INFORMATIE EN GEGEVENSVERZAMELING VOOR ONAFHANKELIJKE TIGRAY

ኣብዚ ገጽ እዙይ ብተጋሩ ልተጽሓፈ ተግንዩ

ዝርዝር ኣዋርሕ ኣብ ጎኒ እኒሀኩም። መጀመርታ ወርሒ ምረጹ ድሕሪኡ ልትደልዩዎ ኣረስቲ (ጽሑፍ) መሪጽኹም ኣንብቡ።

ፕሮጀክት ንሕና ንኣና!

* ሓደ ውልድ ሰማእታት ወይ ውልድ ጉዱእ ኣካል ትግራይ ብዘይወላዲ ኣይተርፍን!
* ሓደ ስድራ ስውእ ወይ ጉዱእ ኣካል ብዘይጠዋሪ ኣይተርፍን!

ኣብ እዘን ሰለስተ ማዕልቲታት ብሄራዊ ሓዘን ስውኣት፤ ህዝቢ ትግራይ መስዋእቲ ደቁ ተረዲኡ፤ ሕድሕድ ገዛ ትግራይ መርድእ ኣሎ! ትግራይ የመና ሓዚና ትነብዕ ኣላ! ኩሎም ሰማእታት ምእንተ ኩሉና እዮም ሓሊፎም! ከም ህዝቢ ኢና በሪስና! ከም ህዝቢ ተጨፍጪፍና! ከም ህዝቢ ድማ ተሰዊእና! ከም ህዝቢ ድማ ብሓደ ንሓዝን ኣለና! ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ከቢድን መሪርን ግን ክቡር ዋጋ ከፊልና! የመና ተጎዲእና! ስውኣትን ጉዱኣት ኣካልን ስድራ ኩልና እዮም! ምእንተ ኩላትና ኣብ መኸተ ፅንተት እዮም ተሰዊኦም፡፡ ብሳልኦም ድማ መሊእና ኣይፀነትናን ኣይተንበርከኽናን!

እሞ ድማ ንሕና፤ ብፍላይ ኣብ'ቱ ፈለማ፤ ከም ህዝቢ ሰማዒ እውን ዘይነበረና፤ ንበይንትና ኢና ነይርና፡፡ መኸተ ሓደ ኢልና ወፍሪ እንትንጅምር ዲያስፖራ ትግራይ «ኣነ ንህዝበይ!» ኢልና ጨሪሕና ነይርና ዝተበገስና! ኣብ ሜዳ ትግራይ ድማ፤ ቆራፃት ደቂ ህዝቢ፤ ኣብ ቆላ ተንቤን ተኣኪቦም ኣካይድኦምን ኣወዳድቦኦምን ኣመዓራርዮም፤ ኣንፃር እዞም ኩሎም ሓይልታት ዓለም «ትግራይ ትስዕር» ኢሎም ጨሪሖም፤ ኵናት መኸተ ፅንተት ዝጀመሩ፡፡ ካሊእ ሃፍቲ ወይ ኣያ ወይ ወገን ሃልዩና ኣይነበረን! ንህዝቢ ትግራይ ተኣማሚና እምበር!

ግፍዒ ፅንተት ምስወረዶ እዩ ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ኣብ መኸተ ፅንተት ዝተሰለፈን ፍትዋት ደቁ መሪቑ ኣጋዲሉ መሪር ዋጋ ምእንተ ትግራይ ዝኸፈለን፡፡ እምበኣር እዞም ብሄራዊ ሓዘን ስውኣት ኢልና እንዝክሮም ዘለና፤ እዞም ሎሚ ኣብ ሙሉእ ትግራይ መርድኦም ንሰምዖ ዘለና ሰማእታት ትግራይ፤ ንመሪር ግፍዒ ሪኦም ንበረኻ ዝወረዱን፤ ብረት ኣልዒሎም ምስ ሓይልታት ፅንተት ተሓናነኒቖም ፎቖድኡ ብጅግንነት ናይ ዝወደቑ መላምል ኣሓትና ኣሕዋትናን ደቅናን እዩ፡፡ ናይ'ቶም እታ እንኮ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ምእንታና ዝወፈዩ፤ ፎቖዶ በረኻ ግድምታት ሽንጥሮ ዝተረፉ፣ ፎቆዶ ቤት ማእሰርትታት ተሳቕዮም ዝማሰኑ ዝተቐተሉ፡፡ ናይቶም ኣእጋሮም ኣእዳዎም ዓኢንቶም ኣካሎም ምእንተ ትግራይ ከፊሎም፤ ዓዊሮም ሰንኪሎም ፀሚሞም ዘለዉ እዩ፡፡

