ዶ ንፀባፀብ?

እዙ ፋሽስታዊ ወራር ምፅናት ዘርኢ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከምዛ ሎማዕልቲ ኣብ ዱሮ ኣሸንዳ ንመረዳእታ ኮሚሽን መረፃ ትግራይ መሰረት ገይረ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ 12 ሚልየን ከምዝኾነ ገሊፀ ነይረ:: ሰነድ እዩ!

ሒሳብ ዶ ንፀባፀብ?

>> ኮሚሽን መረፃ ትግራይ ከምዝበሎ፤ ክሳብ 3 ሚልዮን ትግራዋይ ኣብ'ዚ መረፃ ክሳተፍ ትፅቢት ከም ዝግበር እዩ። ጨለ!

>> እዞም 18 ልዕሊኡን ዕድመ ዘለዎም 3 ሚልየን መድመፅቲ፤ ካብ ሓዳር ዘይብሎም ክሳብ ሰለስተ ኣርባዕተ ህፃውንትን ዓዲ ውዒል ኣረጋውያን ዘለዉዎም ስድራታት ዝወከሉ እዮም ማለት እዩ:: ጨለ!

>> ንዙይ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ብማእከላይ ግምት እዞም 3 ሚልየን መድመፅቲ፤ ክክልተ ኣባላት ስድራ ኣለዉዎም እንተኢልና፤ ብድምር 6 ሚልዮን ይውስኹ ኣለዉ ማለት እዩ:: ጨለ!

>> መድመፅቲ ዘይኮንና፤ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ መላእ ዓለምን እንነብር ተወለድቲ ትግራይ፤ ሓደ እዋን ንማልት ኣመልኪቱ ብዝተወሰደ ግምት፤ ክሳብ 2 ሚልየን ከምእንኾን እዩ:: ጨለ!

>> መሬትን ህዝቢ ትግራይን ዝኾኑ ግና ናብ ኣምሓራ ዝተኸለሉ ልዕሊ ሓደ ሚልየን ከምዘለዉ ይግመት:: ጨለ!

>> ስለዙይ ብውሑዱ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ከባቢ 12ን ክሳብ 14ን ሚልየን እዩ!!

በሉ ስምዑ፤ ካልኣይ ማዕልቲ እዙ ቅድሚ 20ን ገለን ዓመት ናብ ዝነበረ ናይ ስክፍታ 5 ሚልየን ዝብል ግምት ከይንወርድ! ተኣማኒቶ ውድብ ናፅነት ትግራይ ዘይተኣወቱ እንተተሪፎም እሞ፤ ምስ ፌደራል ኢትዮጵያ ክንቕፅል እንተኾይንና እውን፤ ካብ ፌደራል ዝብፅሐና በጀትን ኩሉ ረብሓናን፤ ንዙ በዝሒ ህዝቢ ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ!! ርሑስ በዓል ኣሸንዳ ንዕምበባታት ኣዋልድ ዓደይ!! ንትግራይ ዝበለ ዘበን ይግበሮ!! ትግራይ ትመርፅ!! #ካሳ