እታ ክትጠፍእ ኩሎም ዘተሓባበሩላ፣ እታ ድሕሪ ደጊም ከም ሕሩጭ ኮይና ተበቲና ዝተብሃለት ትግራይ፤ እታ ካብ ሕልና ሰብን ታሪኽን ክትፍሓቕ ዝተብሃለት ትግራይ፤ ካብ ቆላ ተምቤን ክሳብ ሙሉእ ዓለም ስሙር መኸተ ኣካይዳ፤ ትግራይ ስዒራ ወፂኣ! ብሳልኦም ኢና ከም ህዝብን ትግራይን ቀፂልና ርእስና ኣቕኒዕና ተሓቢና ንነብር ዘለና! ከም ተወለድቲ ትግራይ ንዙ ዓብዪ ምስሊ ኢና ኣዕቢና ክንርኢ ዘለና! ወለዶ ትግራይ፤ ኣብ ደቀቕቲ ነገራት፤ ኣብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ኣይንፀመድ! እቶም ገዘፍቲ ኣጀንዳታት ትግራይ ከይሃሱ!

እዞም ህይወቶምን ኣካሎምን ዝኸፈሉ ጀጋኑ ተጋሩ፤ እዞም ሰማእታት፤ ክልተ ሰለስተ ኣጀንዳ ወይ ውልቃዊ ረብሓ ዝተቋመቱ ኣይነበሩን፡፡ እንትርፊ ምርግጋፅ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን! «ምእንታኺ ትግራይ» «ምእንታኻ ህዝቢ ትግራይ» ኢሎም እዮም፤ ምስ እልፈ ኣእላፍ ፀላእትና ዝተዋደቑ! ከባቢ ኣይፈለዩ፣ ሃይማኖት ኣይፈለዩ፤ ኣጀንድኦም ትግራይን ትግራዋይነትን ጥራሕ ስለዝኾነ፤ ብሓደ ተተራኢሶም ትግራይ ኣብ ዝብሃል መቓብር ዓሪፎም! ሓደ ንቱ ካልእ በይዛ እናኾነ፤ «ብፆት ንስኹም ውፁ፤ ኣነ ክሽፍን» እናበለት እናበለ፤ በይዛ ብፆታ በይዛ ብፆቱ ድራር ዓረር ኮይኖም! በይዛ ብፆቶም ምስ ታንክ ብክላሽንን ቦንባን ገጢሞም ወዲቖም! ንዝክሮ ዶ? እቱ ኣብ ኣፃድፍ ማሕበረ ዴጎ ናብ መርሸንቲ እናወሰዱዎ «ትግራይ ትዕወት!» እናበለ እናጨርሐ ዝተረሸነ መንእሰይ፡፡ ኩሎም ጀጋኑ ስውኣትና፤ ክሳብ እታ ሕልፈተ ህይወቶም፤ «ኣጆኹም ብፆት! ትግራይ ትስዕር! ትግራይ ትዕወት! ትግራይ ሕድሪ!» እናበሉ እናጨርሑ እዮም ሓሊፎም! ኩሎም ተጋደልቲ ትግራይ፣ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፤ እንትርፊ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ፤ ካልእ ልጋብ ኣጀንዳ የብሎምን ኣይነበሮምን ኣይለግቦምን! ፅሩያትን ኩሩዓትን እዮም! ብምግዳሎም ድማ ሕጉሳትን ሕቡናትን እዮም! ብሳላ ክቡር መስዋእቶምን ኣካሎምን ድማ ከም ህዝቢ መሊእና ኣይፀነትናን፣ ኣይተንበርከኽናን!

ንዞም ሰማእታት ኣብ ሓንቲ ወይ ሰለስተ ማዕልቲ ዕለት ሓዘን ሰማእታት ጥራሕ ኣይኮነን እንዝክሮም፡፡ በብማዕልቱ ክንዝክሮም ክነኽብሮም ምስ ስድርኦም ሓቢርና ክንነብር ኣለና! ግና ዝክረ ሰማእታት ንገብር ነኽብሮም ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ዝኽሪ ሰማእታትና ብብኽያት ንብዓት እናስተማሰልና ክንነብር ማለት ድዩ? ወይስ ንቱ ዝተሰውኡሉ ዕላማ ኣብ ሸትኡ ምብፃሕ፣ ሕድሮም ምፍፃም እዩ? ንስድራ ስውኣትን ጉዱኣት ኣካልን ጀጋኑና ኣለና ክንብሎም ኣለና! ንትግራይ ክነሕውያ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ደበስ መስዋእቶምን ኣካሎምን፤ ትግራይ ብኽልተ እግራ ጠጠው ኢላ፤ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክነሳግራ ኣለና! እዙይ ንልዕሊ ሚኢቲ ዓመታት ወለዶ ኣብ ልዕሊ ወለዶ እናፅነተ ዝቐፀለ ባዕዳዊ ወራር ንመወዳእታ ግዘ ይኣክል ክንብሎ ክንበቅዕ ኣለና! እዙይ እዩ ቃልኪዳን ኩልና ክኸውን ዘለዎ! እዙይ እዩ ዝኽሪ ክብርን ደበስን ሰማእታት ትግራይ! እዙይ ንምግባር ድማ ከም'ቱ ሰማእታት ትግራይ ቁሸት ፖለቲካ ሃይማኖት ፆታ እንተይፈለዮም፤ ትግራይ ኣብ ዝብሃል መቓብር ብሓባር ዝዓረፉ፤ ንሕና እውን ሽኻልናን ዓንድናን፤ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ! ቃልኪዳንና ነደልድል!

ካልእ ኹሉ ካልአዋይ እዩ! እታ ዘይትብተኽ ዘይትትካእ ፈትሊ፤ ምእንተ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን፤ ትግራዋይ ኮይንኻ ምርካብ ጥራሕ እዩ፡፡ ፈትልና ትግራዋይነት እያ! ኣይንቖርምማ ኣይንሸርምማ፤ ምስ ዝኾነ ይኹን ውልቃዊ ረብሓ ወይ ረስኒ ፖለቲካዊ ስምዒት ኣይነተኣሳስራ! ንዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ፀላእትና ኣሕሊፍና ክንህባ ኣይንፈትን! ዝኽሪ ሰማእታት ክንብል እንተለና ፈትሊ ትግራዋይነትና ኣስጢምና፤ ንስድራ ስውኣትን ጉዱኣት ኣካልን ምሕብሓብ፤ ኣጆኹም ኣለና ክንብሎም ክንኽእል እንተለና ጥራሕ እዩ! ንሕውየትን ትንሳኤን ትግራይ ተሰጣጢምና እንትንልዓል ጥራሕ እዩ!

ብዘይ ወለዲ ዝተረፉ ህፃውንቲ ትግራይ ብዙሓት እዮም፡፡ ክልቲኦም ወለዶም ዝሰኣኑ ደኻትም ብዙሓት ኣለውና፡፡ ጠወርቶም ዝሰኣኑ ዓቕሚ ዘይብሎም ወለዲ ብዙሓት እዮም፡፡ ህፃውንቲ ሒዛ ብዓል ገዝኣ ዝተሰውኣ ዝተሰውአቶ ዝጨነቖም ኣደታትን ኣቦታትን ትግራይ ገዛ ይቑፀሮም! ዝተፈላለየ ኣካሎም ጎዲሉ መሐከሚ ኮነ እኹል መግቢ ጫማን ክዳንን ዝሰኣኑ፤ ዝተፈላለየ መገልገሊ ኣቕሑት ዘድልዮም፤ ጉዱኣት ኣካል ትግራይ ብዙሓት እዮም፡፡ እቱ ብሚልየናት ዝቑፀር መረበት ዓዱ ተመንጢሉ ዝሳቐ ዝፀንት ዘሎ ህዝብና ከምዘሎ ኮይኑ!

ዲያስፖራ ትግራይ፤ ኣብ'ዘን ማዕልትታት ብሄራዊ ሓዘን ሰማእታት፤ ሓንቲ ቀላል ግና ክብርቲ ሕቶ ክንምልስ ግድን ይብለና! ኩልና ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝለዓለ መነባብሮ ዘለና ዲያስፖራ ትግራይ፤ በብማዕልቱ ሓንቲ ዶላር ንሓውና ንሓፍትና እንተሂብና ብርግፅ ናብራና ኣይቃወስን፡፡ ሐዚ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ግምት ንሓደ ሰብ ኣብ ወርሒ ምስ'ቱ ዘሎ ሸርፊ 30 ዶላር ይኣኽሎ እዩ ይብሉ፡፡ ብተግባር እውን ተፈቲኑ እዩ ይብሉ! ስለዙይ እዛ ሓንቲ ዶላር ኣብ ማዕልቲ ኣብ ትግራይ ንሓደ ውላድ ስውእቲ፣ ወይ ንሓደ ስድራ ስውእ፣ ወይ ንሓደ ጉዱእ ኣካል ዓንጊላቶ ክትውዕል ትኽእል ማለት እዩ፡፡ እሞ እዞም ኣሽሓት ህፃውንቲ ደቂ ስውኣት ባፂሖም ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ክሳብ ዝውድኡ እኳ ብስድራ ከከምዓቕምና ሓደ ወይ ክልተ ቆልዑት ኣብኡ እንተለዉ ዘይነባፅሕ፡፡ ወይ ሓደ ስድራ ስውእ ምስደቂ ስውኣት ዘይንጥውር! ኣብ ዲያስፖራ ዘለና ኩልና ተወለድቲ ትግራይ፤ እዙይ እንተገይርና ካብ ናብራን ትምህርትን ዝተርፍ ውላድ ስማእታትና ኣይህሉን፡፡ ዘይጥወር ስድራ ስውእ ወይ ጉዱእ ኣካል ኣይህሉን!

እዙይ ድማ ባዕልና ብኸም'ዙይ ዝስዕብ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክንጅምሮ ተበጊስና ኣለና፡፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ድማ ዲያስፖራ ትግራይ ማዕበል ከም ዝፈጥር ንኣምን!

1. ዲያስፖራ ዝኸኣልና ሕድሕድና 30 ዶላር ንወርሒ ንሓደ ሰብ ሒሳብ ኣብ ሙሉእ ትግራይ ስድራ ሰማእታትን ጉዱኣት ኣካልን ከም ስድራና ንሕዝ፡፡ ብዙይ ድማ ንባዕልና ስድራ ኢና ነጥሪ ዘለና! ደቂ ስውኣት ኢና ከም ደቅና ነባፅሕ ነምህር ዘለና! ስድራ ስውኣት ኢና ከም ወለድና ንጥውር ዘለና! በብማዕልቱ ንቶም ክንዳና ዝሓለፉ ንሰማእታትና ብኸም'ዙይ ንዝክሮም ነኽብሮም! ንደቆም ወለዲ፣ ንወለዶም ውልድ ኮይንና ነኽብሮም! ብኸም'ዙይ እዩ ክብርን ዝኽርን ሰማእታት!

2. ዝኸኣልና ዘበልና ዲያስፖራ ትግራይ ኩልና፤ ናበየ ኸባቢና ናብ ዓዲ ንድውል፡፡ ሎሚ ኣብ ትግራይ መስዋእቲ ዘይተንከፎ ትግራዋይ ስድራ ስለዘየለ፤ ኣብ ገሊኡ እኳ ኣርባዕተ ሓሙሽተ፤ ንስድራና ኣዝማድናን ጎራብትናን ብምድዋል ንጅምር! ኣብ'ቱ ከባቢ፣ ኣብ ገዛውትና፣ ኣብ መንደርና፣ ኣብ ጣብያና ክንደይ ደቂ ስውኣት፣ ደቂ ጉዱኣት ኣካልን ስድራ ስውኣትን ከምዘለዉ ንስድራና ንኣዝማድና ንእንኣምኖም መሓዙትና ጎራብትና ንሓትት፡፡

3. ሕድሕድ ስድራ ዲያስፖራ ከከምዓቕምና ብዝተኽኣለ ንዞም ስድራ ስውኣት ምስ ደቂ ስውኣት ከም ስድራና ንማቐሎም፡፡ ንሓደ ሰብ ብወርሒ 30 ዶላር ሒሳብ በብወርሑ ከም በዝሒ ሰቦም ብቐጥታ ናብ ባዕሎም ብስሞም ናብ ዝኽፈት ባንኪ እናልኣኽና ከም ስድራና ንሕብሕቦም፡፡

4. ንዙይ ወፍሪ ንሕና ንኣና ዝኸኣለ ኣብ ዓለም ዘሎ ዲያስፖራ ትግራይ ኩሉ እንተጀሚሩዎ፤ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ብዙሓት ስድራ ስውኣት ኣብ መብዛሕቲኡ ትግራይ ክንሽፍን ንኽእል ኢና፡፡

5. ቀፂሉ እቶም ወለዶም ዝሰኣኑ ካብ ዲያስፖራ ስድራ ዘይረኸቡ ደኻትም ደቂ ስውኣት፤ እቶም ስድራ ዝብሃል ዘይብሎም ደቂ ስውኣት፤ ሙሉእ ፈተሻ ተገይሩ ስድራ ዲያስፖራ ትግራይ ዝረኽቡሉ ኩነታት ይፍጠር፡፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ማእኸላት መሐብሐቢ ደቅና ነጣይሸሉ ፕሮጀክትታት ናብ ምቕራፅን ምትግባርን ንኣቱ፡፡

6. ንፕሮጀክት ንሕና ንኣና ንምትግባር ድማ፤ ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ዲያስፖራ ትግራይ ባዕልና ቀጥታ ምስ'ቶም ስድራ ስውኣት ንራኸብ፤ ስምምዕ ስድራ ንገብር፤ ባንኪ ኣካውንት ክህልዎም ንገብር፤ ናይታ ስውእቲ ወይ ስውእ ዝርዝር ታሪኽ ምስ ቅዳሕ ሰርቲፊኬቱ ይህልወና፤ ፎቶግራፋት ምስዞም ሓደስቲ ስድራና ንለዋወጥ፤ ከም'ቱ ምስስድራናን ኣዝማድናን ዘለና ምትእስሳር ምስ'ዙ ሓዱሽ እንምስርቶ ዘለና ስድራና ርክብና ብቐፃልነት ነደልድል፡:

7. ብኸም'ዙይ ተወለድቲ ዲያስፖራ ትግራይ ዓቕምና እንተይፀንቀቕና፤ ናብራና እንተይጎዳእና፤ ብ30 ዶላር ንሓደ ሰብ ሒሳብ ብወርሒ ብርግፅ ሕውየት ስድራ ስውኣትን ጉዱኣት ኣካልን ትግራይ ክነረጋግፅ ንኽእል ኢና፤ ክንትግብሮ ድማ ትማሊ 4 ጥቕምቲ 2016 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተረዳዲእና ናብ ስራሕ ኣቲና ኣለና፡፡

ብኸም'ዙይ ኣብ ደቂን ስድራን ስውኣትን ጉዱኣት ኣካልን እንተወፊርና፤ ሓደ ውሉድ ስማእታት ወይ ውሉድ ጉዱእ ኣካል ብዘይ ወላዲ ኣይተርፍን፡፡ ሓደ ስድራ ስውእ ወይ ጉዱእ ኣካል ብዘይ ጠዋሪ ኣይተርፍን!

ንሕና ንኣና! ብዝብል መሪሕ ጭርሖ፤ ከም'ቱ ኣብ መጀመርታ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝነበረ ዝተዋደደን ዝተሰጣጠመን ዓለምለኸ ሓይሊ መኸተ ዲያስፖራ ትግራይ፤ ሐዚ እውን ማዕበል ንፈጥር፡፡ ከምቱ ኣብ መኸተ ተሰጣጢምና ንፀላእትና ዝሰዓርናዮም፤ ኣብ ሕውየት ገዛና እውን ናይ ማንም ተፀበይቲ እንተይኮንና፤ ሕድሕድ ስድራ ፈቲሽና፤ ብጥሙር ሓድነትናን ሓይልናን፤ ባዕልና ንባዕልና ተሓጋጊዝና ኩሉ ሰይርናዮ ክንወፅእ ኢና! ክንገብሮ ስለዝኾና ንጅምሮ ኣለና፤ ንሕና ትግራይ ኢና!

ዝኽርን ክብርን ሰማእታት ትግራይ ትርጉሙ እዙይ እዩ! ብኽያት ኣይኮነን፤ ኩልሻዕ ኣብ ቐረብኦም ኮይንና ብተግባር ክንዝክሮምን ክነኽብሮምን ኣለና! ካብ ሕኹትኩት ንውፃእ! ካብ ፀለመን ደብረኽረኽን ንናገፍ! ዲያስፖራ ንበራበር ንሰጣጠም! ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኵናት እዩ ዘሎ! ሞት ጥይት መዳፍእ ነፈርትን ድሮንን ጠጠው እንተበለ እኳ፤ ህዝብና መሬቱ ተጎቢጡ ተመዛቢሉ፣ ብጥምየት ብሰኣን መድሓኒትን፣ ብስም ሰላምን ማእሰርትን ስደትን ይመውት እዩ ዘሎ! ፅንተት ትግራይ ኣየብደየን! ንዙይ ግዘ ክንሰግሮ እንኽእል ከም ህዝብን መንግስትን ኣብ ሓድነትና ረቢብና ተሰጣጢምና ጥራሕ እዩ፡፡ ካልእ መማረፂ የብልናን!

ሕድሕድ ገዛ ተጋሩ ኣብ መርድእ እዩ ዘሎ! ካብ'ዙይ ዝኸፍአ ጥፍኣት ሞት ውድቀት የለን! ድሕሪ እዙ ኹሉኸ ምስ እዚኦም እንታይ ክንውስኽ እንታይከ ተሪፉና! መናብርትና ኣይኮነን መኻይድና እውን ክኾኑ ኣይኽእሉን! ኣዕፅምቲ ደቅና ደቂ ደቅና ድሕሪ እዙይ ንኸይዝርኣ፣ ደሞም ድሕሪ ደጊም ንኸይውሕዝ፤ ከም ህዝቢ ትግራይ ይኣክል ክንብሎ ኣለና! ሓደ ድምፂ ንኹን! ኣብ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ሸኺልና ኣርሒቕና ኣሚትና ብሓደ ንሰድር!

ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ!
Telegram : https://t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh